ደሃይ 42፡ "ኩሉ ግዜ ኣብ ዓደይ ዘለኹ ኮይኑ'ዩ ዝስምዓኒ"

ሽመይ አስመረት በርሀ ይበሃል። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ከተማ ጎንደር ተወሊደ ዓብየ። ኣብ 1995 ናብ እስራኤል ብመልክዕ ቱሪስት'የ መጺኤ።
ብጣዕሚ ፈትየዮ፡ ድሕሪ ትሽዓተ ወርሒ ኣቢሉ ከኣ ሓደ ሰብ ኣፍቂረ። መቸም ፍቅሪ ሓያል እንድዩ ሓዳር መስሪተ ተሪፈ።
ኣብ ዝኾነ ዓዲ ምስኣተኻ ኩሉ ጊዜ ዘጽግም ቋንቋ እንድዩ ኣነ ግን ዕድለኛ ኮይነ ኣሞይ ኣብ'ዚ ዓዲ ብምንባራ ዝኾነ ከጋጥመኒ እንከሎ ናብኣ ብምኻድ ስምዒታተይ የፋኹስ ብምንባረይ ዝረዳድኣሉ ቋንቋ ንምምላኽ 4-5 ኣዋርሕ ጥራይ'ዩ ወሲዱለይ።
ብዙሕ ከይደንጎኹ ድማ ስራሕ ጀሚረ። ንዓይ እቲ በዳሂ ዝነበረ ማሕለኻ ግን ናፍቆት ስድራ'ዩ ኔሩ።
እስራኤል ብሓቂ ጽብቅቲ ዓዲ'ያ፤ ድሓር ከኣ ፈላሚት ዓዲ ስደተይ ብምዃና ብጣዕሚ'የ ዝፈትዋ፤ ካልኣይቲ ዓደይ ኮይና ክዓ ትስምዓኒ።
ሓቂ ንምዝራብ ኣብ ዓደይ ገዛይ ዘለኹ ኮይኑ'ዩ ዝስምዓኒ። ቀልጢፈ ወረቀት ስለዝረኸብኩን ናብ ዓደይ ናይ ምምልላስ ዕድል ስለዘጋጠመንን ኣይተጋየሽኩን።
እስራኤላውያን ጥቡቅ ዝኾነ ማሕበራዊ ናብራ'ዩ ዘለዎም።
እዚ ድማ ንዓይ ኣዝዩ ባህ ይብለኒ። አብ ኣውድኣመትን ቤትሰባዊ ምትእስሳሮምን ድማ ምስ ኢትዮጵያ ይመሳሰሉ።
ቤተሰባዊ ፍቅሪ ዓቢ ቦታ ኣለዎ በዚ ድማ ምስቲ ክቡር ባህልና ኣዝዩ ይመሳሰልን ይተሓሓዝን።
ጥዕምትን ከም ዓቅምኻ ሰሪሕካ ክትነብረላ እትኸልን ዓዲ'ያ።

