ፈረንሳ፡ ካብ ዳግማዊ ምንሊክ ክሳብ ሕጂ

ዋላ'ኳ ሰፊሕ ሸነኻት ኣፍሪቃ፡ ኣውራ ኸኣ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ግዝኣቶም እንተነበረ፡ ፈረንሳውያን ኣብ ጂቡቲ በጺሖም ክነሶም ንኢትዮጵያ ክገዝኡዋ ኣይደፈሩን።

ሓደ ዓመት ድሕሪ ዉግእ ዓድዋ፡ ፈሊክስ ፍራንስዋ ፎር፡ ናይ ሽዑ ፕረሲደንት ፈረንሳ፡ ምስ ሃጸይ ምንሊክ ዝምድና ንምፍጣር ወኪል መንግስቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝልኣኽ ገበረ።

ኣብቲ እዋን'ቲ ኢትዮጵያ ብመሬት ተረጊጣ ስለ ዝነበረት፡ ፈረንሳውያን ከኣ እቲ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ጂቡቲ ዘእቱ መገዲ ባቡር ብ 1897-1917 ምስ ሰርሑ ኣብ ባሕሪ ዘብጽሕ መገዲ ስለ ዝተፈጥረ ኢትዮጵያ ዓለማ ተኸፍተ።

ዳግማዊ ምንሊክ ብ 1881 መደበሮም ካብ ኣንኮበር ናብ እንጦጦ ድሕሪ ምስግጋር ቀስ ኢሎም ንከተማ ኣዲስ ኣበባ ብ1897 ከም ዝሰረትዋ፤ እንተ ሽዑ ግን ኣዲስ ኣበባ ከም ሓውሲ ወትሃደራዊ መዓስከር'ያ ነይራ።

እቲ ማእከል ዓዲ እንዳ ንጉስ ኰይኑ እቲ ቤተ-መንግስቲ ኸኣ ብገዛውቲ ዓሻክር ንጉስ ተኸቢቡ ነበረ።

እታ ሽዑ ሓውሲ ቁሸት ዝነበረት ኣዲስ ኣበባ መገዲ ባቡር ምስ ኣተዋ ብኡ ንብኡ ክትዓቢ ጀመረት። ማዕረ-ማዕሪኡ ድማ ጽልዋ ፈረንሳ ክብ በለ።

ኣብ ድሬዳዋን ኣዲስ ኣበባን ካፑቺን ሚስዮናውያን ኰኑ፤ መምህራን ኣልያንስ-ፍራንሰ ስርሖም ብጽቡቕ ምስ ተታሓዝዎ ቋንቋ ፈረንሳ ኣስፋሕፍሐ። ጋዜጣታት (መንፈሳዊ ኰኑ ዓለማዊ) ብቋንቋ ፈረንሳ'ውን ኣብ ጂቡቲ፡ ሃረር፡ ድሬዳዋ ክሕተሙ ጀመሩ።

ነዞም ስርሓት'ዚኦም እቲ መገዲ ባቡር ዝሰርሐ ኩባንያ ዘድሊ ሓገዝ ይገብረሎም ስለ ዝነበረ እቶም ብቋንቋ ፈረንሳ ዝተመረቑ ተምሃሮ ድማ ኣብቲ ናይ ባቡር ስርሓት እናተቈጽሩ ኣገልግሎት ይህቡ ነበሩ።

ዳግማይ ዘመን ሃይለስላሴ ምስ ተጀመረ (ካብ ስደት ምስ ተመልሱ) ከምዚ ዓይነት እንካን-ሃባን ስርሓት ስለ ዝዓንበበ፡ ንጉስ ንስርሓት ፈረንሳውያን ኣብ ኢትዮጵያ ንክዓዝዝ መረቕዎ። ዲፕሎማቲካዊ ርክብት ፈረንሳን ኢትዮጵያን እናዓበየ መጽአ።

ናይ ዘመናት ህላወ ፈረንሳ ኣብ ኢትዮጵያ

ብሓጺሩ፡ ህላወ ፈረንሳ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ሃጸይ ምንሊክ ጀሚሩ፡ ዘመን ንግስቲ ዘውዲቱ ርእዩ፡ ቀዳማይ ክፋል ዘመን ንጉስ ሃይለስላሴ ኣሕሊፉ ክሳብ እቲ ብ ጀነራል ባዶልዮ - መራሒ ወረራ ጣልያን - ንኣዲስ ኣበባ ዝኣተወሉ ዘመን ነይሩ'ዩ።

