ቢቢሲ፡ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ወጻኢ ዝዓበየ ቤት ጽሕፈት ከፊቱ

ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ እስትድዮ ቢቢሲ

ምንጪ ስእሊ, Armstrong Too

መግለጺ ስእሊ, ቢቢሲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብ 12 ቋንቋታት ኣፍሪቃ ፈነወ ኣለዎ

ቢቢሲ፡ ትማሊ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ወጻኢ እቲ ዝዓበየ ቤትጽሕፈቱ ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ፡ ናይሮቢ ከፊቱ።

ካብቶም ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ዝርከቡ 600 ጋዜጠኛታት ቢቢሲ፡ እቶም ኣስታት 300 ኣብ ናይሮቢ እዩ መደበሮም።

"ዝዓበየ ወፍርና፡ ናይ መጻኢ ጋዜጠኛታት ኣፍሪቃ ምምልማልን ደረጅኡ ዝሓለወ ፍርያት ምፍራይን'ዩ" ክትብል ዳይረክተር ቢቢሲ ኒውስ ፍራንሲስካ ኣንስዎርዝ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስመዐቶ መደረ ገሊጻ።

እዚ ምኽፋት ቤት ጽሕፈት ብመንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ 376 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ከምዝተገበረሉ ተገሊጹ።

ኣብዚ ኣብ ናይሮቢ ተኸፊቱ ዘሎ ቤትጽሕፈት፡ ስቱድዮ ቴለቪዥን፡ ክልተ ስቱድዮ ናይ ሬድዮ፡ ክልተ መስርሕን መዳለውን ናይ ሬድዮ መደባት ከምኡ'ውን ሓሙሽተ ናይ ተሌቪዥን ኤዲት መግበሪ ከምዝርከቦ ተሓቢሩ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት፡ ኣብ ሌጎስ ሓዲሽ ቤትጽሕፈት ቢቢሲ ከምዝተኸፈተ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ቤትጽሕፈት፡ ሓደሽቲ ሰለስተ ቋንቋታት ኣብ ቢቢሲ ዝጀመራ ኣብዚ ቤትጽሕፈት እዚ ከምዘለዋ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ሰኔጋል፡ ዳካር'ውን ኣገልግሎት ቋንቋ ፈረንሳ ዝህብ ቤት ጽሕፈት ቢቢሲ ምምሕያሻት ተገይርሉን ብዝያዳ ከምዝሰፍሕን ተገሊጹ።

ቢቢሲ ኣብ ናይሮቢ 1998 ቤትጽሕፈት ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ኣብዚ እዋን ብ12 ቋንቋታት ኣፍሪቃን እንግሊዝን ፈነወ ይገብር ኣሎ።

ሓላፊት ቢቢሲ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ራቼል ኣኪዲ ብወገና፡ ቀንዲ መትከላት ቢቢሲ ዝኾኑ ሓቃውነትን ዘይሻራውነትን ናብ መጻኢ ከሰጋግሩ ዝኽእሉ ጋዜጠኛታት ነፍሪ ኣለና ክትብል ገሊጻ።

line break

ኣብ ናይሮቢ መደበሮም ቋንቋታት

  • ቋነቋ ኣፋን ኦሮሞ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብበዝሒ ዝዝረብ
  • ኣምሓርኛ፡ ቋንቋ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ
  • ትግርኛ፡ ወግዓዊ ቋንቋ ኤርትራን ክልል ትግራይን

ኣብ ሌጎስ መደበሮም ቋንቋታት

  • ኢግቦ፡ ወግዓዊ ቋንቋ ናይጀርያን ኣብ ኢኳተርያ ል ጊኒን ዝዝረብ ቋንቋ
  • ዮሩባ፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ናይጀርያን ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ክኣ ኣብ ብኒንን ቶጎን ዝዝረብ ቋንቋ፥
  • ፒጅን፡ ኣብ ደቡባዊ ናይጀርያ፡ ጋና፡ ካሜሮንን ኢኳተርያል ጊኒን ዝዝረብ ቋንቋ።
line break
ፈነወ ማኒ ደይሊ

ምንጪ ስእሊ, Armstrong Too

መግለጺ ስእሊ, ሞኒ ደይሊ ሓደ ካብቲ ካብ ናይሮቢ ዝፍኖ መደባት ቢቢሲ እዩ

ካብቶም ካብ ናይሮቢ ዝፍነዉ ዘለዊ ፈነወ ተለቪዥን መደባት ቢቢሲ ኢንቨስትጌሽንን ኣፈሪካ ኣይን ዓቢ ኣወንታዊ ጽልዋታት ኣሕዲሮም ካብ ዘለዉ መደባት እዮም።

ኣብ ወርሒ መስከረም ኣፈሪካን ኣይ፡ ብወተሃደራት ካሜሮን ኣብ ልዕሊ ክልተ ህጻናትን ክልተ ኣንስትን ዝተፈጸመ ቅትለት መንነት ቀተልትን ኣበይ ከምዝተፈጸመን ዝገልጽ ምርምራዊ ትሕስቶ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዙሓት ረኣይቲ ዝረኸበ ትሕስቶ እዩ ነይሩ።