ፕረዚደንት ኣሕመድ ዓብዲ ሞሓመድ ፡ "ዓብዲ ስልጣኑ ከረክብ ሕቶ ከቕርብ ጸኒሑ'ዩ"

ምንጪ ስእሊ, FACEBOOK
ሓድሽ ፕረዚደንት ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ኣሕመድ ኣብዲ ሞሓመድ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መሕትት፡ ዓብዲ ሞሓሙድ ዑመር ስልጣኖም ከምዘረከቡን ክወርዱ ከምዝተሰማምዑን ኣረጋጊፁ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናብቲ ክልል ብምእታው ንዝተፈጠረ ወጥሪ ስዒቡ እዩ።
"ፕረዚደንት ነበር ኣብዲ መሓመድ ኦማር ስልጣኑ ብሰላም ንኸረክብ ሓቲቱ፡ ንክልል ሶማል ዝመርሕ ሰልፊ ላዕለዋይ ኮሚቴ ድማ ሓድሽ መራሒ ሸይሙ። ስልጣኑ ንኸረክብ ክሓትት ከሎ ንፈላማ እዋን ኣይኮነን፤ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ባዕሉ ካብ ስልጣን ንኽወርድ ሕቶ'ኳ እንተቕረበ እቲ ሰልፊ ግን ክቕበሎ ኣይከኣለን። ሎሚ ግና ፈፃሚት ስራሕ እቲ ሰልፊ ንሕትኡ ተቐቢልዎሎ" ኢሉ።
ኣብ ሞንጎ ማሕበረሰብ ሶማሌን ኦሮሞን ብዝተፈጠረ ተቓውሞን ጎንፅን ካብ ስልጣኑ ንኽወርድ ብፌደራላዊ መንግስቲ ፀቕጢ ይበፅሖ ከምዝነበረ ይእመን።
እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ብዛዕባ ኩነታት ኣብዲ መሓመድ'ውን ተዛሪቡ።
"ፕሬዝደንት ነበር ምስ ሙሉእ ጥዕንኡ ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ኣብ ዝርከብ መንበሪኡ ብሰላም'ዩ ዝርከብ። ናይ ፕረዝደንትነት ስልጣኑ'ኳ እንተረከበ ሕዚ'ዉን ግና ኣቦ መንበር ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ህዝብታት ሶማል'ዩ።"
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







