ወታሃደራዊ መራሒ ሱዳን ነበር ፊልድ ማርሻል ዓብደሩሕማን ኣልዳሃብ ሞይቱ

ፊልድ ማርሻል ዓብደልራሕማን ሱዋር ኣልዳሃብ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ብብዙሓት ሱዳናውያን እቲ እንኮ ብወለንትኡ ንብህዝቢ ዝተመርጸ ሲቪላዊ መንግስቲ ስልጣን ዘረከበ መራሒ ሱዳን ምዃኑ ይዝከር

ወታሃደራዊ መራሒ ሱዳን ነበር፡ ፊልድ ማርሻል ዓብደልራሕማን ሱዋር ኣልዳሃብ፡ ኣብ ከተማ ሪያድ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሱዕዲ ዓረብ ከም ዝዓረፈ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሱዳን ኣፍሊጡ።

ንሱ፡ ብብዙሓት ሱዳናውያን እቲ እንኮ ብወለንትኡ ንብህዝቢ ዝተመርጸ ሲቪላዊ መንግስቲ ስልጣን ዘረከበ መራሒ ሱዳን ምዃኑ ይዝከር።

ሱዋር ኣልዳሃብ፡ ኣብ ሚያዝያ 1985 ኣብ ልዕሊ ስርዓት ፕረዚደንት ጃዕፈር መሓመድ ኣል ኑሜሪ ብህዝባዊ ናዕቢ ዝተደገፈ ወታሃደራዊ ዕልዋ ብምግባር'ዩ ናብ ስልጣን ደይቡ።

ንሓደ ዓመት ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ድሕሪ ምምራሕ ድማ ኣብ ግንቦት 1986 ካብ ስልጣን ወሪዱ።

ካብቲ እዋን'ቲ ጀሚሩ፡ ፊልድ ማርሻል ኣል ዳሃብ፡ ኣብ ሱዳን ክብሪ ዝወሃቦ ዓቢ መራሒ ተጌሩ ክውሰድ ጸኒሑ።

ስነስርዓት ቀብሩ ኣብታ ናይ እስላም ቅድስቲ ከተማ መዲና ክፍጸም ምዃኑ እቲ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ፊልድ ማርሻል ሱዋር ኣል ዳሃብ ኣብ 1935 ከም ዝተወልደ ይንገር።