ኣብ ዚምባብወ ዝተወለዐ ጎነጽ ሂወት 3 ሰባት ቀዚፉ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ዚምባብወ ከተማ ሃራረ ብዝተወለዐ ናዕቢ፡ ሐይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኣድመኛታት ብዝተኮስዎ ጥይት ዛጊት 3 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ፓሊስ ገሊጹ።
ነቲ ናዕቢ ንምህዳእን ንፓሊስ ንምድጋፍን ሰራዊት እታ ሃገር ኣብታ ከተማ ንሓለዋ ከም ዝተዋፈረ መንግስቲ ተዛሪቡ።
ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤም ዲ ሲ)፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ደገፍቱ ዝወረደ ጎንጺ ብምኹናን፡ ነቲ ብጊዜ ሮበርት ሙጋበ ዝነበረ "ናይ ጸልማት እዋን" ዘዘኻኽር'ዩ ኢሉ።
ገዛኢ ሰልፊ ዛኑ-ፒኤፍ ኣብቲ ሰኑይ ዝተኻየደ ምርጫ ምጥፍፋእ ፈጺሙ ክብል'ውን ከሲሱ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ዛጊት ተገሊጹ ዘሎ ናይ ባይቶ ውጽኢት ከም ዝገልጾ፡ ዛኑ-ፒኤፍ ዝበዝሐ መናብር ክዕወት ትጽቢት ይግበረሉ።
ካብ ብምሉኡ እቲ 120 መናብር፡ ዛኑ-ፒኤፍ ዛጊት 132 ክዕወት እንከሎ፡ ኤም ዲ ሲ 59 ተዓዊቱ ከም ዘሎ ኮምሽን ምርጫ'ታ ሃገር ኣፍሊጡ። ምቑጻር ድምጺ ጌና ኣይተወደአን ዘሎ።
ዋላኳ እቲ ናይ ፕረዚደንታዊ ውጺኢት ጌና ዘይተገልጸ እንተኾነ፡ ኤም ዲ ሲ እቲ ንሱ ዝወከሎ ኔልሰን ቻሚሳ ኣብቲ ናይ ሰኑይ ምርጫ ከም ዝተዓወተ ይገልጽ።
ነቲ ወጺኢት ንምግላጽ ዝወሰደ ጊዜ ስክፍታ ከም ዝፈጠረሎም ነቲ ምርጫ ክዕዘቡ ዝመጹ ወከልቲ ኣውሮጳዊ ሕብረት ተዛሪቦም።
ፕረዚደንት ኤመርሰን ምናንጋግዋ፡ መራሕቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ናይቲ ጎንጺ ሓላፍነት ከም ዝስከሙን፡ እቲ ግጭት ነቲ ናይ ምርጫ መስርሕ ንምዝራግ ዝተኣልመ'ዩ ኢሉ።
ኣቐድም ኣቢሉ፡ ህዝቢ ክዕገስን ምርግጋእ ክሰፍንን ጸዊዑ ነይሩ።
ነቲ ጎንጺ ነቶም ናዕበኛታት ንምብታንን ሰላምን መርግጋእ ንምስፋንን ሰራዊት ኣብታ ከተማ ከምዝተዋፈሩ ሚኒስተር ፍትሒ'ታ ሃገር ዚያምቢ ዚያምቢ ኣፍሊጡ።
"ህላወ ናይቲ ሰራዊት ንሰባት ንምፍርራሕ ዘይኮነስ ሕግን ስርዓትን ንምኽባር'ዩ። ንፓሊስ ንምድጋፍ'ዮም ኣብኡ ዘለዉ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣፈኛ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኔልሰን ቻሚሳ ብወገኑ፡ ናይቲ ሰራዊት ምትእትታውን ምጥፋእ ሂወትን ኮኒኑ።
"ወታሃደራት ኣብ ኲናት ክቐትሉ'ዮም ተዓሊሞም። ሰለማውያን ሰባት ጸላእቲ ናይ መንግስቲ'ድዮም?" ክብል ሓቲቱ።
"ነቲ ሎሚ ዝረአናዮ ጭካነ ብዝኾነ ክግለጽ ኣይከኣልን'ዩ"።
እቲ ናዕቢ ኣብ ማእከል ከተማ ሃራረ ጥራይ ዝተወሰነ ምዃኑን፡ ኣብ ካልእ ከባቢታት እታ ሃገር ህድኣት ሰፊኑ ከም ዘሎ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ሓቢሮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







