ሚስጥራዊ ዲያሪ ደቂ ኣንስትዮ ቺቦክ - ሻምናይ ክፋል

ኣብ ሻብዓይ ክፋል ዛንታ ግዳያት መጭወይቲ ቦኮ ሓራም፡ ብዛዕባ ገለ ክሃድማ ዝፈተናን ብነበርቲ እቲ ከባቢ ተታሒዘን ናብቲ ጉጅለ ዕጡቓት ክምለሳ ይግበር ምንባሩን ተዘንትዩ ነይሩ።
እተን መሊሶም ዘረከብወን ደቀ-ኣንስትዮ፡ ብሓለንጊ ምስተገረፋ፡ ከምዝቐትልወን ይሕነዩለን ምንባሮም እውን ቀሪቡ። ሻምናይ ክፋል ይቕፅል...

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
8) ምጥቕቓን
ዋላ ሓንቲ ከይተረፈት ኩለን እተን ደቀ-ኣንስትዮ፡ ናብ ሙስሊም እንተተቐይረን ናብ ስድርአን ከምዝመልስወን ተነጊርወን ነይሩ። እተን ንዝቐረበለን ኣማራፂ ቅቡል ዝገበራ ድማ ክስደዳ ብዘይምኽኣለን፡ ነተን ንቲ ዝቐረበ ሓሳብ ዝነፀጋ ክወቕስአን ጀሚረን።"
"እተን ንሃይማኖት እስልምና ክቕበላ ዘይደለያ፡ ከም በጊዕ፣ ላሕሚን ጤልን ዝቑፀራ እየን።...ክቐትልወን እዮም...ካብኡ ድማ ማላም ኣባ (ሓደ ካብቶም ዕጡቓት) 'ነተን ኣይንቕበልን ዝበላ ፍለይወን፡ ናብተን ሙስሊም ዝኾና ከይሕወሳ።' ኢሉ።
ተፈሊና ክንፀንሕ ገይሩና። ንዓኣተን ዝኸውን ቦታ ክፈልዩለን እዮም። ሓደ ካልእ ሰብ ግን ኣይኸውንን ኢሉ። በዚ'ውን ሓቢርና ክንፀንሕ ክኢልና። ንሶም ምስከዱ፡ 'ናብ ገዛና ንከይንምለስ ንገብር ዘለና፡ ሙስሊም ኣይንኸውንን ንብል ዘለና በዓልትና ኢና' ክንብል ተዘራሪብና"
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







