ሱዳን፡ ብምኽንያት ምህማም መሬት 50 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ኣኽራናዊ ከባቢታት ዳርፉር ብዘጋጠመ ምህማም መሬት ዛጊት ልዕሊ 50 ሰባት ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ።
እቲ ሓደጋ ኣብ ጀበል ማራ ዝተብሃለ ስፍራ ከቢድ ዝናብ ብዘስዓቦ ምህማም ብዓርቢ ዘጋጠመ ክኸዉን ከሎ፡ እቲ ካብቲ ጎቦ ዝውሕዝ ዝነበረ ጭቃ ኣብ ታሕቲ ንዝነበረት ቁሸት ጎቢጥዋ።
ብሰንኪ ራሕቒ እቲ ቦታ ዝርዝራት እቲ ሐደጋ ጌና ብሕጂ ክመጽእ ትጽቢት ይግበር እኳ እንተሎ፤ ካብ መንጎ እቶም ዝሞቱ ብዙሓት ህጻናት፡ በዓል ስልጣን እቲ ከባቢን ከም ዝርከብዎም ኣሚን ሙሓመድ ዖስማን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"እዚ ከባቢ ኣዝዩ ርሑቕ ብምዃኑ ናይ ተንቀሳቓሲ ተለፎን ሸፈነ እዉን የብሉን፤ ነበርቲ እቲ ከባቢ ተለፎን ክድዉሉ 7 ኪሎ ሜተር ክጉዓዙ የድልዮም። ሕጂ ናይ ረድኤት ንጥፈታት ኣብ ምዉህሃድ ኣሎና።"
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