እታ ምናልባት ሓንቲ ፍልልይ ክብላ ዝኽእል፡ ናይ ክትምነትን ምዕባለን ዘይምምጥጣን ክህሉ ናይ ግድን'ዩ።
ንዓይ ግን ኩሉ ግዜ ኣብ ገዛይ ዘለኹ ኮይኑ ስለዝስምዓኒ ብዙሕ ፍልልይ ኣይረኣየንን።
መጀመርታ ኣብ'ዚ ዓዲ እትው እንክንብል ነፋሪት ኣብ ኤርፖርት ክትዓርፍ እንከላ ምሳይ ዝተጋዓዙ መብዛሕትኦም ክበኽዩ እንከለው ኣነ እንዳሰሓቅኩ ምእታወይ'ዩ።
ዋላ ኣሞይ'ወን ክትቅበለኒ እንኮላ ብምግራም "እንታይ ድኣ ኬንኪ ትስሕቂ?" ክትብል ምስ ሓተተትኒ፡ "እንድዒ፤ኩሉ መባርህቲ ንዓይ ጥራይ ዘብርህ ኮይኑ'ዩ ዝስምዓኒ" ምስ በልክዋ ዝሰሓቀቶ ኣይርስምዓንን።
እቲ ካልኣይ ሓጎሰይ ከኣ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ምፍልላይ ወለደይ ክርኢ ምኽኣለይ'ዩ።
ዘሕዘነኒ ነገር ከኣ ካብ በዓል ቤተይ ዝተፈላለናሉ እዋንዩ፤ ብዛዕባ'ዚ ክዛረብ ኣይደልን'የ ግና ሂወተይ ዘጸልመተለይ እዋናት'ዩ ኔሩ።
ካልእ እስራኤላውያንን ኢትዮጵያውያንን ዘመሳስሎም ነገር ክብሪ ዘለዎ ኣቀባብላ ኣጋይሽ፣ ጥቡቅ ቤተሰባዊ ፍቅርን ምትሕልላይን'ዩ።
ኣነ ሕማቅ ስለዘየጋጠምኒ ጥዑማትን ናይ ሰብ መሰል ዘኽብሩን ኢለ'የ ክገልጾም ዝኽእል።

ክእለት እንተዝህልወኒ'ሞ ክቕይሮ ዝደሊ ነገር እንተሃልዩ፤ ውሕስነት ሰላም እስራኤልን ዓለምን ንምርግጋጽ ፍልስጤማወያንን እስራኤላወያንን ሓቢሮም ብፍቅሪ ዝነብሩሉ ኩነታት ብምጥጣሕ ኣደ ክልቲኤን ሃገራት ዘይበኽያሉ ኩነታት ምፈጠርኩ። ኣብ ዓደይ'ውን ከምኡ።
እስራኤል ጸሓይ እትበርቀሉ ዓዲ ስለ ዝበሃል፤ ንጉሆ ተበራቢረ ብመስኮተይ ኮይነ ጽሓይ ብራቅ እናኣማዕደኹ ኔው ነጀው ዝብላ መኻይን እናተዓዘብኩን፡ ናብ ኣምላኸ ሰለ ሰላምን ፍቅርን ዓለም ከምኡ'ውን ብዛዕባ መጻኢ ሂወተይ ምጽላይ ደስ ይብለኒ።
ከም ቁርሲ ድማ ክትሓልፈኒ'ውን ኣይደልን።
ካብ ዓደይ ዝናፍቖምን ዝረኣዩንን ነገራት፡ ፈለማ ፍቅሪ ወለዲ፡ ስዒቡ ከኣ እቶም መለለይና ዝኾኑ ክቡራት ባህላዊ በዓላትናን ልምድታትናን'ዮም። ስለዚ ኣብ ዘለኽዎ ዓዲ ኮይነ እዝክሮምን አብዕሎምን።
ብብዝሒ ዘዘውትሮ መግቢ እንጀራ'ዩ። ምስራቅ እተባህለት ቤት ብልዒ ወናኒት ከም ምዃነይ መጠን መብዛሕትኡ እዋን መግበይ'የ ዝፈትዎ። ብፍላይ ማሕበራዊ ዝበሃል እመርፆ፤ ኩሉ ዓይነት ኣሕምልትን ስጋን ዘጠቃለለ መኣዲ'ዩ ጣዕሚ ኩሉ እትቋደሰሉ እዩ።

ካብ ናይ እስራኤላወያን ከኣ 'ስኒጸል' ዝተባህለ ምስ ዝተፈላለየ ቀመማት ብዘይትን ሓርጭን ዝጥበስ ጥብሲ ደርሆ ኮይኑ ኣዝዩ ጥዑም'ዩ።
ናይ ምኻድ ዕድል ኣሎኒ እንድዩ፤ ወትሩ ክዓርፈሉ ዝብህጎ ከኣ ተወሊደ ዝዓበኹሉ ጎንደር ብድሕሪኡ ድማ ናብ ስድራይ ዘለውሉ ዓዲ መቐለ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







