ዶብ ኣሜሪካ - ሜክሲኮ፡ ኣሜሪካ 2000 ተወሰኽቲ ወተሃደራት ናብቲ ዶብ ክተዋፍር`ያ

ወተሃደራት ሓፁር እናዘርግሑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ወተሃደራት ኣብቲ ዶብ ኣብ ዝዝርጋሕ ሐፁር ሓገዝ ይገብሩ

ኣሜሪካ ክልተ ሽሕ ተወሰኽቲ ወተሃደራት ናብ ዶብ ሜክሲኮ ክተዋፍር'ያ። እቶም ወተሃደራት ኣብ ሓለዋ ዶብ ንዝተዋፈራ ካልኦት ትካላት ክሕግዙን ናይ ምክትታል ክገብሩን ትሪኳላታ ክዝርግሑን`ዮም ኢሉ ፔንታጎን።

እዚ ውሳነ`ዚ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ`ቲ ዶባ ንመህነጺ መንደቕ ዝኸውን ንክወሃቦ ምስ ባይቶ`ታ ሃገር ይዋጠጠሉ ኣብ ዘሎ እዋን`ዩ ተወሲዱ።

ነቲ ዶባ ብመንደቕ ምዕጻው ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ምግታእ ሓጋዚ`ዩ ይብል ንሱ።

እንተኾነ ግን እቲ ትራምፕ ምስ`ቲ ብኣባላት ሰልፊ ዲሞክራትስ ዝተዓብለለ ባይቶ ዝገብሮ ምፍጣጥ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ እቲ ዝነውሐ ምዕጻው ትካላት መንግስቲ ኣስዒቡ`ዩ።

ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነቲ ምዕጻው ትካላት መንግስቲ ንምኽፋት ጊዜያዊ ስምምዕ`ኳ እንተገበረ እቲ ንመህነጺ መንደቕ ዘድልዮ ገንዘብ እንተዘይተዋሂብዎ ዳግማይ ምዕጻው ትካላት መንግስቲ ክስዕብ ምዃኑ ወይ ድማ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ክእውጅ ምዃኑ ፈኪሩ`ሎ። እቲ ዝተበጽሐ ጊዜያዊ ስምምዕ ዝመፅእ 15 ለካቲት ከብቅዕ`ዩ።

ትራምፕ ሰሉስ ኣብ ዝህቦ ዓመታዊ ሃገራዊ መግለጺ፡ ነዚ ጉዳይ ዶብ ከምዘልዕሎ ትጽቢት ይግበር።

እንታይ`ዩ`ቲ ሓድሽ ነገር?

ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካ 3,750 ተወሰኽቲ ወተሃደራት ናብ ዶብ ሜክሲኮ ክለኣኹ ምዃኖም ኣፍሊጡ፡ ብዙሓት ካብኣቶም ግን ቅያር ናይ`ቶም ኣብ`ቲ ቦታ ተዋፊሮም ዘለዉ ወተሃደራት`ዮም።

እቶም ቀዳሞት ወተሃደራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ`ዮም ኣብ`ቲ ቦታ ተዋፊሮም።

`ተወሰኽቲ ኣሃዱታት ን90 መዓልታት ክዋፈራ`የን። ንተልእኾ ምሕላውን ምውሓስን ደቡባዊ ክፋል ዶብና ዘድሊ ዓይነት ሰራዊት ንምፍላጥ ድማ ቀጻሊ ገምጋማት ክንገብር ኢና` ኢሉ ፔንይታጎን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ።

ስደተኛታት በቲ ናይ ዶብ ሓፁር እናሰገሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዝሓሸ መነባብሮ ዝደለዩ ስደተኛታት ካብ ሜክሲኮ ናብ ኣሜሪካ ይሰግሩ

ተልእኾኦም ድማ `ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም 2019 ተንቀሳቐሲ ምክትታል ምግባርን ኣብ መንጎ መእተዊ ነቑጣታት ኣስታት 150 ማይልስ ዝኸውን ትሪኳላታ ምዝርጋሕ`ዩ` ኢሉ ፔንታጎን ኣብ መግለጺኡ።

ፕረሲደንት ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቶም `ወራር` ክፍጽሙ ብ`ቃፍላይ` ይጓዓዙ`ለዉ ዝበሎም ፍልሰተኛታት ንምግታእ ተወሰኽቲ ወተሃደራት ናብ`ቲ ዶብ ክዋፈሩ ምዃኖ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ብሰንበት ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ድማ `መንደቕ እንተዘይተነዲቑ ውሕስነት የለን` ክብል ኣስሚሩሉ።

ትራምፕ ነቲ ኣብ ዶብ ሜክሲኮ ዘሎ ኩነታት ብተደጋግሚ `ቅልውላው` ብምባል ክገልጾ ጸኒሑ`ሎ። ነቐፍቱ ግን ነቲ ምውፋር ወተሃደራት ኣቓልቦ ንምስሓብ ዝግበር ናይ ርኣዩለይ ስምዑለይ ፖለቲካ`ዩ ይብሉ።

ትራምፕ ግን ናብ ዶብ ሜክሲኮ ወተሃደራት ዘዋፈረ ናይ ፈለማ ኣሜሪካዊ ፕረሲደንት ኣይኮነን። ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ`ውን 1,200 ወተሃደራት ኣባላት ሃገራዊ ሓለዋ ሰዲዶ ነይሩ። ፕረሲደንት ጆርጅ ዳብሊዩ ቡሽ ድማ ብመንገዲ`ቲ ኦፕሬሽን ጃምፕ ስታርት ተባሂሉ ዝፍለጥ ተልእኾ ኣስታት 6,000 ወተሃደራት ኣዋፊሩ ነይሩ።

ኣብ`ቲ ዶብ እንታይ`ዩ ዘጋጥም ዘሎ?

ኣብ መዳጎኒ ዝርከቡ ትሽዓተ ፍልሰተኛታት ናይ መግቢ ምሕሳም ኣድማ ብምግባሮም ብሓይሊ ከምዝበልዑ ተገይሮም ኢሎም፡ ሰብ መዚ ግዝኣት ቴክሳስ ኣብ`ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ።

ሰብ-መዚ ኢሚግሬሽን፡ ነቶም መግቢ ዝተሓሰሙ ሰባት ንምምጋብ ናይ ፕላስቲክ ቱቦታት ተጠቒሞም። ቤተሰብ ናይ`ቶም ሰባት ግን እቲ ዓይነት ኣመጋግባ ኣብ ልዕሊ`ቶም ኣዝማዶም ብርቱዕ መድመይቲ ኣፍንጫን ተምላስን የስዕብ ኣሎ ይብሉ።

እቶም እሱራት ንኩነታት ኣብ ኤል ፓሶ መሳለጢ ማእከል ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰባት ብምቅዋም`ዮም፡ ናይ መግቢ ምሕሳም ኣድማ ገይሮም።

ትካል ኢሚግሬሽንን ጉምሩክን እቲ ብሓይሊ ምምጋብ ብውሳነ ሓደ ናይ ፈደራል ዳኛ`ዩ ተገይሩ ይብል።