ክልል ሶማሌ፡ ተመዛበልቲ ጅግጅጋ ግዳም ሓደር ኮይኖም

ቅድሚ ክልተ ሰሙናት ኣብ ክልል ሶማል ብዘጋጠመ ጎንፂ፡ መጥቃዕቲ ዝበፅሖም ተመዛበልቲ፡ ብዘይ ምግብን መፅለልን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥቓ ስቴድየም፡ ፊት ንፊት ማእኸል ባህሊ ኦሮሚያ ኣብ ዘሎ ጎደና ወዲቖም ይርከቡ።
ክሳብ 100 ዝበፅሑ እዞም ስደተኛታት፡ ኣብ ጎደና ቴንዳ ዘርጊሖም ካብ ምፅላል ወፃኢ ኣማራፂ ከምዘይብሎም ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ካብ ቆልዓ ሽዱሽተ ዓመት፡ ክሳብ ኣረጋውያን ዝርከብዎምን፡ ኣብቲ እዋን መጥቃዕቲ ዝበፅሖም ሰባት ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብዚ ቦታ ይውዕሉን ይሓድሩን 'ዮም ዘለዉ።
ኣባይቶምን ንዋቶምን ኣብ እዋን እቲ መጥቃዕቲ ስለዝዓነወ፡ ዝኽደንዎ ኮነ ንሕማቕ መዓልቲ ክኾኖም ዝዓቖርዎ ጥሪት ከምዝሰኣኑ ይዛረቡ።
ክሳብ ሕዚ፡ መናእሰይ ናይቲ ኸባቢ እናኣከቡ ብዘቕርቡሎም ምግቢ እዮም መዓልታዊ ዝናበር ዘለዉ። ካብዚ ወፃኢ፡ ዛጊድ ዝኾነ ሓገዝ ናይ መንግስቲ ከምዘይረኸቡ ገሊፆም።
ነቲ ሓገዝ ዘዋድዱ መናእሰይ 'ውን እቲ ፀገም ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ እናኾነ ስለዝመፀ፡ መንግስትን ትካላት ረድኤትን ሓገዝ ክገብሩሎም ፀዊዖም።

ኣብዚ ዓመት ብተመሳሳሊ ጥቕዓት ሙሉእ ስድርኡ ከምዝሰኣነ ዝዛረብ ኣደም ኣሕመድ፡ ኣብ ጅግጅጋ 03 ኣብ ዝበሃል ከባቢ'ዩ ዝነብር። ሕዚ፡ ኩነታት ተቐይሩ ስምምዕ ተፈጢሩ ተባሂሉ ካብ ዝምለስ፡ ሸዉዓተ ወርሒ ኮይኑዎ።
"ኣብቲ ዝሓለፈ መስከረም ዕግርግር እንትፍጠር፡ ኣብ ሹቕ ነይረ። ብበሪ እንትኣትዉ ብፊኒስትራ ዘሊለ እንትሃድም፡ ክልተ ደቀይ፣ ሰለስተ ኣሓተይን ኣደይን ተቐቲሎም ረኺበዮም። ሕዚ'ዉን ዳግም ዕግርግር ተፈጢሩ ዉጽኡልና ተባሂልና ናብዚ መጺአ። ኮይኑ ግና ቤተ ሰበይ ብሙሉኡ ከምዝሰኣንኩ እንትዛረብ ዋላ ሓደ ዝርድአኒ ሰብ ኣይረኸብኩን" ይብል።
"ክሳብ ሕዚ፡ ናብዚ ናብቲ እናበልና፡ ግዳም ሓደር እንትንኾን፡ ሓንቲ መዓልቲ መጺኡ ኣጆኹም፡ ንሕና ኣለና ዝበለና ሚዲያ የለን። ህዝቢ'ዩ ክሳብ ሕዚ ክንነብር ዝሓገዘና። ኣካለት መንግስቲ'ማ ተመለሱ'ዮም ዝብሉና ዘለዉ። ግን ንምንታይ? ንሕና ኢትዮጵያዉያን'ዶ ኣይኮንናን?"
ቢቢሲ ኮነ ናይ ዓዲ ዉሽጢ ሚዲያ ነቶም ተመዛበልቲ ከዘራርቡ እንትፍትኑ፡ ብኣባላት ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ድምጾም ከይቕድሑ ወይ ምስሎም ከይቕረጹ ስልዝተኸልከሉ፡ እቶም ተመዛበልቲ ምስ ኣባላት ፖሊስ ይካትዑ'ዮም ነይሮም።
ጸኒሑ ግና፡ መለለዪ እቶም ጋዜጠኛታት ምስተረጋገጸ፡ እቲ ምኽልካል ተላዐሉ'ዩ።
ኣብ ጅግጅጋ መርሲን ካብ ዝበሃል ከባቢ ዝመጽአት በቀሉ ቶሎሳ፡ ብቲ ዝተፈጸመ ጥቕዓት 80 ሽሕ ብር ዝግመት ንብረት ተሰሪቐ'የ ትብል።
"15 መዓልቲ ጌርና ኣለና፡ ፍታሕ ግና ኣይረኸብናን። ኣብ ጎደና ኢና ዘለና። ኣብዚ ክኣ፡ ህጻናት ዝሓዛ ኣደታት፣ ሕሙማትን ኣረጋዉያንን ኣለዉ። ዘይኣተናዮ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ የለን። ክሳብ ሕዚ ግን መንግስቲ ኣበይ ኣለኻ ኢና ንብል ዘለና" ትብል።

