ከባቢ 400 ዝኾኑ ዕጡቓት ዳዕሽ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣቲዮም

ጥርጡራት ኣባላት ዳዕሽ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ከባቢ 400 ዝኾኑ ዕጡቓት ዳዕሽ፡ ካብቲ ሒዞሞ ዝነበሩ ጭራም መሬት ሶርያ ክሃድሙ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ከም ዝኣተው ብኣሜሪካ ዝድገፉ መሊሻታት ሓቢሮም።

ኮማንደር ዴሞክራስያውያን ሓይልታት ሶርያ ከም ዝሓበሮ፡ እቶም ዕጡቓት ጉጅለ ዳዕሽ ብሰምሰርቲ ተሓጊዞም፡ ካብ ባንጉዝ ዝበሃል ቦታ ተሓቢኦም ክወጹ ኣብ ዝፈተኑሉ ከም ዝተተሓዙ ኣብሪሁ።

እዚ ፍጻመ፡ ዴሞክራስያውያን ሓይልታት ሶርያን ሓይልታት ኣሜሪካን ኣብ 'ባንጉዝ' ጽዑቕ ደብዳብ ድሕሪ ምክያዶም እዩ ኣጋጢሙ።

እዚ እስላማዊ ጉጅለ ጥሩፋት፡ ኣብ ሓደ እዋን ካብ መሬት ሶርያ ጀሚሩ ክሳብ ዒራቕ ዝበጽሕ 88,000 ትርብዒት ኪሎሜትር ዝዝርጋሕ መሬት ተቖጻጺሮም ከም ዝነበሩ ይፍለጥ።

ኣብዚ ዝተጠቕሰ ግዝኣት፡ ኣብ ልዕሊ 8 ሚልዮን ህዝቢ፡ ኣረሜናዊ ስርዓት ከም ዝተኣታተውን፡ ካብ ዕደና ነዳዲ፤ ዘመተ፡ ስርቅን ምጭዋይ ሰባትን ብቢልዮናት ዝግመት ኣታዊ ከም ዝነበሮም ይዝረብ።

ብሓያላት ሃገራት ተሓጊዙ ን5ተ ዓመት ዝቐጸለ ሓያል ውግእ፡ ዳዕሽ ካብቲ ተቖጻጺሮምዎ ዝነበሩ መሬት ተደፊኦም ኣብ ዶብ ሶርያን ዒራቕን ተጸጊዖም ነይሮም።

ዴሞክራስያውያን ሓይልታት ሶርያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ 'ንባንጉዝ' ንምሓዝ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ከም ዝጀመሩ ድሕሪ ምሕባር፡ ኣብታ ዓዲ ብዛይካ ኣሸበርቲ ካልእ ዝተረፈ የለን ክብሉ ኣዊጆም።

ወሃቢ ቃል ዴሞክራስያውያን ሓይልታት ሶርያ ከም ዝሓበሮ፡ ሰኑይ መዓልቲ ኣስታት 3000 ሰባት ካብቲ ከባቢ ከም ዝገዓዙን፡ ከምኡ'ውን ካልኦት 3500 ሰባትን 500 ኢዶም ዝሃቡ ኣባላት ዳዕሽን ካብቲ ከባቢ ሰሉስ መዓልቲ ከም ዝወጹ ኣብሪሁ።

ኣንስትን ቖልዑትን

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ሮቡዕ'ውን ካልኦት 2000 ሰባት ንባንጉዝ ራሕሪሖም ከም ዝወጹ ሮይተርስ ኣፍሊጡ። እዞም ሰባት ብዴሞክራስያውያን ሓይልታት ሶርያ ከም ዝተፈተሹን፡ መግብን ማይን ከም ዝተውሃቦም'ውን ተገሊጹ።

እዞም ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ዳዕሽ ዝነብሩ ዝነበሩ ኣንስትን ቖልዑትን፤ ከምኡ ድማ ኣብ ግዝኣት ዳዕሽ ክነብሩ ናብ ሶርያን ዒራቕን ዝተጓዕዙ ካልቶት ወጻእታኛታት፡ ብዴሞክራስያውያን ሓይልታት ሶርያ ናብ ዝመሓደር ከባቢታት ተወሲዶም።

ገበርቲ ሰናይ፡ እቲ መዓስከር ከባቢ 50 ሽሕ ሰባት ከም ዘለው ድሕሪ ምሕባር፡ እቲ ኩነታት ልዕሊ ዓቕሞም ይኸውን ከም ዘሎ ኣጠንቂቖም።

ብሰኑይ ጥራይ፡ ኣስታት 90 ሰባት ኣብቲ መዓስከር ምስ በጽሑ ከም ዝሞቱ'ውን ሓቢሮም።