እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሩንዲ፡ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ተዓጽዩ
ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ብሩንዲ ብመንግስቲ ብዝተገብረሉ ጸቕጢ ተዓጽዩ።
ሰብ መዚ ብሩንዲ ምስ'ቲ ካብ 2016 ጀሚሩ ምትሕግጋዝ ብምቁራጽ፡ እታ ሃገር ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ብዙሕ ለውጢ ስለ ዘመዝገበት፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣድላይነት የብሉን ክብሉ ጸኒሖም።
ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ሚሸል ባችለት ግና ዝበዝሐ ካብቲ ለውጥታት፡ ኣብ 2015 ፕረዚደንት ፕየር ንኩሩንዚዛ ንሳልሳይ ግዜ ክወዳደር ድሕሪ ምውሳኑ፡ ንሓደጋ ተሳጢሑ ምህላው ትገልጽ።
ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕበራት ሃገራት ኣብ ብሩንዲ፡ ኣብ 1995 ድሕሪ ዘጋጠመ ዓሌታዊ ምቅታል እዩ ተኸፊቱ።
ብሩንዲ ጌና ተኣፋፊት ምህላዋ ኣብ 2015 ዘጋጠሙ ፍጻመታት የርእዩ። ሽዑ ፖለቲካውን ዓሌታውን ጎንጽታት ኣንጸላልይዋ ምንባሩ ይዝከር።