ኣብ ካልኣይ ዉግእ ዓለም ኤምባሲ ፈረንሳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ'ውን ተተንኪፉ'ዩ።

ይዅን'ምበር እንግሊዛውያን ንንጉስ ሃይለ ስላሴ ኣሰንዮም ካብ ስደት ዝተመልስሉ እዋን ጌና ህላወ ፈረንሳ ኣብ ኢትዮጵያ ነይሩ'ዩ።

እምበኣርከስ ፈረንሳውያን ክንድዚ ዝምንውሑ ታሪኽ ኢትዮጵያ፡ ምስ ኩሉ ዉረድ ደይብ ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ'ዮም።

ህዝቢ ኣዲስ ኣበባ ዋላ'ኳ ንሰፈር ኤምባሲ ብ 'ፈረንሳይ ለጋስዮን' ይፍለጥዎ፡ እቲ ኤምባሲ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዝተጻወቶ ተራ ብዙሓት ኣይፈልጥዎን'ዮም ክበሃል ይከኣል።

ንኣብነት፡ ጣልያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወሉ እዋን ማዕረ ክልተ ሺሕ ዝኣኽሉ ሰባት ኣብ ኤምባሲ ፈረንሳ ተዓቚቦም ከም ዝነበሩ፣ ብዘበን መንግስቱ ሃይለማርያም (ደርጊ) በቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዝነበረ ግፍዒ መንግስቲ ፈረንሳ ዓገብ ስለ ዝበለ መብዝሕትኦም ኣባላት ኤምባሲ ተጠሪዞም ከም ዝነበሩ ምጥቃስ ኣገዳሲ'ዩ።

እቶም ኣብ 'ፈረንሳይ ለጋስዮን' ዝበጽሑ መራሕቲ ፈረንሳ፡ ጀነራል ደጎል (1964)፡ ፕረሲደንት ፖምፒዱ (1973)፡ ፕረሲደንት ሳርኮዚ (2011)፡ ከምኡ'ውን ፕረሲደንት ኦላንድ (2013) ክዀኑ እንከሎዉ ምስኦም እቲ ዝምድና እናተሓደሰ'ዩ ክመጽእ ጸኒሑ።

ንድሕሪት ብምምላስ፡ ብ1944 ፈረንሳ እቲ ዝነበራ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ብምሕዳስ ምስ ንጉስ ሃይለስላሴ ሓደስቲ ዉዕላት ድሕሪ ምፍርራም ብ 1948 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሊሰ-ገብረማርያም፡ እቲ ዝዓበየ ህያብ ፈረንሳ (ንኢትዮጵያ) ተሃንጸ። ስራሑ ኸኣ ብግቡእ ጀመረ።

ሊሰ-ገብረማርያም

ሊሰ-ገብረማርያም ጽፉፍን ምዕቡልን ትምህርቲ ካብ መላመዲ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ብቋንቋ ፈረንሳ ንኢትዮጵያውያንን ወጻእተኛታትን ክህብ ካብ ዝጅምረሉ እዋን መበል ሰብዓ ዓመቱ ጸንቢሉ፣ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ተምሃሮ ኸኣ ኣመሪቑ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ድማ ቍጽሪ ተምሃሮ ክሳብ 1,800 ንዓመት ክብ ኢሉ።

እቲ ቤት-ትምህርቲ 'ሊሰ-ገብረማርያም' ዝተባህለሉ ምኽንያት ንክብሪ እቶም ብኣስታት 1875 ዝተወልዱ ብ 1937 ዝሞቱ ዉሩይ ኢትዮጵያዊ (ጉራገታይ) ደጃዝማች ገብረማርያም ጋሪ ኢዩ።

