ደሃይ 29 ፡ ኣብዚ ዓዲ፣ ሰብ ሰብ ስለዝኾነ ጥራሕ ዓብዪ ክብሪ ኣለዎ

ለሚ ተክለ ይበሃል። ኣምየን ኣብ እትብሃል ከተማ ፈረንሳይ እየ ዝነብር።

ኣብ ኬኒያ ናይ ቐዳማይ ዲግሪ ትምህርተይ ወዲአ፡ ካልኣይ ዲግሪ ቐዳማይ ዓመት ትምህርተይ ምስ ወዳእኹ ሓደ ጸገም ስለዝገጠመኒ ናብ ኢትኦጵያ ክምለስ ተገዲደ ነይረ።

እንተኾነ ግና፤ ዝሓስቦም ነገራት ክሰርሕ ብዘይምኽኣለይ ናብ ናይሮቢ ተመሊሰ።

እቲ ዝነበርኩሉ ኩነታት ኣጸጋምን ዝተሓላለኸን ስለዝነበረ ክስደድ ተገዲደ።

ካብ አፍሪካ ናብ አውሮፓ

ካብ ኬንያ ናብ ኡጋንዳ ካብኡ ድማ ብደቡብን ሰሜንን ሱዳን ገይረ በረኻ ሰሃራ ኣቋሪጸ ግብጺ ኣትየ።

ኣብ ካይሮ ቑሩብ ምስ ጸናሕኹ ብባሕሪ ሜድትራንያን ኣቢለ ናብ ጥልያን ክኣቱ ወሲነ።

እቲ ጉዕዞ ኣጸጋምን ዘስግእን ስለዝኾነ ከቢድ ዉሳነ ከምዝወሰንኩ ይፈልጥ ነይረ። እንተኾነ ግና እቲ ጉዕዞ ክቕጽሎ ግድን ነይሩ።

ኽልተ ሰሙን ኣብ ባሕሪ ስለዝጸናሕና እቲ ዝመረጽኹዎ ጉዕዞ ክንደየናይ ዘፍርሕ ከምዝኾነ እናበርሀለይ መጺኡ።

ቐስ ብቐስ ኣብ ወሰን ጥልያን ኣብ ቑጽጽር ፖሊስ ኣቲና። ድሕሪኡ ግና እግረይ ናብ ፈረንሳይ ኣቕኒዑ።

ፈተና ባሕሪ

ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ብርክት ዝበሉ ጸጋመት'ዮም ዘጋጥሙ። ሰኣኖ ማይን መግብን፣ ምብልሻዉ ሞተር መርከብ፣ ኣንፈት ጉዕዞካ ብምኽንያት ንፋስ ምዝባዕን ካልኦትን የጋጥሙና ነይሮም።

እቲ ብጣዕሚ ዘሕዝን፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን መሓዙትና ሒዙ ዝነበረት መርከብ ኣበይ ከምዝኣተወት ከይተፈለጠ ጠፊኣ ተሪፋ'ያ።

እታ መርከብ ሰሚጣ ወይ ኩላሊት ብዝሰርቁ ሰባት ተጨዉኣ ይኸዉን ዝብል ግምት ኣለና።

እዚ እንትሓስብ ይጉሂ።

ዕብየትን ስልጣነን እዛ ሃገር ከምዘሎ ኾይኑ ኣብ ሞንጎ ፈረንሳይን ኢትዮጵያን ዘሎ ኣፈላላይ ሓለዋን ተግባራዉነትን ሰላም፣ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን'ዩ።

ኣብዚ ሰብ፡ ሰብ ስለዝኮነ ጥራሕ ዓብዪ ክብሪ ኣለዎ። ዝብህጎ ሓሳብ ንክገልጽ ዝዓግቶ ነገር የለን።

ናብዚ ሃገር ካብ ዝመጽእ ናብዚ፡ ፒሳ ክምገብ ደስ ይብለኒ።

ካብ ዝኾነ ነገር ንላዕሊ ሃገርኻ ተናፋቂ'ዩ፤ ብፍላይ ከኣ እቲ ማሕበራዊ ናብራ።

ከተማ ኣምየን ጥንታዊት ከተማ ስለዝኾነት ብዙሓት ይፈልጡዋ'ዮም።

ብፍላይ ካቶሊካዊ ካቴድራል ጎቲክ እታ ከተማ ቀልቢ ብዙሓት'ዩ ዝስሕብ።

ካብዚ ሓሊፉ እታ ከተማ ንታ ሃገር ብዝተዋግኡ ጥንታዉያን ሓርበኛታት ዝተደኮነት ከተማ'ያ።

ኣብዚ ከተማ ዘላ ካቶሊካዊት ካቴድራል 3000 ዓመታት ከምዘቑጸረት ይዝረብ።

ኣነ እግዝኣብሄር ረዲኡኒ ጽቡቕ ኣለኹ። ሓምለወይቲ ፈረንሳይ ዝዓበኹሉ ምዕራብ ወለጋ'ዩ ዘዘክረኒ። ሓደ እዋን ናብ ሃገረይ ዝምለሰሉ ኣጋጣሚ እንተዝፍጠርሞ ዓርሰይ ኣብ ሞንጎ ስድራይን መተዓብይተይን ክረኽቦ እምነ።