ምስ ሰባት ዘለና ርክብ ዘማዕርጉ 9 ሚስጢራት

መጻምዲ

ጽቡቕ ምሕዝነት ኾነ ሓዳር፣ ናይ ስራሕ ይኹን ፍቕሪ፣ ምስ ሰባት እንምስርቶ ርክብ ኣብ ህይወትና ጠቓሚ'ዩ። እዚ ማለት ግን ካብ ፈተናታትን ብድሆታትን ናጻ ዝኾነ ምሕዝነት ምምስራት ዝከኣል ኣይኮነን።

እሞ'ኸ፡ ምስ ዝኾነ ሰብ እንምስርቶ ርክብ መቐረት ክህልዎ ዝሕግዙ ሚስጢራት እንታይ'ዮም?

1. ጎንጺ እንትፍጠር ዘይምስንባድ

ጎንጽታት እነተኣናግደሉ፡ መገዲ ወሳኒ'ዩ። ዝተፈላለዩ ሓሳባትን ባህግታትን ኩሉ ግዘ ናብ ጎንጺ ከምርሑ ይኽእሉ'ዮም።

ምስ ሰባት ብዘለና ርክብ ዝፍጠር ጎንጺ ግና ሕማቕ ኣይኮነን። ምሕዝነት ዝጥንክር ኣብ ዝህሉ ኣፈላላይ ስለዝኾነ፡ ጎንጺ መሰረት ጥኩር ምሕዝነት ክኸዉን ይኽእል'ዩ።

ኾይኑ ግና፡ ብቐሊሉ ንምፍታሕ እቲ ካልኣይ ወገን ዝስመዖ ነገር ንምርዳእ ምፍታን፣ እንተጥፊእኻ ድማ ሓላፍነት ንምዉሳድ ቅሩብነት ክህሉ ኣለዎ ትብል ኪኢላ ሕክምና መጻምዲ ኢስተር ፔረል።

"ኹሉ ግዘ፡ ሰብ እንታይ'ዩ ኣጥፊኡ ዘይኮነስ፡ ኣነ እንታይ በዲለ ኢልና ክንሓትት ኣለና። እንታይ ክመሓየሽ ኣለዎ ምባል'ዉን ኣገዳሲ'ዩ" ትብል።

2. ብገዛእ ርእስኻ ምትእምማን

መብዛሕትኡ ግዘ፡ ቀልጢፍና ምሕዝነት ንጅምር'ሞ፡ ኣብ ከይዲ ዓርስና ዝሰኣንናዮ ክመስለና ይኽእል። ይኩን'ምበር፡ ንርእስኻ ግዘ ምሃብ፤ ነቲ ኻልእ ሰብ ድማ ናይ ባዕሉ ግዘ ምሃብ ጠቓሚ'ዩ።

ብዝተኽኣለ መጠን፡ ዘዛንየኩምን እትፈትዉዎን ዓርኪ ንዘይምግዳፍ ፈትኑ።

3. ብሓባር ምዝናይ

ኣብ ዝኾነ እዋን፡ ሓቢርኻ እተሕልፎ ግዘ ዘይዝንጋዕን ተዘክሮ ዝገድፈልካን ንክኸዉን ጻዕሪ ምግባር ኣድላዪ'ዩ።

ምስ መሓዛኻ እትራኸበሉ ግዘ ኣቐዲምኻ ምዉሳንን ቆጸራ ምሓዝን'ዉን ክዝንጋዕ የብሉን።

4. ብግልጺ ምዝርራብ

ብጣዕሚ ንኡሽቶ ብዝበሃል ዘይምርድዳእ ተባኢስኩም ትፈልጡ'ዶ?

