እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሞሮኮ ካብ ኣፍሪቃ እቲ ዝቐልጠፈ ባቡር ኣመሪቓ
ሞሮኮ ካብ ኣፍሪቃ ቅልጡፍ ዝኾነ ባቡር ኣመሪቓ፤ እቲ ባቡር ማእኸል ንግዲ ካብ ዝኾነት ካዛብላንካ፡ ማእኸል ኢንዱስትሪ ናብ ዝኾነት ታንጌር ንምኻድ ዝወስድ ግዘ ብፍርቂ ዝንክይ እዩ።
ኣብ ስነስርዓት እቲ ምረቓ፡ ሻድሻይ ንጉስ ሞሮኮ መሓመድን ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮንን ካብ ከተማ ታንጊያር ናብ ርእሰ ከተመና ራባት ተጓዓዚዞም።
እዚ ሓድሽ ቁልጡፍ ባቡር ኣብ ሰዓት 320 ኪሎሜትር ወይ ድማ 198 ማይል ክጓዓዝ ትፅቢት ይግበረሉ።
እዚ ድማ ቅድሚ ሕዚ ካብ ካዛብላንካ ናብ ታንጊር ንምኻድ ኣብ ሰዓት 200 ኪሎሜተር ይወስድ ዝነበረ ናህሪ ብፍርቂ ነክይዎ ኣሎ።
ሓድሽ ባቡር ሞሮኮ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ርእሰ ከተማ ጁሃንስበርግ ካብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ኦሊቨር ታምቦ ናብ ማእኸል ንግዲ እታ ከተማ ሳንተን ንዝጓዓዝ ቅልጡፍ ባቡር ብዕፅፊ ይበልፆ።
እዚ ባቡር 22 ነጥቢ 9 ቢልየን ድርሃም ማለት እውን 2 ነጥቢ 4 ቢልየን ዶላር ከምዝወድአ መንግስቲ ሞሮኮ ኣፍሊጡ።