ኦሮሚያ፡ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ኦሮሞ ሓደሽቲ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ መሪጹ

ካብቲ ዝሓለፈ ሮቡዕ ጀሚሩ ኣብ ከተማ ጅማ ዉድባዊ ጉባኤኡ ዘካየደ፡ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ኦሮሞ (ኦዴፓ) ሎሚ መዓልቲ ሓደሽቲ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ መሪጹ።

ቅድም ክብል 'ኦህዴድ' ዝብል ስያመ ዝነበሮ እዚ ውድብ፡ ትማሊ ሽሙን መለለዪ ኣርምኡን ቐይሩ'ዩ።

ኣብቲ ጉባኤ፡ ትማሊ ብሕጹይነት ካብ ዘቕረቡ 60 ኣባላት እቶም 54፡ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ኾይኖም ተመሪጾም።

ሓድሽ ማእኸላይ ኮሚቴ ናይዚ ውድብ፡ ሓደሽቲ መናእሰይ ዝሓወሰ እንትኾን፡ ካብ መንጎኦም ኣይተ ታዮ ደንደአ፣ ሚልኬሳ ሚደጋን ታከለ ኡማን ይርከብዎም።

ዶክትር ኣብዪ ኣአሕመድ (ቀዳማይ ሚኒስትር) ኣቦ መንበር፡ ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ለማ መገርሳ ድማ ናይቲ ውድብ ምክትል ኮይኖም ተመሪጾም።

ክልቲኦም ክሳብ እቲ ዝቕጽል ጉባኤ ነቲ ውድብ ክመርሑ'ዮም።

ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ኦዴፓ

ዶክተር አብይ አህመድ፣ ኣቶ ለማ መገርሳ፣ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ፣ ኣቶ ብርሃኑ ፀጋዬ፣ ወይዘሮ አዳነች አበቤ፣ ኢንጂነር ታከለ ኡማ፣ ኣቶ ሽመልስ አብዲሳ፣ ኣቶ ኡመር ሁሴን፣ ወይዘሮ ጠይባ ሀሰን፣ ኣቶ አዲሱ አረጋ፣ ዶክተር ግርማ አመንቴ፣ ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳ፣ ዶክተር ሚልኬሳ ሚደጋ፣ ዶክተር ተሾመ አዱኛ፣ ኣቶ ታዬ ደንደአ......

ዶክተር አለሙ ስሜ፣ ዶክተር ቶላ በሪሶ፣ ኣቶ ደመላሽ ገብረሚካኤል፣ ኣቶ ግርማ ሀይሉ፣ ኣቶ ወርቁ ጋቸና፣ ኣቶ ሻፊ ሁሴን፣ ኣቶ ቶሎሳ ገደፋ፣ ኣቶ ፍቃዱ ተሰማ፣ ኣቶ ብርሃኑ በቀለ፣ ኣቶ አወሉ አብዲ፣ ኣቶ ጌቱ ወዬሳ፣ ኣቶ ካሳሁን ጎፌ፣ ኣቶ መላኩ ፈንታ፣ ኣቶ ታረቀኝ ገለታ፣ ኣቶ አበራ ወርቁ፣ ኣቶ መኩዬ መሃመድ፣ ኣቶ አህመድ ቱሳ፣ ኣቶ አሰግድ ጌታቸው፣ ኣቶ ደንጌ ብሩ፣ ኣቶ ነመራ ቡሊ፣ አቶ አብዱልአዚዝ መሃመድ......

ኣቶ ሮባ ቱርጬ፣ ኣቶ ጀማል ከድር፣ ኣቶ መሃመድ ከማል፣ ኣቶ ከፍያለው አያና፣ ኣቶ መስፍን አሰፋ፣ ወይዘሪት ሌሊሴ ነሜ፣ ኣቶ ናስር ሁሴን፣ ኣቶ ሞገስ ኢደኤ፣ ዶክተር ደረጄ ዱጉማ፣ ወይዘሮ ጫልቱ ሳኒ፣ ወይዘሮ ሎሚ በዶ፣ ዶክተር ኢንጂነር ሀብታሙ ኢተፋ፣ ዶክተር ኢንጂነር ጌታሁን መኩሪያ፣ ኣቶ ማሾ ኦላና፣ ወይዘሮ አለምፀሀይ ሽፈራ፣ ኣቶ አህመድ እድሪስ፣ ወይዘሮ ሙና አህመድን፣ ኣቶ ጥላሁን ፍቃዱ'ዮም።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ካብ ሞንጎ መስረትትን ነባር ኣባላትን እቲ ፓርቲ፡ ኣቶ ሱለይማን ደደፎ፣ ወይዘሮ ጊፍቲ አባሲያ፣ ኣቶ እሸቱ ደሴ፣ ኣቶ ድሪባ ኩማ፣ ኣቶ ጌታቸው በዳኔ፣ ኣቶ ግርማ ብሩ፣ ኣቶ ኩማ ደመቅሳ፣ ኣቶ ሽፈራው ጃርሶ፣ ኣቶ ደግፌ ቡላ፣ ኣቶ አበራ ኃይሉ፣ ኣቶ ተፈሪ ጥያሩ፣ ኣቶ ኢተፋ ቶላን ኣቶ ዳኛቸው ሽፈራውን ብኽብሪ ኣሰናቢቱ'ዩ።