ኣብቲ እዋን ግዳይ እቲ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ዝኾኑ፡ ምርኣይ ዝተስኣኖም ባህታዊ ታምሩ ዘለቀ'ዉን፡ ካብቲ ዝበጽሖም ጉድኣት ከየንሳእረሩ፡ ግዳም ሓደር ኾይኖም ኣለዉ።
"ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምህረት ኣቐዲሰ ናብ ሚካኤል እንትመጽእ፡ ነዋይ ቅዱሳት ይቃጸል ነይሩ። ተመሊሰ ናብ ኪዳነ ምህረት እንትኸይድ፡ ለካ ኪዳነ ምህረት'ዉን ኣቃጺሎም ወዲኦማ። ዳግም ናብ ሚካኤል እናተመለስኹ ግና፡ ኣስናነይ ኣርጊፎምኒ፤ ሑቐይ ድማ ተወቒዐ" ኢሎም።
ካብቶም ተመዛበልቲ 30 ዝኾኑ፡ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ'ዮም ህይወቶም ከድሕኑ ካብ ዝተዓቆቡላ ሃረር ናብ ኣዲስ ኣበባ መጺኦም።
ኣብ ከባቢ ስታዲየም ዝሰርሕ ጋሻዉ ተወዳጅ፡ ሓደ ካብቶም ተመዛበልቲ ንምሕጋዝ ዝተኣከቡ መናእሰይ'ዩ። ካብቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሩ፡ ኣብቲ ግዳም ዝወደቑ ተመዛበልቲ ምሕጋዝ ኣጸጋሚ ከምዝኾነ ይዛረብ።
"ንሕና ጥራሕ ኢና ንሕግዞም ዘለና። መንግስትን መንግስታዊዘ ዘይኮኑ ትካላትን ኣይሃገዙናን። ህጻናት፣ ዘጥብዋ ኣደታት፣ ኣረጋዉያን ኣለዉ። መግቢ ሓደ ሓደ ሰብ ሒዙ ይመጽእ፡ ብዝረኸብናዮ ገንዘብ መግቢ ዓዲግና ኢና ንዕንግሎም ዘለና" ኢሉ።
እቶም መናእሰይ፡ መንግስቲ ኾነ ወሃብቲ ሓገዝ ትካላት እቶም ተመዛበልቲ መግብን መጽለልን ዝረኽብሉ መገዲ ከመቻችዩ ሓቲቶም።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







