ኣሬታ ፍራንክሊን፡ ታሪኽ ህይወታ ዘዘንቱ ፊልም ድሕሪ 46 ዓመት ንምርኢት ክበቅዕ'ዩ

ኣሬታ ፍራንክሊን

ሰነዳዊ ፊልም ኣሬታ ፍራንክሊን ንነዊሕ ዓመታት ትጽቢት ክግበረሉ ጸኒሑ'ዩ።

ኣብ ዝቕጽሉ ቀረባ መዓልታት ግና፡ ኣብ ውሽጢ 46 ዓመት፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ንምርኢት ክበቅዕ'ዩ።

እዚ'ኣሜዚንግ ግሬዝ" ዝብል ኣርእስቲ ዝተውሃቦ ሰነዳዊ ፊልም፡ ዋላ'ኳ ኣብ 1972 ዓመተ ፈረንጂ፡ ብዳይሬክተር ሲድነይ ፖላክ እንተተሰነደ፡ ከይተኣረመ ንዓሰርታት ዓመታት ጸኒሑ'ዩ።

ብምኽንያት ጉዳያት ሕጊ ንምርኢት ከይበቕዐ ዝጸንሐ እዚ ፊልም፡ 12 ሕዳር 2018 ደገፍታ ኣብ ዝተረኸብሉ ወግዓዊ ክኸውን'ዩ።

ኣሬታ ፍራንክሊን፡ ኣብ 76 ዓመታ'ያ ብሕማም መንሽሮ መይታ።

እቲ ንታሪኽ ህይወታ ዝሰነደ ፊልም ኣሜዚንግ ግሬስ፡ ተሰሪሑ ኣብ 2011 ተወዲኡ፤ ኣብቲ እዋን ብዘጋጠሙ ቴክኒካዊ ጸገማት ግና ንምርኢት ክበቅዕ ኣይክኣለን።

ኣዳላዊ እቲ ሰነዳዊ ፊልም ኣላን ኢሎት፡ ኣሬታ ዝነበራ ተፈላጥነትን ብዘይፍቓዳ ብምጥቃሙ ስለዝተኸሰሰ፡ ፍራንክሊንን ጠበቕኣን ብተደጋጋሚ እቲ ፊልም ንከይርአይ ክኽልክሉ ጸኒሖም'ዮም።

እታ ደራፊት ምስ ሞተት ግና፡ እቲ ናይ ሕጊ ጉዳያት ተወዲኡ፡ ስድርኣ ድማ እቲ ፊልም ንኽርአይ ፍቓደኛታት ኾይኖም።

ደራፊት ኣሬታ ፍራንኪልን ኣብ 1970

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዳይሬክተር ሲድነይ ፖላክ፡ "ኣውት ኦፍ ኣፍሪካ" ብዝብል ፊልም ሽልማት ኦስካር ተዓዋቲ ኮይኑ'ዩ።

ኣሬታ ፍራንክሊን'ውን ተዓዋቲት 18 ሽልማት ግራሚ ኾይና፡ ንሰብዓ ዓመታት ዝኣክል ድማ ኣብ ሰደቓ 17 ብሉጻት ደረፍቲ ኣሜሪካ ተሰሪዓ'ያ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ 'መገዲ ኣሬታ' ተባሂሉ ብሽማ ኣብ ኣሜሪካ ሓደ ጎደና ተሰይሙ'ዩ።

መግለጺ ቪድዮ, ኣብ ዝፈረሱ ህንፃታት ደርፊ ትለማመድ።