ኣብ ህንዲ፡ ፆታዊ ዓመጽ ጓል 8ተ ዓመት ህፃን ናዕቢ የላዕል

ምንጪ ስእሊ, Courtesy family of Asifa Bano
ኣሲፎ ባኖ፡ ካብ ዘላን ቀቢላት ኮይና፡ አስከሬና ብ 17 ጥሪ ኣብቲ ብህንዲ ዝማሐደር ካሽሚር ጫካ ተደርቢዩ ተረኪቡ።
እዚ ዜስካሕክሕ ጭካነ ሃይማኖታዊ ኣንፈት ብመሐዙ ንቡዙሐት ኣቆጢዑ'ሎ።
ፖሊስ እታ ሃገር ዛጊት ሐደ ቐልዓ ዝርከብዎም 8ተ ሰብኡት፡ ሰበስልጣን መንግስቲ ነበርን፡ 4ተ ፖሊስን ኣብ ቐይዲ ኣእቲዩሎ።
እቲ ምእሳር ግን ካብ የማናዊ ክንፊ ሰልፊ ሂንዱ ተቃውሞ ይገጥምሎ። ክልተ ላዕለዎት ሰበስልጣን እቲ ሰልፊ ነቶም ዝተኸሱ ብምድጋፍ ዓቢ ተቃውሞ የካይዱ ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ ሓላፊ ተቃዋሚ ሰልፊ ራሁል ጋንዲሂ ፤ ኣብ ደልሂ ናይ ዝኽሪ ሸምዓ መብራህቲ መሪሑ። ነዚ ኣረሜናዊ ገበናት ኣንጻር ደቂንስቲዮ ዝፍጸም ዘሎ ኣብ ኣተኩሮ ንምምጻእ፡ ዝያዳ ኣድማታት ተዳሊዮ ከምዘሎ'ውን ይግለጽ ኣሎ።
ዋና ጸሐፊት ማሕበር ደቂ ደቂንስቲዮ ኣብ ደልሂ ፡ ሰዋቲ ማሊዋል ኣብ ዝሃበቶ መብረሂ ካብ ዓርቢ ጀሚራ ክተጸውምን፡ ዝሐሸ ውሕስነት ደቂንስቲዮ ከምትጠልብን ሓቢራ። ካልኦት ወገናተ'ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከም ዝወስዱ ገሊጾም።
ቅድሚ ሓደ ዓመት ወዲ 55 ዓመት ኩለዲፕ ስንነሃ ሰንጋር ካብ በጀፒ ሰልፊ ፡ ብተመሳሳሊ ተኸሲሱ ከምዝነበረን፡ ጉዳይ እታ ዝተዓመጸት ጓል ከኣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣፍደገ እቲ በዓል ስልጣን ነፈሰቅተለት ምሰፈተነት ብፖሊስ ክረኣ ከምዝተመዝገበ ይፈለጥ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







