ብርጋዴር ጀነራል ከማል ገልቹ ካብ ሓላፍነቶም ተላዒሎም።

ብርጋዴር ጄኔራል ከማል ገልቹ

ምንጪ ስእሊ, OPanther

መግለጺ ስእሊ, ብርጋዴር ጄኔራል ከማል ገልቹ

ሓላፊ ቢሮ ምምሕዳርን ጸጥታን ክልል ኦሮምያ፡ ብርጋዴር ጀነራል ከማል ገልቹ ካብ ሓላፍነቶም ተላዒሎም።

ካብ ስረሖም ከምዝተሰናበቱ ዝገልጽ፡ ፊርማ ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ፡ ለማ መገርሳ፡ ዘለዎ ደብዳበ ዝሓለፈ ሶኒ ከምዝበጸሖምን፡ ምኽንያቱ ግን ከምዘይተገለጸን ብርጋዴር ጀነራል ከማል ንቢቢሲ ገሊጾም።

እዚ ክኸውን ከምዝኽእል ይግምቱ ከምዝነበሩ ዝዛረቡ ብርጋዴር ጀነራል ከማል ገልቹ ''ኣብቲ ምምሕዳር ናይ መንግስትን ናይቲ ውድብን ስራሕ ዝሰርሕሉ መገዲ፡ብናተይ ፓርቲ ይኹን ብውልቀይ ተቐባልነት የብሉን። ኣብ ናይ መንግስቲ መዓልታዊ ስራሕ ፓርቲ ኢዱ ከእቱ ኣለዎ ኢልና ኣይናኣምንን'' ክብሉ ሓደ ምኽንያት ምልዓል ካብ ሓላፍነቶም ክኾን ከምዝኽእል ይዛረቡ።

ብተወሳኺ '' ፖለቲካዊ መኽሰብ ንምርካብ ተባሂሉ፡ ናዓይ ናብ ሓላፍነት ክመጽእ ምግባሮም፡ እቲ ኣመራርሓ ኣብ ሕቶ ክኣቱ ዝገበሮ ይመስለኒ'' ይብሉ።

ብርጋዴር ጀነራል ከማል ገልቹ፡ ብመሰረት ጻውዒት ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ድሕሪ 13 ዓመታት ናብ ኢትዮጵያ ዝተመለሱ እንትኾን፡ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ናይ ክልል ኦሮምያ ጸጥታን ምምሕዳርን ቢሮ ሓላፊ ኮይኖም ተሸይሞም።

ኣባል ኦዴፓ ዘይኮኑ ብርጋዴር ጀነራል ከማል ገልቹ፡ ኣብ ቁጽጽርን ስምሪትን ሓይሊ ሰብ እቲ ቢሮ፡ ዓብላልነት ኦዴፓ ከምዘሎ ይዛረቡ።