ቢቢሲ፡ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ወጻኢ ዝዓበየ ቤት ጽሕፈት ከፊቱ

ምንጪ ስእሊ, Armstrong Too
ቢቢሲ፡ ትማሊ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ወጻኢ እቲ ዝዓበየ ቤትጽሕፈቱ ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ፡ ናይሮቢ ከፊቱ።
ካብቶም ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ዝርከቡ 600 ጋዜጠኛታት ቢቢሲ፡ እቶም ኣስታት 300 ኣብ ናይሮቢ እዩ መደበሮም።
"ዝዓበየ ወፍርና፡ ናይ መጻኢ ጋዜጠኛታት ኣፍሪቃ ምምልማልን ደረጅኡ ዝሓለወ ፍርያት ምፍራይን'ዩ" ክትብል ዳይረክተር ቢቢሲ ኒውስ ፍራንሲስካ ኣንስዎርዝ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስመዐቶ መደረ ገሊጻ።
እዚ ምኽፋት ቤት ጽሕፈት ብመንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ 376 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ከምዝተገበረሉ ተገሊጹ።
ኣብዚ ኣብ ናይሮቢ ተኸፊቱ ዘሎ ቤትጽሕፈት፡ ስቱድዮ ቴለቪዥን፡ ክልተ ስቱድዮ ናይ ሬድዮ፡ ክልተ መስርሕን መዳለውን ናይ ሬድዮ መደባት ከምኡ'ውን ሓሙሽተ ናይ ተሌቪዥን ኤዲት መግበሪ ከምዝርከቦ ተሓቢሩ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት፡ ኣብ ሌጎስ ሓዲሽ ቤትጽሕፈት ቢቢሲ ከምዝተኸፈተ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ቤትጽሕፈት፡ ሓደሽቲ ሰለስተ ቋንቋታት ኣብ ቢቢሲ ዝጀመራ ኣብዚ ቤትጽሕፈት እዚ ከምዘለዋ ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣብ ሰኔጋል፡ ዳካር'ውን ኣገልግሎት ቋንቋ ፈረንሳ ዝህብ ቤት ጽሕፈት ቢቢሲ ምምሕያሻት ተገይርሉን ብዝያዳ ከምዝሰፍሕን ተገሊጹ።
ቢቢሲ ኣብ ናይሮቢ 1998 ቤትጽሕፈት ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ኣብዚ እዋን ብ12 ቋንቋታት ኣፍሪቃን እንግሊዝን ፈነወ ይገብር ኣሎ።
ሓላፊት ቢቢሲ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ራቼል ኣኪዲ ብወገና፡ ቀንዲ መትከላት ቢቢሲ ዝኾኑ ሓቃውነትን ዘይሻራውነትን ናብ መጻኢ ከሰጋግሩ ዝኽእሉ ጋዜጠኛታት ነፍሪ ኣለና ክትብል ገሊጻ።

ኣብ ናይሮቢ መደበሮም ቋንቋታት
- ቋነቋ ኣፋን ኦሮሞ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብበዝሒ ዝዝረብ
- ኣምሓርኛ፡ ቋንቋ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ
- ትግርኛ፡ ወግዓዊ ቋንቋ ኤርትራን ክልል ትግራይን
ኣብ ሌጎስ መደበሮም ቋንቋታት
- ኢግቦ፡ ወግዓዊ ቋንቋ ናይጀርያን ኣብ ኢኳተርያ ል ጊኒን ዝዝረብ ቋንቋ
- ዮሩባ፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ናይጀርያን ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ክኣ ኣብ ብኒንን ቶጎን ዝዝረብ ቋንቋ፥
- ፒጅን፡ ኣብ ደቡባዊ ናይጀርያ፡ ጋና፡ ካሜሮንን ኢኳተርያል ጊኒን ዝዝረብ ቋንቋ።


ምንጪ ስእሊ, Armstrong Too
ካብቶም ካብ ናይሮቢ ዝፍነዉ ዘለዊ ፈነወ ተለቪዥን መደባት ቢቢሲ ኢንቨስትጌሽንን ኣፈሪካ ኣይን ዓቢ ኣወንታዊ ጽልዋታት ኣሕዲሮም ካብ ዘለዉ መደባት እዮም።
ኣብ ወርሒ መስከረም ኣፈሪካን ኣይ፡ ብወተሃደራት ካሜሮን ኣብ ልዕሊ ክልተ ህጻናትን ክልተ ኣንስትን ዝተፈጸመ ቅትለት መንነት ቀተልትን ኣበይ ከምዝተፈጸመን ዝገልጽ ምርምራዊ ትሕስቶ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዙሓት ረኣይቲ ዝረኸበ ትሕስቶ እዩ ነይሩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







