ፖሊስ ዚምባብወ ንመራሕቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ኤም ዲ ሲ ይሃድኑ ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ነቲ ኣብ ዚምባብወ ዝተኻየደ ኣሰሓሓቢ ምርጫ ስዒቡ ፖሊስ`ታ ሃገር ንትሽዓተ ላዕለዎት መራሕቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ኤም ዲ ሲ ኣላያንስ ኣብ ምህዳን ከምዝርከቡ ማዕከናት ዜና ጸብጺበን።
ንሳቶም ንደገፍቶም ነቲ ዘይሕጋዊ`ዩ ዝተባህለ ኣብ ዝሓለፈ ሮቡዕ ዝተገብረ ሰልፊ ኣለዓዒልኩም ተባሂሎም`ዮም ዝድለዩ ዘለዉ።
ሰራዊት`ታ ሃገር ነቲ ኣብ ከተማ ሃራረ ዝተገብረ ሰልፊ ንምብታን ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ሽድሽተ ሰባት ሞይቶም።
ኤም ዲ ሲ ኣላያንስ፡ ፕረሲደንት ኤመርሰን ምናንጋግዋ ኣብ`ቲ ብሰኑይ ዝተገብረ ምርጫ ብምድንጋር ከምዝዕወት ተገይሩ`ዩ ይብል።
ኮሚሽን ምርጫ`ታ ሃገር ግን `ፈጺሙ ምድንጋር ኣይነበረን` ኢሉ።
ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኤም ዲ ሲ ኣላያንስን ሚኒስተር ፋይናንስን ነበር ተንዳይ ቢቲ ሓደ ካብቶም ዝድለዩ ዘለዉ ሰባት`ዩ።
ሚስተር ቢቲ `ካብ ሕጊ ወጻኢ` መራሒ ሰልፉ ኔልሰን ቻሚሳ ኣብቲ ዝተገብረ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ከምዝተዓወተ ገይሩ ኣቃሊሑ ይብል ቢቢሲ ዘንበቦ ናይ ቤት ፍርዲ ናይ መእሰሪ ትእዛዝ። ንደገፍቲ ሰልፊ ኤም ዲ ሲ ንረብሻ ብምልዕዓል`ውን ተኸሲሱ`ሎ።
ኣቦ መንበር ኤም ዲ ሲ ኣላያስ ሞርጋን ኮሚች፣ ሓላፊ ማሕበር መንእሰያት`ቲ ሰልፊ ሃፒሞር ቺዝቫን ሽድሽተ ካልኦትን`ውን ተደለይቲ ምዃኖም መንግስታዊት ጋዜጣ ሄራልድ ጸብጺባ።
እቲ ናይ 37 ዓመት ዘመነ ሮበርት ሙጋበ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ምስ ኣብቅዐ፡ እቲ ናይ ሓምለ ምርጫ ንዚምባብዌ ናብ ሓዲሽ ዲሞክራሲያዊ ምዕራፍ ከሰጋግራ`ዩ ተሓሲቡ ነይሩ።
እንተኾነ ግን ድሕሪ`ቲ ዝተኻየደ ምርጫ `ዝተረረ መጥቃዕቲ` ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ሰልፍታት ይካየድ ከምዘሎ ህዩማን ራይትስ ዎች ሓቢሩ።
ወትሃደራት ኣብ`ቶም ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ ዝነበረሎም ከባቢታት ሃራረ ብዙሕ ማህረምትን መጥቃዕትን የውርዱ ከምዘለዉ ድማ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ህዩማን ራይትስ ዎች ጸብጺቡ።
ኣብ ገጾም ማስኬራ ዝለበሱ ሽድስተ ሰባት ብሰንበት ንግሆ ኣብ መንበረ ገዛ ቺዝቫ ሰይሮም ከምዝኣተዉ ድማ ምስክርነት ሰሚዑ።
"ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ክትእዊ ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን ድማ ሓደ ካብቶም ሽፉናት ሰባት ብረት ኣብ ርእሳ ኣቕኒዑ ስቕ ክትብል ወይ ድማ ህይወታ ክትስእን ምዃና ኣፈራሪሕዋ።"
እቶም ኣብ ሓደ ጉጅለታት ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ዓሰርተ ኮይኖም ዝንቀሳቐሱ ወትሃደራት፡ ኔልሰን ቻሚሳ ኣብ ሃራረ ብምዕዋቱ ደገፍቲ ኤምዲሲ ኣላያንስ ንሚስተር ምናንጋግዋ ኣፍሺኩሞ ብምባል ኣብ ባራትን ሬስቶራንታትን እናኣተዉ ንሰባት ይሃርሙ ኣለዉ` ይብል ህዩማን ራይትስ ዎች።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







