ዶብ ኣሜሪካ - ሜክሲኮ፡ ኣሜሪካ 2000 ተወሰኽቲ ወተሃደራት ናብቲ ዶብ ክተዋፍር`ያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣሜሪካ ክልተ ሽሕ ተወሰኽቲ ወተሃደራት ናብ ዶብ ሜክሲኮ ክተዋፍር'ያ። እቶም ወተሃደራት ኣብ ሓለዋ ዶብ ንዝተዋፈራ ካልኦት ትካላት ክሕግዙን ናይ ምክትታል ክገብሩን ትሪኳላታ ክዝርግሑን`ዮም ኢሉ ፔንታጎን።
እዚ ውሳነ`ዚ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ`ቲ ዶባ ንመህነጺ መንደቕ ዝኸውን ንክወሃቦ ምስ ባይቶ`ታ ሃገር ይዋጠጠሉ ኣብ ዘሎ እዋን`ዩ ተወሲዱ።
ነቲ ዶባ ብመንደቕ ምዕጻው ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ምግታእ ሓጋዚ`ዩ ይብል ንሱ።
እንተኾነ ግን እቲ ትራምፕ ምስ`ቲ ብኣባላት ሰልፊ ዲሞክራትስ ዝተዓብለለ ባይቶ ዝገብሮ ምፍጣጥ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ እቲ ዝነውሐ ምዕጻው ትካላት መንግስቲ ኣስዒቡ`ዩ።
ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነቲ ምዕጻው ትካላት መንግስቲ ንምኽፋት ጊዜያዊ ስምምዕ`ኳ እንተገበረ እቲ ንመህነጺ መንደቕ ዘድልዮ ገንዘብ እንተዘይተዋሂብዎ ዳግማይ ምዕጻው ትካላት መንግስቲ ክስዕብ ምዃኑ ወይ ድማ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ክእውጅ ምዃኑ ፈኪሩ`ሎ። እቲ ዝተበጽሐ ጊዜያዊ ስምምዕ ዝመፅእ 15 ለካቲት ከብቅዕ`ዩ።
ትራምፕ ሰሉስ ኣብ ዝህቦ ዓመታዊ ሃገራዊ መግለጺ፡ ነዚ ጉዳይ ዶብ ከምዘልዕሎ ትጽቢት ይግበር።
እንታይ`ዩ`ቲ ሓድሽ ነገር?
ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካ 3,750 ተወሰኽቲ ወተሃደራት ናብ ዶብ ሜክሲኮ ክለኣኹ ምዃኖም ኣፍሊጡ፡ ብዙሓት ካብኣቶም ግን ቅያር ናይ`ቶም ኣብ`ቲ ቦታ ተዋፊሮም ዘለዉ ወተሃደራት`ዮም።
እቶም ቀዳሞት ወተሃደራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ`ዮም ኣብ`ቲ ቦታ ተዋፊሮም።
`ተወሰኽቲ ኣሃዱታት ን90 መዓልታት ክዋፈራ`የን። ንተልእኾ ምሕላውን ምውሓስን ደቡባዊ ክፋል ዶብና ዘድሊ ዓይነት ሰራዊት ንምፍላጥ ድማ ቀጻሊ ገምጋማት ክንገብር ኢና` ኢሉ ፔንይታጎን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተልእኾኦም ድማ `ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም 2019 ተንቀሳቐሲ ምክትታል ምግባርን ኣብ መንጎ መእተዊ ነቑጣታት ኣስታት 150 ማይልስ ዝኸውን ትሪኳላታ ምዝርጋሕ`ዩ` ኢሉ ፔንታጎን ኣብ መግለጺኡ።
ፕረሲደንት ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቶም `ወራር` ክፍጽሙ ብ`ቃፍላይ` ይጓዓዙ`ለዉ ዝበሎም ፍልሰተኛታት ንምግታእ ተወሰኽቲ ወተሃደራት ናብ`ቲ ዶብ ክዋፈሩ ምዃኖ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ብሰንበት ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ድማ `መንደቕ እንተዘይተነዲቑ ውሕስነት የለን` ክብል ኣስሚሩሉ።
ትራምፕ ነቲ ኣብ ዶብ ሜክሲኮ ዘሎ ኩነታት ብተደጋግሚ `ቅልውላው` ብምባል ክገልጾ ጸኒሑ`ሎ። ነቐፍቱ ግን ነቲ ምውፋር ወተሃደራት ኣቓልቦ ንምስሓብ ዝግበር ናይ ርኣዩለይ ስምዑለይ ፖለቲካ`ዩ ይብሉ።
ትራምፕ ግን ናብ ዶብ ሜክሲኮ ወተሃደራት ዘዋፈረ ናይ ፈለማ ኣሜሪካዊ ፕረሲደንት ኣይኮነን። ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ`ውን 1,200 ወተሃደራት ኣባላት ሃገራዊ ሓለዋ ሰዲዶ ነይሩ። ፕረሲደንት ጆርጅ ዳብሊዩ ቡሽ ድማ ብመንገዲ`ቲ ኦፕሬሽን ጃምፕ ስታርት ተባሂሉ ዝፍለጥ ተልእኾ ኣስታት 6,000 ወተሃደራት ኣዋፊሩ ነይሩ።
ኣብ`ቲ ዶብ እንታይ`ዩ ዘጋጥም ዘሎ?
ኣብ መዳጎኒ ዝርከቡ ትሽዓተ ፍልሰተኛታት ናይ መግቢ ምሕሳም ኣድማ ብምግባሮም ብሓይሊ ከምዝበልዑ ተገይሮም ኢሎም፡ ሰብ መዚ ግዝኣት ቴክሳስ ኣብ`ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ።
ሰብ-መዚ ኢሚግሬሽን፡ ነቶም መግቢ ዝተሓሰሙ ሰባት ንምምጋብ ናይ ፕላስቲክ ቱቦታት ተጠቒሞም። ቤተሰብ ናይ`ቶም ሰባት ግን እቲ ዓይነት ኣመጋግባ ኣብ ልዕሊ`ቶም ኣዝማዶም ብርቱዕ መድመይቲ ኣፍንጫን ተምላስን የስዕብ ኣሎ ይብሉ።
እቶም እሱራት ንኩነታት ኣብ ኤል ፓሶ መሳለጢ ማእከል ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰባት ብምቅዋም`ዮም፡ ናይ መግቢ ምሕሳም ኣድማ ገይሮም።
ትካል ኢሚግሬሽንን ጉምሩክን እቲ ብሓይሊ ምምጋብ ብውሳነ ሓደ ናይ ፈደራል ዳኛ`ዩ ተገይሩ ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







