ኤውሮጳ፡ ሰዓት ሃገራት ኤውሮጳ ሓደ ሰዓት ንድሕሪት ክትቖጽር'ያ

ሎሚ መዓልቲ፡ ሓድሽ ቕንያት እዚ ሰሙን ዝፍለመሉ መዓልቲ'ዩ። ሰሙን መመላእታ እንታይ ከምዝፍጸም'ኳ እንተዘይፈለጥና፡ ገለ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልታት፡ ዝህልው ዓበይቲ ፍጻሜታት ክንሕብረኩም።

1) ዓመጽ ንመዓርነት

ኣስታት 8 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ፡ ጽባሕ ሰሉስን ሮቡዕን ኣብ ስኮትላንድ፡ ግላስኮ ኣብ ዝካየድ ሰልፊ ማዕረ ክፍሊት ስራሕ ክሳተፋ'የን።

እቲ ኣብ ሞንጎ ማሕበራትን ቤት ምኽሪ ከተማ ግላስኮን ን10 ኣዋርሕ ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ፡ ብዘይ ፍረ ተበቲኑ'ዩ።

ኣብ'ዚ ተመዲቡ ዘሎ ሰልፊ ብኣሽሓት ዝቑጸራ ሰራሕተኛታት ምዕባይ ቖልዑ፣ ጽርየት ኣብያተ ትምህርቲ፣ ሰራሕተኛታት ምግብን ካልኦትን ክሳተፋ'የን።

እዚ ኣብ 40 ዓመት ታሪኽ ብሪጣኒያ ልዕሊ፡ እቲ ዝዓበየ ኢንዳስትሪያላዊ ስጉምቲ ከምዝኾነ፡ ዩኒሶን ዝተብሃለ ሕብረት ስራሕ ንግዲ ገሊጹ።

ኾይኑ ግና፡ ቤት ምኽሪ እታ ከተማ ነዚ መደብ ነቒፉዎ'ዩ።

2) ጉዳይ ባንዴራ

ካብቲ ዝቕጽል ቀዳም ኣትሒዙ፡ እስራኤላውያን ኣትሌታት፡ ኣብ ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትስ ኣብ ዝካየድ ውድድር ጁዶ፡ ባንዴራን መዝሙርን ሃገሮም ሒዞም ክሳተፉ ክፍቀደሎም'ዩ።

እዚ ብዛዕባ ሰፖርት ጁዶ ጥራይ ኣይኮን። እንታይ ድኣ፡ ብዛዕባ እታ ንእስራኤል ከም ሃገር ዘይትቀበላን፡ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ዘይብላን'ውን'ዩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ጥቅምቲ፡ እስራኤላውያን ኣትሌታት ኣብ ውድድር ኣቡ ዳቢ ተሳቲፎም ሜዳሊያ ወርቂ'ኳ እንተረኸቡ፡ ብዘይናቶም ሃገራዊ መዝሙር'ዮም ተሰንዮም። ሓደ ኣትሌት ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትስ ድማ፡ ንእስራኤላዊ ተነሓናሒኡ ሰላም ከይብል ነጺጉዎ'ዩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ፡ ዓለምለኸ ፌደሬሽን ጁዶ፡ ብምኽንያት ዘይምፍቃድ ምውልብላብ ባንዴራ እስራኤል ኣብዚ ሰሙን ክካየድ መደብ ወጺእሉ ዝነበረ ውድድር ኣቡዳቢ ሰሪዙዎ ጸኒሑ'ዩ።

ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትስ ውሳኔኣ ብምቕያራ፡ እቲ ውድድር ክካየድ'ዩ። እዚ ድማ ዋላ'ኳ ንእሽቶ እነተኾነ፡ ምስ እስራኤል ብዝተሓሓዘ ግን ኣገዳሲ ፍጻሜ'ዩ።

3) ብጣዕሚ ነዊሕ ጉዕዞ

ጽባሕ ሰሉስ፡ ከተማታት ሆንግ ኮንግ፣ ማካኡን ዝሁሃይን ዘራኽብ፡ ዓብዪ ድልድል ባሕሪ ክኽፈት'ዩ። እዚ 55 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ድልድል ባሕሪ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዘዓበየ'ዩ።

እዚ ሽዱሽተ ዓመት ትልሚ፣ ሸሞንተ ዓመት ስራሕን ብምውሳድ ዝተሃነጸ ድልድል፡ መራኽብ ከሕልፍ ዝኽእል 6.7 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎም ባዕቲ፣ 625 ሜትሮ ሰብ ሰራሕ ደሴት ዝሓዘ'ዩ።

4) ብራዚል ክትውስን

ብበዝሒ ህዝቢ ዓለም ኣብ ሓምሻይ ደረጃ እትርከብ ብራዚል፡ ሰንበት ኣብ ዝካየድ ካልኣይ ዙርያ መረጻ፡ ፕረዝደንታ ክትመርጽ'ያ።

ሕጹይ የማናዊ ክንፊ ጄር ቦለሶናሮ ድማ ይመርሕ ኣሎ። ንሱ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብማዕረ ወርሓዊ መሃያ ክኽፈላ የብለንን ብዝብል መካትዒ ሓሳቡ ይንቀፍ።

ኾይኑ ግና፡ ኣንጻር ግዕዝይና ብዘለዎ መርገጺ ብዙሓት እናስሓበ'ዩ።

ከንቲባ ዓባይ ከተማ ብራዚል ዳኦ ፖሎ ነበር ፈርናንዶ ሃዳድ ድማ ተነሓናሒኡ ኾእኑ ቐሪቡ ኣሎ።

5) ለውጢ ሰዓት

ሰንበት፡ ሰዓት ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ሓደ ሰዓት ንድሕሪት ክትቖጽር'ያ።