መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ በረራ ክጅምር እዩ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ

ልኡኽ ኤርትራ ኣዲስ ኣበባ እንትኣቱ

ምንጪ ስእሊ, FITSUM AREGA

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ቀረባ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ በረራ ከም ዝጅምር ኣፍሊጦም።

ነዚ ዝገለፁ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ምስ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ብሄራዊ ቤተ-መንግስቲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበራዊ መግለፂ እዩ።

ቀፃሊ ሓድሽ ዓመት 2011 ዓ፡ም ኣብ ከተማ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ስለዝኽበር ነዚ ሓበራዊ በዓል ንምድማቕ ከየንቲ ተዳለዉ ኢሎም።

ኣብ ምፅዋዕ ንምዝናይ ዝናፈቕኩም ኢትዮጵያውያን እውን ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ በረራ ስለዝጅምር ድሉዋት ኩኑ፡ ክብሉ ተዛሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ብሄራዊ ቤተ-መንግስቲ መግለፂ እንትህቡ

ምንጪ ስእሊ, EBC

ሰብ ንምቕታል ድቃስ ካብ ንስእን ከመይ ገይርና ኢና ንምዕራብ ትግራይን ምስኡ ዝዳቦብ ክፋል ኤርትራን ኣራኺብና ብሓባር ነልምዖ?

ከመይ ገይርና ኢና ዶብ ኣልቦ ኮይንና ሓባራዊ ሰላም ብሓባር ንሕሉ፡ እቲ ዝጎደለና ካብኦም ሓቲትና እቲ ዘለና ድማ ምስኦም ተማቒልና፡ ብሓበር ክንነብር ንኽእል ዝብል ሓሳብ ንዓና ይጠቕመና እዩ ክብሉ ፡ ነዚ ጉዳይ ኣፅንዖት ሂቦምሉ።

ምስ ኤርትራውያን ኣሕዋትና ፍቕሪ ጥራሕ እዩ ዘዋፅአና ብምባል ድማ፡ ዘተ ሰላም ክልቲአን ሃገራት ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ።

እታ ሃገር ንዜጋታት ፍቕሪ እንበር ባእስን ቂምን ክተውርስ ከምዘይግባእ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ኢትዮጵያውያን ህፃናት፡ ኣብ ኤርትራ ኣሕዋት ከምዘለዎም እናፈለጡ ክዓብዩ ከምዝደልዩን፡ ኤርትራውያን እውን ተመሳሳሊ ድሌት ክህልዎም ኣተስፍዮም።

ኤርትራውያን ኣሕዋትና ኣብዚ ክራማት ናብ ኢትዮጵያ መፂእኹም ሃገርኩም ክትህውፁ ድማ ንላቦ፡ ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።