ሓሳብካ ብግልጽን ቀሊል ብዝኾነ መገድን ምግላጽ፡ ኣብ ከይዲ ንዘጋጥም ዘይምርድዳእን ጎንጽን ይንኪ'ዩ።

ክልተ መሓዙት ኣብ ወግዒ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

5. ተጸባዪ ዘይምዃን

እዚ ነጥቢ ብፍላይ ንፍቕረኛታት ጠቓሚ'ዩ። ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ናይ ፍቕሪ መሓዛና ወይ'ዉን መጻምድና፡ ጽልዋ ክነሕድር ንኽእል ኢና።

ኩል ግዘ፡ ኣፍቃሪና፡ ስምዒትና ዝርድኡ፣ ዓርሰ ምትእምማን ዘለዎም፣ ናይ ገንዘብ ጸገም ዘይብሎም፣ ጸወታ ዝፈትዉ....ክኾኑ ትጽቢት ንገብር።

ካብዚኦም እቲ ሓደ እንትጎድል ግና፡ እቲ ዝነበረና ርክብ ኣብ ሕቶ ምልክት ይወድቕ። እዚ ግቡእ ኣይኮነን፣ ፍጹም ዝበሃል ሰብ ስለዘየለ ናይ ሰባት ድሌት ምርዳእ ኣገዳሲ'ዩ።

6. ምቁርእዋን ተመሊስ ምዝካር

ህይወት ኩል ግዘ ቀላል ኣይኮነትን። ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብ ሓደ እዋን ዘሕለፍኻዮ ጽቡቕ ግዘ፡ ንድሕሪት ምልስ ኢልካ ምዝካር ኸቢድ ዝበሃል እዋን ንምርሳዕ ይጠቅም።

ሓደ ሰብ ሓዳር ክምስርት ወይ ቆልዓ እንትወልድ፡ ብዝተኽኣለ መጠን ምስ መሓዛን ቤተ ሰብን ተኣኪቡ ሓጎሱ ምግላጽ፡ ዘይርሳዕ ተዘክሮ ገዲፉ ይሓልፍ።

7. ሓገዝ ንምርካብ ምሕታት

ምስ ሓደ ሰብ ጥቡቕ ርክብ ንክህልወና፡ ዝስመዐና ነገር ንምዝራብን ሓገዝ ንምሕታትን ክንፈርሕ የብልናን።

8. ኣብነት ልግስና ምዃን

ብዛዕባ ሓደ ሰብ ትሓስቡ እንተድኣሃሊኹም፡ ብስልኪ ወይ ብሓጺር ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ፡ ስምዒትኹም ግለጹ።

መጻምድኹም ከቢድ ቖጸራ እንተድኣሃልዩዎ፡ ከመይ ከምዝሓለፈ ምሕታት፡ ስምዒት እምነትን ሓልዮትን ይፈጥር'ዩ።

መጻምዲ ኣብ ምዝናይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

9. ቅኑዕ ሰብ ንምርካብ ፈትኑ

ሓደ ሰብ ምስ ትኽክለኛ ሰብ ምሕዝነት ከምዝፈጠረ ከመይ ምፍላጥ ይከኣል? እንትቕድም፡ እቲ ርክብ ክምስረት ኣለዎ።

ክንርስዖ ዘይብልና፡ ትኽክለኛ ዝበሃል፡ ንሓደ ሰብ ዝሰማማዕ ዉልቀ ሰብ ምርካብ ከቢድ'ዩ። ስለዝኾነ ዝመስረትናዮ ርክብ፡ ንምጽባቕ ክንፍትን ኣለና።

ሓደ ሰብ ጽቡቕ ዝኸዉን፡ ትኽክለኛ ስለዝኾነ ወይ ዝሰሓሓት ትኽክለኛ ስለዝኾነ እንተይኮነስ፡ ሰብ ስለዝኾነ ጥራሕ'ዩ።

ስለዝኾነ፡ ሓደ ሰብ እንተጥፍእ ክንርሕቖ፡ ጽቡቕ እንትሰርሕ ድማ ክንቐርቦ ግቡእ ኣይኮነን።