ዘይተሰምዐን ዘይተዘርበሉን ሕቶ ኮንሶ

ባህላዊ ንጉስ ኮንሶ ካላ ገዛሀኝ
መግለጺ ስእሊ, ባህላዊ ንጉስ ኮንሶ ካላ ገዛሀኝ ብምህንድስና ዝተመረቑ እዮም

ኣወዳድባና ብዞባ ወይ ድማ ብክልል ይኹነልና ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ይለዓሉ'ዮም። ካብኣቶም ሓደ ኣብ ኮንሶ ዝለዓል'ብዞባ ንወደብ' ዝብል ሕቶ እዩ።

ትማሊ ኣብ ሓፂር ግዜ ስልጣን ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ይረጋገፁ ኣለዉ ዝበልዎም ለውጥታት ንምድጋፍ ኣብ ዝካየድዎ ሰልፊ ዝተቓልሐ ሕቶ'ውን ኮይኑ።

ብሰንኪ ዝተፈጠሩ ጎንፅታት ዝተታሕዙ እሱራት ንኽፍትሑ እውን ሓቲቶም።

ብኻልእ ገፅ ካብ 2008 ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ንኮንሶ ብዝግባእ ኣይወከሉን ዝበልዎም ኣብ ክልል፣ ባይቶታት ፌደሬሽንን ወከልቲ ህዝብን ዘለዉ ወከልቶም ካብ ስልጣኖም ክእለዩ ሕቶ ኣልዒሎም።

ዝረኸብናዮ መረዳእታ ከምዘመልክቶ ህዝቢ ኮንሶ ዞባ ናይ ምዃን ሕቶ ካብ ዘልዕለል ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ነቲ ናይ ትማሊ ሓዊሱ ንመበል 23 ግዜ ዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ ኮይኑ'ሎ።

ኣብቶም ዝተኻየዱ ሰልፍታት ጎንፅታት እናተፈጠሩ ህይወት ሰብ ጠፊኡ'ዩ። ብዙሓት ተኣሲሮም። ካብ ሞንጎ ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰባት ሓደ ባህላዊ ንጉስ ብሄር ኮንሶ ካላ ገዛሀኝ ወልደ ዳዊት ሓደ እዮም።

ሕጋውነት ሕቶ ኮንሶ

ካላ ከምዝብልዎ እቲ ብደረጃ ዞባ ክንውደብ ኣለና ዝብል ሕቶ፡ ምስ ካልኦት ብሄረሰባት ኣብ ዝነብሩሉ ክልል ንመንነቶም መሰረት ጌሩ ዝበፅሖም ጉድኣት ዝገበረ እዩ።

"ቀበሌታትና ተነክዮም። ኣብቲ ዞባ ብዝነበረ ናይ ስልጣን ውድድር ምስ ካልኦት ብሄረሰባት ዝነበረና ርክብ ክበላሾ ጌሩ" ዝብሉ ካላ፡ ነገራት ክመሓየሹ ንኣርባዕተ ዓመታት ድሕሪ ምፅባይ ነቲ ሕቶ መሊሶም ከምዘልዓሉ ይዛረቡ።

ብዝሒ ህዝቢ፣ ዝተምሃረ ሓይሊ፣ ምንጪ እቶትን ቁጠባዊ ዓቕምን እቲ ሕገ-መንግስቲ ብዘነፀሮ ረቛሕ መሰረት ግቡእ ከምዝኸነ ይኣምኑ።

ብምኽንያት ዝለዓሉ ሕቶታት ጎንፅታት እናተወልዑ ብዙሓት ኣካላዊ መጉዳእቲ ኣጋጢምዎም። ህይወት ሰባት ጠፊኡ፤ ካብ ስርሖም ዝተሰጎጉ'ውን ኣለዉ።

ኣብ መወዳእታ ዝተውሃቦም መልሲ 'ዞላ ክትኾኑ ኣይትኽእሉን' ዝብል'ኳ እንተነበረ ህዝቢ ብሄር ኮንሶ ብፀጋ ከምዝተቐበሎ የዘኻኽሩ። ሕጉሳት'ውን ነይሮም።

ከመይ ክሕጎሱ ኪኢሎም?

"ክልል ደቡብ ነቲ ሕቶ ናይ ፅሑፍ መልሲ ክህብ ከሎ ንመጀመርታ ግዜ ነይሩ። ነዚ ድማ ምስጋና ኣቕሪብና። ዝደለይዎ እናተኸልኡ ብኸመይ ሕጉሳት ኮይኖም ዝብል ዘገርም ኮይኑ ኔሩ" ይብሉ።

እቲ መልሲ ከምቲ ዝተጸበይዎ ወላ እንተዘይነ ሕቶኦም ብቑም-ነገር ክረአ ምኽኣሉ ሕጉሳት ጌርዎም። ቦት ረኺብካ ክትስማዕ ምኽኣል ሓደ ድልየቶም ስለዝነበረ።

በቲ ዝተሃቦም መልሲ ብዘይምዕጋቦም ግን ናብ ባይቶ ፌደሬሽን ክወስድዎ ወሲኖም። በዚ ውሳንኦም ሕጉስ ዘይነበረ ክልላዊ መንግስቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ከምዝወሰደ ይገልፁ።

በቲ ሽዑ እዋን ወሃቢ ቃል ባይቶ ፌደሬሽን ዝነበሩ፡ እቲ ጉዳይ ንክልል ዝምልከት'ዩ ክብሉ ምስመለስዎ፡ እቲ ውሳነ ንሕገ-መንግስቲ መሰረት ዝገበረ ኣይኮነን ብዝብል ቅርታ ከእትዉ ኪኢሎም።

ጥርዓኖም ተቐባልነት ረኺቡ እናሃለወ ዳግማይ ከምዝተኣሰሩ ይዛረቡ። ካላ ገዛሀኝ ንኣስታት 20 ዓመታት ተኣሲሮም ምስ ፀንሑ ቅድሚ ሰሙናት ተፈቲሖም።

ካላ ገዛሀኝ ምስ ሓዎም
መግለጺ ስእሊ, ካላን ሓዎምን ብ2013 ኣብ ሓደ ዓለም ለኻዊ ኣኼባ ንምስታፍ ናብ ሞስኮ ከይዶም ነይሮም

ንጉስ ኮንሶ ካላ ገዛሀኝ ብምህንድስና ዝተመረቑ ኮይኖም፡ ወላዲ ኣቡኦም ህይወቶም ምስሓለፈ ስርሖም ኣቋሪፆም ንህዝቦም ከገልግሉ ናብ ዓዶም ተመሊሶም።

ናይ ኮንሶ ባህላዊ መራሒ ብምዃን ነቲ ዝለዓል ሕቶ ይመርሑ ዝነበሩ'ውን በዚ ምኽንያት'ዩ። ንዝተውሃቦም ሓላፍነት ድማ ዝለዓለ ክብሪ ይህቡ።

ኣብ ኮንሶ ምስ ዝለዓል ሕቶ ብዝተኣሳሰረ ካብ ዝተኣሰሩ ሰባት መብዛሕቲኦም'ኳ እንተተፈትሑ ገና ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣለዉ።

እቲ ሕቶ ከምዝቕፅሉሉ ዝገልፁ ካላ "ጉድኣት በፂሑ'ዩ። ዝሓለፈ ሓሊፉ'ሎ። ህዝብና ኣረጋጊእና በዚ ክንቕፅለሉ ኢና" ኢሎም።