ንሶም ንጃንሆይ ብእምነት ንነዊሕ እዋን ዘገልገሉ በዓል ስልጣን ነበሩ።

ንሊሰ-ገብረማርያም ከም ሓደ መስኮት ጌርና ክንርእዮ ንኽእል - ናብ ፈረንሳ ገጹ ዝጥምት መስኮት።

መንግስቲ ፈረንሳ ንወጻኢታት ሊሰ-ገብረማርያም ንምሽፋን ክሳብ ኣርባዕተ ሚልዮን ዩሮ (€4,000) ንዓመት የጥፍእ።

እቲ ስርዓተ ትምህርቲ ኣምሓርኛን እንግሊዘኛን ዝሕውስ'ኳ እንተዀነ፡ እቲ ዓውደ ትምህርቲ ብቋንቋ ፈረንሳ ዀይኑ፡ ባህሊ፡ ስነ-ጥበብ፡ ሊተራቱራ፡ ማሕበራዊ ዀነ ፖለቲካዊ ህይወት ፈረንሳ ...ወዘተ ዘጠቓልል'ዩ።

ብኻልእ ሸነኹ ድማ እቲ ቤት-ትምህርቲ ንከም በዓል ፕረሲደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ዘፍረየ ቤት ትምህርቲ'ዩ ምስ እንብል ንኣድማዕነት ሊሰ ብቑዕ ሓበሬታ ይኸውን ማለት'ዩ።

'ስኩዎላ' ጥልያን ኣብ ኤርትራኸ

ብዛዕባ ትምህርት ፈረንሳ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ጠቐስና ኣብ ኤርትራ ትምህርቲ ጥልያን ከመይ ይመስል ነይሩ ኢልና ክንሓስብ ንቕሰብ። ጥልያን ከም ዉጹኣት ገዛእቲ መጠን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ ዝነበሮም ኣተሓሕዛ ፍሉይ ኢዩ ነይሩ።

ብመጀመርያ ኣይኰነንዶ ኣብ ኣስመራ ኣብ ፈቐድኡ ዝሃነጽዎም ኣብያተ ትምህርቲ ነይሮም፣ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተምሃሮ (ጠላይን፡ ሓናፍጽ ኰኑ ደቀባት) ተሓዋዊሶም ይምሃሩ'ኳ እንተነበሩ ደቀባት ብእዋን መግዝእቲ ደረታት ነይሩዎም።

ደረታት ይንበሩ'ምበር እቶም ብእዋን መግዛእቲ ንክምሃሩ ዕድል ዝረኸቡ ኤርትራውያን ነቲ ቋንቋ ብደንቢ ስለ ዝተታሓሐዝዎ ጣልያንኛ ዳርጋ ሊንግዋ-ፍራንካ ከተመኛታት ኢዩ ነይሩ።

እቶም ሽዑ ዝነበሩ ኣብያተ ትምህርቲ ናብ እዋን ፈደረሽንን ሕብረትን ዳርጋ ከም ዘሎዎም ስለ ዝተሰጋገሩ ትምህርቲ ጣልያን ጌና ዕሙር ነበረ።

ኣብ ኣስመራ ጥራይ ሳንታ-ፋሚልያ፡ ቪቶርዮ ፖቴጎ፡ ሊቸዮ ፈርዲናንዶ ማርቲኒ፡ ሳንታ ኣና፡ ስኩዎላ ታልየቲ (ገዛባንዳ)፡ ሚከላንጀሎ ብዎናሮቲ ... ወዘተ እናበልና ክንፈቅድ ይከኣል።

መብዝሕትኦም ምስ ሃይማኖት ካቶሊኽን ባህልታት ጥልያንን ተኣሳሲሮም ነቶም ቈላዑ 'ሓበሻ' ናብ ቈላዑ ጥልያን ዝልውጡ ስርዓተ ትምህርቲ ነበሮም። እኳድኣ "ኣሕዋት ጥልያን" (Fratelli d'Italia) ዝበሃል ሃገራዊ መዝሙር ጥልያን እናዘመሩ'ዮም ዝዓብዩ ነይሮም።

ስለዚ ትምህርቲ ጥልያን ኣብ ኤርትራ፡ ከየዕሞቕና፡ ምስ ትምህርቲ ፈረንሳ ኣብ ኢትዮጵያ ብዅሉ ሸነኹ ጨሪሱ ኣይመጣጠንን ነይሩ ክበሃል ይከኣል። እዚ ኸኣ ኣብ ኤርትራ ናይ ባዕዳዊ መግዛእቲ ትምህርቲ ምዃኑ ስለ ዘይተረፎ።

