ኢትዮ-ጅቡቲ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ዝተወለዐ ተቓውሞ

ካርታ ኢትዮጵያ

ኣብ ክልል ዓፋር ዝተላዕለ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ኣብ ክልሎም ብናፅነት ንምቅስቓስ ስግኣት ይሓድሮም ምህላዎ ብዝገልፁ ተወለድቲ ዝተበገሰ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚዩኒኬሸን ክልል ዓፋር ኣቶ ኣሕመድ ኮለይታ፡ ንተቓውሞ ብዝወፁ መናእሰይ ተዓፅዩ ዝነበረ መስመር ባቡር ኢትዮ-ጂቡቲ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ከም ዝተኸፈተ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ስሙ ክለፅ ዘይደለየ መራሕ መኪና፡ ብስራሕ ምኽንያት ናብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝገበሮ መገሻ፡ ኣብ ሞንጎ ኢሳን ዓፋርን ጎንፂ ከም ዝነበረ፣ መንገድታት ከም ዝተዓፀዉን መኻይን ደው እናበልካ ስርቂ ይፍፀም ከም ዝነበረን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"ብዙሕ ሕቶታት'ዮም ዘልዕሉ ነይሮም። ሓደ ካብቶም ሕቶታት መሬት ዓፋር ንሶማሌ ተዋሂቡ ዝብል'ዩ። ኣብዪ ሂብዎም ይብሉ ነይሮም። ዒሳ ይውፅኡልና፤ ሶማሌ ይውፅኡልና፣ ሰራዊት መንግስቲ ወፂኡ ናይ ክልልና ፍሉይ ሓይሊ ይዋፈር'ዮም ዝብሉ ዝነበሩ" ኢሉ።

ኣብ'ቲ ፍጻመ ዝበዝሑ መንእሰያትን ህፃናትን ምንባሮምን ካብ ውሱናት ወፃኢ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ መኪና ዘብፅሑዎ በደል ከምዘየለን ይዛረብ።

"ሕተኦም ምስ መንግስቲ ፌደራል 'ምበር ምስቲ ዝጓዓዝ ኣይኮነን፡ ንገለ ሽፈራት ማይ'ኳ የቕብሉ ነይሮም" ኢሉ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚዩኒኬሸን ክልል ዓፋር ኣይተ ኣሕመድ ግን ምኽንያት እቲ ጎንፂ ምስ ዒሳ ሶማሌ ዘራኽብ ከም ዘይብሉ ይዛረቡ።

"ኣብ ሰለስተ ቀበሌታት፡ ናይ ዓፋርን ዒሳን ማሕበረሰብ ሓቢሮም ከም ዝነብሩ ዝፍለጥ'ዩ። ኣብቲ ከባቢ ድማ ዘይምርግጋእን ጎንፅታትን እናተፈጠሩ እዮም። ነቲ ጎንፂ ይፈጥሩ ዘለዉ ግን ናይ ዓፋርን ዒሳን ማሕበረሰብ ዘይኮኑስ፡ ዝተወደቡ ዘይሕጋውያን ጉጅለታት ንግዲ ኣለዉ" ኢሎም።

"ካብ ጂቡቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘእቱ ዋና መስመር ድማ በዚ እዩ ዝሓልፍ። ስለዝኾነ ነቲ መስመር ንምፃውን ኣብቲ ከባቢ ዘይምርግጋእ ንምፍጣርን ዝሰርሑ ሓይልታት ዘይሕጋዊ ንግዲ ኣለዉ" ክብሉ እውን ገሊፆም።

እቶም ሓይልታት ሽብራ ይፈጥሩ ከም ዘለዉ ብምሕባር፡ ምስዚ ብዝተሓሓዝ መንእሰያት ዓፋር ንመስመር ባቡር ጂቡቲ ከም ዝዓፀዉ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ፡ ነቲ ዝተፈጠረ ዘይምርግጋእ ናብ ንቡር ንምምላስ መንግስታት ክልልን ፌደራልን ይፅዕሩ ከም ዘለዉ'ውን ገሊፆምልና።

እዞም መናእሰይ መገዲ ባብሩን መኻይንን ክሳብ ምዕፃው ዝበፅሑሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ? ክንብል ንዘቕረብናሎም ሕቶ፡ ሕጋዊ ሕቶ ከምዘለዎም ኣረዲኦም።

"መንእሰያት ዓፋር ካብ ሰመራ ናብ ኣዋሽ፡ ከምኡ'ውን ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምኻድ፡ ካብኡ ድማ ናብዚ ንምምፃእ ነቲ መስመር ከቋርፁ ስለዝግደዱ፡ ናብኡ ክንቀሳቐሱ ከለዉ እቶም ዝተወደቡ ዘይሕጋውያን ነጋዶ ቁፅሪ ሰሌዳ መኻይን እናፈለዩ፡ ንተሳፈርቲ ካብ መኪና ክወርዱ እናገበሩ፡ ዝተፈላለዩ ነገራት ኣብ ምፍጻም ይርከቡ። በዚ ምኽንያት፡ 'ንሕና ኣብ ክልልና ብስግኣት ኢና ንንቀሳቐስ ዘለና፤ ብናፅነት ክንንቀሳቐስ ኣይከኣልናን፤ እዚ ድማ ከቢድ ፀገም ከስዕብ ስለዝኽእል መንግስቲ ፌደራል ቅልጡፍ ፍታሕ ክህበና' ዝብል'ዩ ሕቶ ዝቐርብ ዘሎ" ኢሎም።

ምስቶም ናብ ሰልፊ ዝወፁ መንእሰያት ብዝተገበረ ምርድዳእ እቲ መገዲ ባቡርን ካልኦት መስመራትን ከም ዝተኸፈቱ ዝሓበሩ ኣይተ ኣሕመድ፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ጉዳያት ክልል ኢዱ ይሕውስ ስለዘሎ ይተኣደበልና ዝብል ተቓውሞ ከም ዘስምዑ ኣምሲልካ ዝቐርብ ዘሎ ሓበሬታ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።