ኣሜሪካ፡ ዝተቐደሳ ደናግል፡ 'ንክርስቶስ'የ ተመርዒየ'

ምንጪ ስእሊ, Today’s Catholic/Joe Romie
ጄሲካ ሃይስ፡ ንገዛእ ርእሳ ናይ መርዓ ቬሎን ቐለበትን ዓዲጋ።
ብቤተ-ክርስቲያን ኣብ ዝፍጸም ስነ ስርዓት መርዓ ድማ ኣብ ቅድሚ ካህን ምስ ቀረበት ኣብ ጎና መርዓዊ ኣይነበረን።
ንሳ፡ ንእየሱስ ክርስቶስ'የ ዝምርዖ ትብል።
ጓል 41 ድንግል ሃይስ፡ ክብረ ንጽህንኣ ዝሓለወት ጓል ኣንስተይቲ ኮይና፡ ኣብ ውሽጢ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ርእሰን መርዑት እግዚኣብሄር ኮይነን ከገልግላ ካብ ዝደልያ ደናግል ሓንቲ'ያ።
ቅድሚ 50 ዓመት ድንግልና ብወግዒ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ስለ ዝተኸልከለ፡ ኣብ ውሽጢ ካቶሊክ ህይወተን ንኣገልግሎት ዘወፈያ ደናግል ዉሑዳት'የን።
ኣብዚ ስነ ስርዓት መርዓ፡ ጻዕዳ ክዳን መርዓት ለቢሳ ዝመጽአት ጄሲካ፡ ቐለበት ኣሲራ፤ ካብ ጾታዊ ፍቕራዊ ምሕዝነት ተቐጢባ ክትነብር ድማ ቃል ኣትያ።
"ተመርዒኺ ማለት ድዩ? ተባሂለ ተሓቲተ'የ" እትብል ሃየስ፡ "ብሓጺሩ ሙሉእ ቓለይ ንክርስቶስ ብምሃብ'የ ኣብ ዓለም ዝነብር ኢለ'የ ዝምልስ" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Joe Romie
ንሳ፡ ኣብ ኣሜሪካ ካብ ዘለዋ 245 "መርዑት ክርስቶስ" ሓንቲ'ያ ይብል ማሕበር ደናግል ኣሜሪካ።
ኣብ 2015 ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ዓለም ከባቢ 4 ሽሕ ካቶሊካውያን ደናግል ከም ዘለዋ ይሕበር።
እዘን ደናግል፡ ከም መነኮሳት ካብ ሕብረተሰብ ተገሊለን ፍሉይ ከዳን ተኸዲነን ዘይኮነ ዝነብራ፡ ዓለማዊ ናብራ ብምምራሕ፡ ስራሕ ሒዘን ርእሰን ይመርሓ።
"ን18 ዓመታት መምህር ነይረ፤ ይምህር'ውን ኣለኹ ''ትብል ኣብ ኣሜሪካ ኢንዲያና እትነብር ሃየስ።

ምንጪ ስእሊ, Today's Catholic/Joe Romie
ናብ ስራሕ ኣብ ዘይትወፍረሉ መዓልቲ፡ ግዚኣ ብሙሉኡ ኣብ ንስሓን ጸሎትን ተሕልፎ።
ቅድም ኢሉ ዕርክነት'ኳ እንተነበራ፡ ምልእቲ ሰብ ኮይና ከም ዘይተሰመዓ'ውን ትዛረብ።
"ድልየት ኩሉ ሰብኣዊ ፍጡር ዝኾነ ናይ ሓዳር ህይወት ክህልወኒ'ዩ ብምባል፡ ብፍቕራዊ ርክብ ይቋጸር ነይረ፤ ኩሎም ግን ናይ ክርስቶስ ኣመንቲ ኣይነበሩን" ትብል።
ኣብ 2013 ድማ እቲ ሕጂ ዘለዋ ህይወት ክትመርሕ ወሲና፤ እቲ ናይ ቕድስና ድማ ድሕሪ ክልተ ዓመት (ጓል 36 ዓመት እንከላ) ተፈጺሙ።
"ፈጣሪ ሕጹይካ ምግባር ካብ ኩሉ ዝተፈለየ'ዩ። ከም መሓዛኻ ክትሓስቦ ትኽእል፡ ሕጹይካ ክኽወን እንከሎ ግን ኣዝዩ ይፍለ"።
ዓለማዊ ህይወት ኣብ ውሽጢ ዝመርሕ ማሕበረሰብ፡ ንደናግል ኣብ ዝፍትኑ ጾታዊ ምልዕዓላት ኮይንካ ግን፡ ንዘልኣለም ኣካለዊ ርክባት ምርሓቕ ብከመይ ይከኣል?
"እቲ ዝኸበደ ነገር ምርጫና ባህላዊ ተገይሩ ስለ ዝውሰድ፡ ሰባት ብግጉይ መገዲ ክርድኡኻ ከለው'ዩ" ትብል ሃየስ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







