ፕሬዝደንት ፈረንሳ፡ ኤውሮጳ ክትሐብር ኣለዋ ይብል

ፕረሲደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ መንጎ ሃገሩን ጀርመንን ጥቡቕ ዝምድና ክህሉ ብምጽዋዕ፡ ኤውሮጳ `ዓለም ኣብ ሕንፍሽፍሽ ከይትኣቱ ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ኣለዋ` ኢሉ።

ማክሮን፡ ኣብ ዓመታዊ ዝኽሪ ግዳያት ዂናት ጀርመን ንምስታፍ በርሊን ዝኣተወ ኾይኑ፡ ኣብ ባይቶ ጀርመን ቀሪቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኤውሮጳ `መጻወቲ [ባምቡላ] ልዕለ-ሓያላን ክትከውን የብላን` ክብል ተዛሪቡ። ማክሮን።

ንሱ ሓንቲ ዝተዋሃሃደ በጀት ዘለዋ ኤውሮጳዊ ሕብረት ክትህሉ`ዩ ዝደሊ። ሓደ ኣውሮጳዊ ሰራዊት ክምስረት ድማ ደገፍ ናይ ጀርመን ይደሊ።

ህላወ ከምኡ ዓይነት ሰራዊት ንምርኮሳ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ኣሜሪካ ክቕንስ ይኽእል`ዩ ኢሉ። ኣብ ዓበይቲ ትካላት ኢንተርነት ድማ ሓዲሽ ቀረጽ ክተኣታቶ ጠሊቡ።

መራሒት ጀርመን ኣንገላ መርከል ንገለ ካብቶም ሓሳባት ናይ ማክሮን ግዝያዊ ደገፋ ሂባ`ላ። ገለ ካብቶም ሓሳባት ናይ ማክሮን ግን ኣብ ጀርመን ኣካታዕቲ`ዮም።

`ሓቀኛ ሓይልና ኣብ ሕብረትና`ዩ ዝምርኮስ`

ፕረሲደንት ማክሮን ብዛዕባ `ተዘክሮ ዘይብሎም` ሃገራውያን ሓይልታት ድሕሪ ምዝራብ፡ ኣብ`ዛ ዘይተተኣማምን ዓለም፡ ገስገስቲ ሓይልታት ክሓብሩ ተማሕጺኑ።

`ከሰናኽሉና ዝደልዩ፡ ኣብ ህዝባዊ ምይይጣትና ኢዶም ዘእትዉ፡ ንነጻ ደሞክራሲታትና ዘጥቅዑን ነንሕድሕድና ከናቑትና ዝደልዩን ብዙሓት ሓይልታት ኣለዉ` ኢሉ ንሱ።

`ዓቲብና ክንሕዞ ኣብ ዘለና እዋናዊ ናይ ዓለምና ውዳበ፡ እቲ ሓቀኛ ሓይልና ኣብ ውህደትና`ዩ ዝምርኮስ` ድማ ኢሉ።

ፕረሲደንት ማክሮን ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ እዋን ዝኽሪ ምዝዛም ቀዳማይ ኲናት ዓለም ሃገራውነት `ጥልመት ሓርበኝነት`ዩ` ኢሉ ዘስምዖ ዘተመሳሳሊ መደረ ንፕረሲደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብመንገዲ ትዊተር ዘለፋ ዝበዝሖ ጽሑፍ ክጽሕፍ ቀሲብዎ`ዩ።

ውህደት `ዘርዕድ` ክኸውን ይኽእል`ዩ፡ ሃገራት ገንዘበን ዘወሃህዳሉን ብሓባር ዝውስናሉን`ውን ክኸውን ይኽእል`ዩ፡ እንተኾነ ግን `ንበይንኻ ተሓጺርካን ተዓኒድካን ምንባርዶ`ደኣ ይሓይሽ?` ኢሉ ድማ ሓቲቱ።

ድሕሪ`ቲ ናይ ማክሮን መደረ፡ መራሕቲ ፈረንሳይን ጀርመንን ተራኺቦም ተዘራሪቦም፡ ፍልሰት፣ ኣብ ጉዳያት ምትሕግጋዝን ኣብ ምክልኻልን ኣብ ዲጂታል ትካላት ናይ ቀረጽ ምትዕርራይ ምግባርን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ክዝትዩ ድማ ትጽቢት ይግበረሎም።

ፈረንሳይን ጀርመንን ምምስራት ዝተወሰነ ሓባራዊ ባጀት ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ሰኑይ ብወግዒ ከፍልጣ ድማ ትጽቢት ይግበረለን።

`ምሕዝነትን ምትሕግጋዝን ጀርመንን ፈረንሳይን ክሳብ ክንደይ መሳጢ ከምዝኾነን ኣብ ኤውሮጳዝጻወቶ ተራን ኣነጺርካ ገሊጽካ`ኢላቶ መርከል ንማክሮን።

`ኣብ መስቀለኛ መንገዲ ኢና ዘለና ኢልካ፡ ኣረኣእያይ`ውን ከምኡ`ዩ` እቶም ድሕሪ`ቲ ኲናት [ቀዳማይ ኲናት ዓለም] ዝተወለድና እቶም ዝተማሃርናዮም ምህሮታት [ናይ ምስትምሃር] ሓላፍነት ኣለና` ኢላ መርከል።

እታ ንጀርመን ን13 ዓመታት ዝመርሀት መርከል ኣብ 2021 መዝነታ ከምትለቅቕ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ኣፍሊጣ ነይራ።

መርከል እቲ ተሪፍዋ ዘሎ ኣብ 2021 ዘብቅዕ ናይ ስልጣን ዘመና ክትውድኦ ሓሳብ ኣለዋ።

ገለ ወሃብቲ ርእይቶ ግን፡ ኣብ ውሽጢ ውድባ ወይ ኣብ`ቲ ንሳ ዝመስረተቶ ናይ ጥምረት መንግስቲ ብዘሎ ውሽጣዊ ምጉንፋጥ መዝነታ ክትለቅቕ ክትግደድ ትኽእል`ያ ይብሉ።