ኣሜሪካዊ ዳህሳሳይ ንበይኑ ብእግሩ ንክፍለ-ዓለም ኣንታርክቲካ ሰጊሩ

ወዲ 33 ዓመት ኣሜሪካዊ ኣብ ደቡባዊ ዋልታ ንዝርከብ ክፍለ ዓለም ኣንታርክቲካ ንበይኑን ብኻልእ ከይተሓገዘን ክቋርጽ ናይ መጀመርታ ሰብ ኮይኑ።

እቲ ዳህሳሳይ፡ ኮሊን ኦብራዳይ፡ ኣብቲ ኣብ በረድ ዝተኻየደ ቅያ ዝመልኦ ውድድር፡ ነቲ መወዳድርቱ ወዲ 49 ዓመት እንግሊዛዊ ካፒታኖ፡ ሉዊስ ሩድ፡ ብምቕዳም ነቲ ጉዕዞ ብ53 መዓልታት ዛዚምዎ።

ክልቲኦም ሰባት ነቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ሂወት እንግሊዛዊ መኮነን-ነበር ዝቐዘፈ ናይ እግሪ ጉዕዞ ብ3 ሕዳር ኢዮም ፈሊሞሞ።

እቲ 1,482 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ናይ እግሪ ጉዕዞ በቲ ኣብ ዓለም ኣዝዩ ዝቖረረ ክፍለ ዓለም ኢዮም ኣካይዶሞ።

ብ20 ታሕሳስ ኣብ መበል 47 መዓልቱ፡ ኣብቲ ነጎዳ ዝመልኦን ኣብ ጠርዚ ናይ እኩብ በረድ ዓስኪርሉ ዝነበረ እዋን ብቴሌፎን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ``ኣዝየ ደኺመን ሃሊኸን ኢየ፡ እንተኾነ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ጽቡቕ ምዕባለታት ኣገብር ኣለኹ`` ኢሉ።

``ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብቲ ኣብ ዓለም ኣዝዩ ዝቖረረ ቦታ ን12-13 ሰዓታት 170 ኪሎ ዝምዘን ዓረቢያ ኢየ ዝጎትት ነይረ።`` ብሰንኪ`ቲ ሃልኪ ድማ ብዙሕ ክብደት ነኪዩ፡ መእሰር ስዓቱ ካብ ኢዱ ስጋብ ባዕላ ትሞልቕ። ከይተኸድነ ነብሱ ንኽርኢ ``ፈሪሑ`` ይርከብ።

ቅድድም ኣብ በረድ

ክልቲኦም ሰባት ቅድሚ ገለ መዓልታት ነቲ ውድድር ምጅማሮም ኣብ ሓንቲ ባር ኣብ ሃገር ቺለ [ደቡብ ኣሜሪካ] ኢዮም ተራኺቦም። ነቲ ጉዕዞኦም ድማ ነንበይኖም ብዝኾነ ሰብ ከይተሓገዙ ነቲ ክፍለ ዓለም ከቋርጹን እቲ ውድድር ድማ ወግዓዊ ክኸውን ተሰማሚዖም።

ድሕረ-ባይታ ናይ ክልቲኦም ሰባት ዝተፈላለየ ክኸውን ከሎ፡ ኮሊን ኣብ 2008 ኣብ ታይላንድ ብሓዊ ድሕሪ ምቅጻሉ፡ ዶክተራት ድሕሪ ደጊም ብንቡር ክትስጉም ኣይትኽእልን ኢኻ ኢሎሞ ነይሮም።

ምስ ሓወየ ግና ኣብ ናይ ጉያ ውድድር ተኻፊሉን፡ ኣብተን ኣብ ዓለም ዝበረኻ ጎቦታት ከይተረፈ ሓዂሩ።

ኣብ ሰሜናውን ደቡባውን ዋልታትን ኣብቲ ዝበረኸ ቦታታት

ኣብ ኩሉ ዘካየዶ ፍጻሜታት፡ ኣብ ኢንስተግራም መተባብዒ ቃላት ክዝርግሕን፡ ነፍሲ ወከፍ ምሸት ድማ ካብ ሓደ ካብቶም ዝስዕብዎ ኣሽሓት ተመሃሮ በታ ሳተላይት ቴሌፎኑ ሕቶታት ይቕበል ነይሩ።

እቲ ኣቦ ሰለስተ ቆልዑ፡ ሉዊስ ሩድ፡ ድማ ነቲ ጉዕዞ ንምድላው ካብ ሰራዊት ዕረፍቲ ውሲዱ።

ሩድ ድሕሪ ናይ ዓርኩን መሳረሕቱን፡ ሄንሪ ዎርስሊ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ቅያ ዝመልኦ ናይ እግሪ ጉዕዞ ምሟት ኢዩ ነቲ ስጉምቲ ክወስድ ዝተተባብዐ።

ሄንሪ ናብታ ናይ መዛዘሚት መስመር ክበጽሕ 30 ማይልስ ምስተረፎ ኢዩ ብሕማም ሞይቱ።

``ነታ ሄንሪ ኣብ ጉዕዝኡ ዝስከማ ዝነበረት ባንዴራ እየ ተሰኪመ ዘለኹ። ንዓይ እዚ ጉዕዞ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ብፍላይ እታ ሄንሪ ዝስከማ ዝነበረት ባንዴራ ነቲ ጉዕዞ ስለዝዛዘመት፡ ኢሉ ሩድ።

ኣንታርክቲካ ኣብ ዓለም እቲ ዝቖረረን ዝበረኸን ዝነቐጸን ክፍለ ዓለም ኢዩ።