መስኮተ ሊሰ ገብረማርያም

ሓደ ካብ'ቶም ቀስ እናበሉ ዝዓበዩ ስርዓተ ትምህርቲ ሊሰ-ገብረማርያም ብሕብረተ-ሰብ ፈረንሳ ኣፍልጦ ምቕሳም'ዩ - እቶም ተመሃሮ ህዝባውያን ትካላት ፈረንሳ፡ መነባብሮ ህዝቢ፡ ቅርጺ ፖለቲካ ፈረንሳ ከመይ ከም ዝመስል እንተ ኣብ ቤት ትምህርቲ ክመሃርዎ፡ እንተ ስነ-ጽሑፋት ፈረንሳ ብምንባብ፡ እንተ መራኸብ ብዙሃን ብምጥቃም ንዅሉ ቆብ ንኸብልዎ ኣይሽገሩን።

ንኣብነት፡ ኢማኑወል ማክሮን መን ምዃኖም፣ በየናይ ኣገባብ ኣብ ስልጣን ከም ዝመጽኡ፣ ነየናይ ሰልፊ ከም ዝውክሉ፡ ስልጣኖምን ገደባት ስልጣኖምን ከመይ ይመስል ... ዝኣመሰሉ ሕቶታት ንኸስተውዕልሉ ኣይሽገሩን።

ብተወሳኺ እዞም ሎምቅነ ኣብ ፈረንሳ ዝካየዱ ዘሎዉ ናዕብታት - ብወሰኽ ክብሪ ነዳዲ ዝጀመሩ - ብዕምቈት ንኽትንትንዎ ይኽእሉ።

ንምዃኑ ቅርጺ ፈረንሳ ከመይ ይመስል?

ፕረሲደንት ማክሮን ብ 2017 ዝተመርጹ 40 ዝዕድሚኦም ናይ ፈረንሳ ፕረሲደንት'ዮም።

ብሪጂት ማክሮን፡ በዓልቲ ቤቶም፡ ዕድሚኤን 65 ኰይኑ ንሰብኣየን ኣብ ላ-ፕሮቪደንስ ዝበሃል ካልኣይ ደረጃ መምህሮም'የን ነይረን።

ሃገረ ፈረንሳ ሪፓብሊክ፡ ብጽኑዕ ቅዋም እትመሓደር ሃገር ኰይና ኵሎም መንግስታውያን ትካላት ብቅዋም መሰረት ዝተሃንጹ'ዮም።

ፖለቲካዊ ኣርከና ፈረንሳ ድማ ብኸምዚ ዝኣመሰሉ ኣካላት'ዩ ተደራጅዩ ፕረሲደንት / ሓጋጊ ኣካል / ሃገራዊ ባይቶ / ሰኔት / ሰልፍታት / ቤት ፈራዶ።

ፕረሲደንት ማክሮን፡ መራሕ መንግስትን መራሕ ሓጋጊ ኣካል ብምዃን እቶም ዝለዓለ ስልጣን ዘሎዎም መራሒ'ዮም።

ካብ ናይ ፕረሲደንት ማክሮን ዝልዕል ስልጣን ዘሎዎም መራሕ መንግስቲ ኣብ ኤውሮጳ ኣይርከብን።

ንሶም ንሓሙሽተ ዓመት'ዮም ተመሪጾም። ካብ ክልተ ፕረሲደንታዊ-ወቕትታት ንልዕሊ ኸኣ ኣብ ስልጣን ክጸንሑ እቲ ሕገ-መንግስቲ ኣየፍቅድን።

ንምዃኑ ምርጫ ፕረሲደንት ከመይ ይመስል? ኵሎም ተወዳደርቲ ንምርጫ ይቐርቡ'ሞ እቶም ዝለዓለ ድምጺ ዝረኸቡ ክልተ ሕጹያት ኣብ ክልተ ሰሙኑ ኣብ ካልኣይ ዙርያ ምርጫ ይቐርቡ።

ካብ'ቶም ክልተ ሕጹያት ዝሰዓረ ድማ ፕረሲደንት ፈረንሳ ዀይኑ የገልግል።

ሓደካብ'ቶም ዓበይቲ ሓላፍነታት ፕረሲደንት ንቀዳማይ ሚኒስተር ናይቲ ሃገር ምምራጽ'ዩ።

ሓቢሮም ድማ ንካቢኔ ሚኒስተራቶም ይመርጹ። እቲ ካቢኔ ብቀድማይ ሚኒስተር'ኳ ይመሓደር ኣብ ሰሙናዊ ኣኼባታቶም ብፕረሲደንት'ዩ ዝምራሕ።

