ግብጺ ኣብ ጥቓ ካይሮ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝዓበየ ካቴድራል ከፊታ

ዚደንት ዓብደል ፋታሕ ኣልሲሲ ነዚ ዓርሞሽሽ ካቴድራል ብኣካል ተረኺቡ ከትዎ። እዚ ካቴድራል ኣብ ጥቓ ካሮ ዝርከብ ኮይኑ፡ ድሮ መመትኡ ኣብ ጥኡ ምንጃር ምባ ኣጋጢሙ ነይሩ።

መመርቕታ እዚ ብሰንበት ዝተመረቕ ግዙፍ ካቴድራል ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ሓለዋ'ዩ ተኻይዱ።

ኣብ ድሮ መመረቕታ ናይዚ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዝገዘፈ ካቴድራል፡ ሓደ ፖሊስ ኣብ ናሕሲ ጥቓ እዚ ካቴድራል ዝተጻወደ ቦምባ ንምምካን ኣብ ዝፈተነሉ ሂወቱ ከም ዝሓለፈት ጸብጻባት ይሕብሩ።

ካብ መላእ ህዝቢ ግብጺ እቲ ዓሰርተ ሚእታዊት ኦርቶዶክስ ( ኮፕቲክ ) ምኳኖም'ዩ ዝፍለጥ።

ፕረዚደንት ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲ ኣብ መመረቕታ እዚ ግዙፍ ካቴድራል ተረኺቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ኩልና ሓደ ኢና፡ ሓደ ኮይና'ውን ክንቕጽል ኢና" ድሕሪ ምባል፡ ምኽፋት እዚ ካቴድራልን ኣቐዲሙ ዝተኸፈተ መስጊድ ኣልፋታሕ ኣለኣለም መርኣያ ሓድነት ህዝቢ ግብጺ ምኳኑ ሓቢሩ።

ኣብዚ ቀረባ ዝተሃንጸ መስጊድ ኣልፋታሕ ኣልኣለም ዕጽፊ ሰብ ናይዚ ካቴድራለ ክሕዝ ዝኽእል ኮይኑ፡ ክልቲኡ ኣብቲ ካብ ካይሮ ውጽእ ኢልካ ዝርከብ ብሓዲሽ ምምሕዳራዊ መልክዕ ዝህነጽ ዘሎ ኣከባቢ'ዩ ተደኲኑ ዘሎ።