እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣንፈት መገዲ ከይጠፍኣና ዝሕግዙና መሰረታዊ ነጥቢታት
ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ንምኻድ፡ ኣንፈት ምፍላይ ተጸጊምኹም ዲኹም? ወይ ድማ፡ ጠፊአ'ዶ ይኸውን ኢልኩም ንርእስኹም ብተደጋጋሚ ሓቲትኹም'ዶ ትኾኑ? እምበኣርከስ፡ እዞም ዝስዕቡ ነጥቢታት ክጠቕምኹም ይኽእሉ'ዮም።
1. ስቕ ኢልኩም ብዛዕባ ጉዕዞኹም ሕሰቡ
መገዲ ቅድሚ ምጅማርኩም፡ ናብ እትኸዱዎ ሃገር ወይ ድማ ቦታ ከይተንቀሳቐስኩም፡ ምስሊ እቶም መገዲታት ንክትረኽቡ እትጉዓዝሉ መገዲ ብልቢ ተዓዘቡ። ኣብቲ መገዲ፡ እናተንሸራሸርኩም ድማ ንርእስኹም ሰኣሉዎ።
2. ፍትሕ ምባል
ጠፊአ'ዶ ይኸውን እናበልኹም ትጭነቑ እንተድኣ ኾይንኩም፡ ኣንፈት ዝፈሊ ተፈጥሮኣዊ ክእለትኩም ክጠፍኣኩም'ዩ። ዝኾነ ዓይነት ጉዕዞ ቅድሚ ምጅማርካ፡ እኹል ምድላው ምግባር፡ ከምዚ ዓይነት ጭንቂ ይንኪ።
3. ትኹረት ምሃብ
ኣብ እትጉዓዝሉ እዋን፡ ስልኪ ተውግዑ፣ መልእኽቲ ጽሑፍ ትለኣኣኹ እንተኾይንኩም፤ ወይ ድማ ካልእ ነገር ትሓስቡ እንተኾይንኩም፡ ዘለኹምሉ ኸባቢ ንክተስተውዕሉ ክትጽገሙ ኢኹም።
ሙሉእ ኣቓልቦኹም፡ ኣብ ሓደ ነገር ጥራሕ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ድማ ኣብ እዋን ጉዕዞ ትኩራት ኾይንኩም ክትጉዓዙ ይሕግዘኩም።
4. ፍሉእ ምልክታት ምርኣይ
ምስ እትፈልጡዎ ነገር ዝመሳሰል ወይ ድማ ፍልይ ኢሉ ዝርኣይ ነገር ኣብ ኸባቢኹም ኣልሹ።
ኣብ ማእከል ሓደ ዓብዪ ከተማ እንተድኣ ሃሊኹም፡ ኣብቲ ከባቢ ዘለው ዓበይቲ ህንጻታት መፍለዪ ምልክት ጌርኩም ሓዙዎም።
5. ናብ ድሕሪት ምርኣይ
ብዙሕ ግዘ ሰባት፡ ኣብ ቅድሚኦም ምስ ዘሎ ነገር ጥራሕ'ዮም ትኹረት ዝገብሩ። ኮይኑ ግና፡ ናብ ድሕሪት ምርኣይ መውጽእን መእተውን ሓደ ቦታ ክትፈልጥ ይሕግዝ'ዩ።
ናብ ድሕሪት ምርኣይ፡ መግለጺ ጽቡቕ ኣንፈት ዝፈልጡ ሰባት'ዩ ተባሂሉ ኣሎ። ብፍላይ ድማ ኣብ ተመሳሳሊ መገዲ እንተኾይኑ፡ ናብ ድሕሪት ምርኣይ ኣዝዩ ጠቓሚ'ዩ።
6. ዝኽርኹም ምስ ቦታታት ምዝማድ
እዚ ጥበብ፡ ዝኸድኹምሉ ቦታ ብዝግባእ ንምዝካር ይሕግዝ። ኣብ ዝተንቀሳቐስኹምሎም ዝተፈላለዩ ቦታታት እትሰምዑዎ ደርፊ፡ ዝኸድኹምሉ ቦታ ብልክዕ ክትዝክሩ ከምዝሕግዝ መጽናዕታት የመልክቱ። ብፍላይ ድማ፡ ብዝኸድኹምሉ ቦታ ትምለሱ እንተድኣ ኾይንኩም፡ ሙዚቃ ጠቓሚ'ዩ።
7. መዘከርታ ስእሊ
ዝበጻሕኹምዎም ቦታታት ደጊምኹም ንምርኣይ ትሓስቡ እንተኾይንኩም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ንዝኽሪ ዝኸውን ስእሊ ክህልወኩም ኣለዎ።
8. ጉዕዞኹም ምልስ ኢልኩም ሕሰብዎ
ጣጣኹም ምስ ወዳእኻ፡ ብዛዕባ ዝነበረካ ጉዕዞ ንድሕሪት ምልስ ኢልካ ምሕሳብ፡ ናይ ምዝካር ክእለትካ የዕቢ'ዩ።
ሰናይ ጉዕዞ!