እቶም ሚኒስተራት ፖሊሲታት ናይ ምሕንጻጽን ሓደስቲ ሕግታት ኣጽፊፎም ኣብ ፓርላማ የቕርቡ። እቲ ካቢኔ መብዝሕትኦም ኣጀንዳታት ፓርላማ ናይ ምቕራብ ተራ ይጻወት።

እቲ ፓርላማ ብኽልተ ቤት-ምኽርታት - ታሕታይን ላዕላይን - ኢዩ ቈይሙ።

እቲ ታሕታይ ብሃገራዊ ባይቶ'ዩ ዚፍለጥ፣ እቲ ዝሓየለ ቤት-ምኽሪ ኰይኑ ድማ ኣባላቱ ብህዝቢ'ዮም ዝምረጹ። እቶም ኣባላት ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ምርጫ ፕረሲደንት ብኽልተ ዙርያ ምርጫታት ኢዮም ዝምረጹ። ቍጽሮም ክሳብ 577 ይበጽሕ።

እንተ እቶም ኣባላት ላዕላይ ቤት-ምኽሪ ሰኔት ብህዝቢ ኣይምረጹን'ዮም፣ ብተዘዋዋሪ ኣገባብ ወይከኣ ብዝተመርጹ ሰበ-ስልጣናት'ዮም ንሽድሽተ ዓመታት ዝምረጹ። ቍጽሪ ኣባላቶም ድማ ዳርጋ 384 ይበጽሕ።

ሰልፍታት ፈረንሳ ክሳብ ቀረባ እዋን ኣብ ጸጋምን የማንን ዝንባሌታት ዘሎወን ሰልፍታት ተባሂለን ይፍለጣ ነይረን።

ድሓር ግን ዝንባሌ ኣንጻር-ስደተኛታት ዘለዎ ሳልሳይ ሰልፊ ማዕበለ። ጸኒሑ ድማ እዚ ሕጂ ኣብ ስልጣን መጺኡ ዘሎ ናይ ኢማኑወል ማክሮን ሰልፊ (ሪፓብሊክ ንቕድሚት) ከም ራብዓይ ሰልፊ ጸብለል በለ። ካልኦት ብርክት ዝበሉ ሰልፍታት ሃልዮም ምስ'ዞም ኣርባዕተ እንተ ብልፍንቲ ወይ ደገፍ ብምሃብ ይዓስሉ።

ቤት-ፍርድታት ርእሱ ዝኸኣለን ናጻ ካብ መንግስትን ፓርላማን ኰይኑ ዓቢ ተራ'ዩ ኣብ ህይወት ፈረንሳውያን ዝጻወት። ፈረንሳ ሲቪላዊ ሕጋዊ ስርዓት እያ ትጥቀም።

ፈራዶ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዀይኖም፡ ሕግታት ቤት-ፍርዲ ከተግብሩ'ምበር ክነድፉ ከቶ ኣይክእሉን። እቶም ላዕለዎት ጕጅለ ፈራዶ ብፕረሲደንት'ዮም ዝምረጹ።

ናይ 'ከብዲ-ዓዲ' መንግስቲ (local government) ዝበሃል ሓያል ፖለቲካዊ ቅርጺ'ውን ኣሎ።

እዚ ካብ ኮማዊ፡ እቲ ዝነኣሰ ክፍለ-መንግስቲ ጀሚሩ፡ ብናቱ ከንቲባን ቤት-መዘጋጃን (ሙኒቺፕዮ) ዝካየድ ኣካል ኰይኑ ናይ ባዕሉ ቍጠባውን ማሕበራውን ባህላውን ምሕደራታት ዘሎዎ ኣካል'ዩ።

እቲ ሓፈሻዊ ስእለ-መንግስቲ ፈረንሳ ከምዚ ይመስል።

ናብ ምዕራባውያን ሃገራት ዘርኢ መሳዅቲ ከፊትና ኣካይድኦም ክንዕዘቦምን ስርዓተ መንግስቶም ክንፈልጦን ኣገድሲ ዝዀነሉ ምኽንያት ምስ ኣካይዳናን ስርዓተ-መንግስትናን ንምንጽጻር ስለ ዘኽእለና'ዩ።