ኣብ ቆቦ ብዝተፈጠረ ዕግርግር ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ዕንወት ወሪዱ

ኣብታ ከተማ ትማሊ ኣጋምሸት እዩ ዕግርግር ተጀሚሩ። ህዝባውን መንግስታውን ትካላት ድማ ተባሪዖም።
ሎሚ ረፋድ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ወረዳ ዘሎ ዘመናዊ ልምዓት ሕርሻ ሰባት ሓዊ ሮኲዖምሉ።
ብሰንኪ'ዚ ብእሰራኤላውያን ክኢላታትን ቴከኖሎጂን ዝምራሕ 'ኪወ' ዘመናዊ ልምዓት ሕርሻ ኣብ ግራት ዝነበረ ምህርቲ ምሉእ ንምሉእ ከምዝዓነወ ሰብ ዋና እቲ ትካል ንቢቢሲ ገሊፆም።
ኣብ ልዕሊ ብሆላንዳውያን ዝምራሕ ዘመናዊ ልምዓት ሕርሻ እውን ከቢድ ዕንወት ከም ዝበፀሐ መሰኻኽር ዓይን ተዛሪቦም።
መናእሰይ ናብ 'ዘለቀ' ልምዓት ሕርሻ ብምኻድ ብርክት ዝበለ መሳርሒ ሕርሻ ከምዘባርዑ እውን እቶም መሰኻኽር ይገልፁ።
ብተወሳኺ ኣብያተ ፅሕፈት ትምህርትን ውድብ ብኣዴንን እውን ብሓዊ ከምዝተቓጸሉ ተፈሊጡ'ሎ።
ኣባይትን ትካላተን ደገፍቲ መንግስቲ እዮም ዝተባህሉ ውልቀ ሰባት እውን ተባሪዑ ኣሎ።
ንቢቢሲ ቃሎም ዝሃቡ ሰባት ግና "ተጋሩ ካብ ዓድና ይወፁኡልና!" ይብሉ ምንባሮም ነጊሮሙና።
እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ብተወሳኺ፥ ኣብቲ ከባቢ ዕጡቓት ከምዘለዉን፡ ኮይኑ ግና ወላ ሓንቲ ስጉምቲ ከምዘይወሰዱን ብሰንኪ እዚ ድማ እዩ እቲ ዕንወት ገዲዱ ኢሎም።
ነበርቲ እታ ከተማ፡ ንሓይልታት ፀጥታ፡ እቲ ኩነታት ባዕልና ክነህድኦ ኢና ከይትትንክፉዎም ከምዝበልዎም እውን ንምፍላጥ ተኻኢሉ'ሎ።
ድሕሪ ቐትሪ ግን ህዝቢ እታ ከተማ ሰላም ረኺቡ ከምዝወዓለ እቶም መሰኻክር ይገልፁ።
መናእሰይ ቆቦ ብሰንኪ ዝፈጠርዎ ዕግርግር ሰባት ምሟቶም ተሓቢሩ ኣሎ፡ ይኹን እምበር ገና መንነትን ቁፀሪ መወትቲን ብልክዕ ኣይተፈልጠን።
ኣብዚ ጉዳይ መብርሂ ክህቡና ንምምሕዳር እቲ ወረዳ፣ ንቤት ፅሕፈት ጸጥታን ፖሊስን፣ ንቤት ፅሕፈት ርክብ እቲ ክልል ደጋጊምና ስልኪ ደዊልና ክንረኽቦም ኣይካኣልናን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







