ዊንተር ኦሎምፒክስ፡ ኣብ ውድድር ፒዮንግቻንግ 2018 ዝሳተፋ ሃገራት አፍሪቃ እንመን እየን?

ካብ ሎሚ መዓልቲ ዓርቢ ጀሚሩ ኣብ ደቡብ ኮርያ ከተማ ዮንግቻንግ ኣብ ዝካየድ ውድደር ዊንተር ኦሎምፒክ 8 ሃገራት ኣፍሪካ ክወዳደራ እየን።

ኣፍሪቃ ምስቲ መልከዓ ምድራዊ አቀማመጣኣ ተኣሳሲሩ፥ ሙቐት ዝበዝሓ ብምዃና ከም ምንሽርታት (ሸታሕታሕ) በረድ ንዝኣመሰሉ ስፖርትታት 'ዊንተር' ዝኸውን ኩነታት ኣየር የብላን።

ይኹን'ምበር፥ እዚ ከምዘሎ ኾይኑ ኣብዚ ውድድር ዊንተር ኦሎምፒክስ 8 ሃገራት ኣፍሪቃ ማለት'ውን ኤርትራ፥ ናይጀርያ፥ጋና፥ ኬንያ፥ ማዳጋስካር፥ ደቡብ ኣፍሪካ፥ ሞሮኮነን ቶጎን ብተወዳደርተን ክውከላ እየን።

ኣብ ታሪክ ብፍላይ ኤርትራን ናይጀርያን ንመጀመርያ ጊዜ'የን ክሳተፋ።

ብዛዕባ እቶም ኣብዚ ውድድር ዝሳተፉ ኣፍሪቃውያን ኣትሌታት ዘዳለናዮ ውልቀ ታሪኾም እነሆ!