ንሰራሕተኛታቶም ካብቶም ንፈልጦም ዝተፈለዩ መተባብዒ ዝህቡ ትካላት

ምንጪ ስእሊ, Adam Bradford/Jordan Swain
ህርፋን፡ ሓደሽቲ ሰራሕተኛታት ኣዒንቶም ካብ ሓደ ስራሕ ናብ ካልእ ከዝሩ ዝገብር "ስስዐ ኣይኮነን"። እኳ ድኣስ ፅቡቕ መሃያ ኣብ ዝኸፍሎም ዘይኮነስ ንዝሓሸ ህይወት ፅቡቕ መተባብዒ ንዘቕርበሎም ትካል ተቖፂሮም ክሰርሑ ድልየት ክሓድሮም ይገብር።
ኣዳም ብራድፎርድ ካብ ለንደን፥ ጆርዳን ስወይን ካብ ካሊፎርንያ፥ ኣብ ህይወት ሰራሕተኛ ትርጉም ዘለዎ መተባብዒ ዘቕርብ ትካል ብዘይምርካቦም ዓርሶም ዝውንንዎ ስራሕ ክሰርሑ ወሲኖም።
ብማሕበራዊ ገፅ ኢንስታግራም ዝተራኸቡ መሳርሕቲ፥ ኣብ ኣርባዕተ ኣህጉራት ናብ ዝርከባ 30 ሃገራት በፂሖም። ዕላማ ጉዕዞኦም ድማ ብራድፎርድ ስወይን ንዝሰመይዎ ኣማኻሪ ትካል መፅናዕቲ ንምክያድ እዩ።
ጆርዳን ከምዝበሎ ዓርሶም ኪኢሎም ምንቅስቓሶም፡ ናብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ከይዶም ክሰርሑ ከምዝከኣሎም የረድእ።
"ኣብ ሞሮኮ ካብ ዝርከብ ካፌ፥ ካብ ገምገም ባሕሪ ኬንያ ኮነ ካብ ማእኸላይ ለንደን ኮይንና ክንሰርሕ ምኽኣልና ፈቲናዮ ኣለና" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ልክዕ ከም ኣዳምን ጆርዳንን ዓርሶም ኪኢሎም ክሰርሑ ዝመርፁ ካልኦት ሰባት እውን ቁጽሮም እናወሰኸ'ዩ። ነዚ ስዒቡ ብርክት ዝበሉ ትካላት ንሰራሕተኛታቶም ፍሉያትን ዘህርፉን መተባብዒታት ኣብ ምቕራብ ይርከቡ።
ኮይኑ ግን ከምዚኦም ዝበሉ ሓለፋታት ኩል ግዜ ብእወታ ጥራሕ ዝግለፁ ኣይኮኑን።
"ቖፂሮም ዘስርሕዎም ትካላት፥ ከም መግቢ፣ ወፃኢታት ሕክምናን ኣብ ገዝኦም ንዝህልውዎም ድግሳት ዘድምቑ መስተታትን ዘቕርቡሎም ሰባት ኣዘራሪበ ነይረ" ይብላ ምህርቲ ስነ-ልቦና ዶክተር ሳንዲ ማን።
"ኣሉታዊ ውፅኢቱ ድማ እቶም ሰራሕተኛታት ብትካሎም ዝውነኑን ግድን ህይወቶም ከውፍዩ ከምዘለዎምን ከምዝስመዖም ምግባሩ እዩ። ስርሖም ስለዝበልዖ ኣብ ደገ ዘሕልፍዎ እኹል ግዜ ኣይህልዎምን" ክብላ ድማ የተሓሳስባ።
እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ግን ንገለ ብሉፃት ዳህሲስናለና።

ነፃ መዓልታት ዕረፍቲ
ካብ መን፡ ኤይርብንብን ማሲልዶዌን

ምንጪ ስእሊ, Macildowie
ኤይርብንብ ኣብ ክራይ ገዛውቲ ዝሰርሕ ድሕረ-ገፅ እዩ። ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ሰራሕተኛታቱ ናብ ዝደለይዎ ክፋል ዓለም ከይዶም ክህደሱ ክሳብ 2,000 ዶላር ኣሜሪካ ወፃኢኦም ይሽፍነሎም።
እዚ ትካል'ዚ ኣብ 2016 ንስራሕ ዝምችእ ብሉፅ ትካል ተባሂሉ ብድሕረ-ገፅ ግላስዶር ተሓርዩ ነይሩ። ወፃኢታት ጉዕዞ ብምሽፋን ዝግበር ምትብባዕ ሰራሕተኛ ድማ ሰሓባይ ኮይኑ ይውሰድ።
ሮው ዳቪስ ኣብ ማሲልዶዌ (ትካል ምቁፃር ሰራሕተኛታት) ብላዕለዋይ ኣማኻርነት ትሰርሕ። እቲ ትካል ሰርሕተኛታቱ ንምትብባዕ ወፃኢታት ብምሽፋን ፅቡቕ ግዜ ዕረፍቲ ከሕልፉ ይገብር። ትልሚታት ትካላ ኣብ ምዕዋት ብቕዕቲ ዝነበረት ሮው ድማ ናብ ኒውዮርክን ላስቬጋስን ክልተ ጉዕዞታት ክትገብር ዕድል ረኺባ።
ሮው ብዛዕባ'ዚ እንትትዛረብ "ብድሕሪ'ቲ ዝረኸብካዮ ፈላማይ ዕድል ጉዕዞ፡ ኣብቲ ዝቕፅል እውን ክትተርፍ ኣይትደልን። ንዕኡ ክትረክብ ድማ ጠንኪርካ ክትሰርሕ ከምዝግብኣካ ትግንዘብ" ትብል።
ዘይተገደበ ግዘ ዕረፍቲ ምስ ክፍሊቱ
ካብ መን? ኔትፍሊክስ፣ ሊንኪድንን ቨርጂን ማኔጅመንትን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኔትፍሊክስ ዝተብሃለ ትካል ገደብ ኣልቦ መዓልታት ዕረፍቲ ብምትእትታው መሪሕነት ይሕዝ። "ፖሊሲና ዕረፍቲ ውሰዱ እዩ፡ ኣብ ዓመት ክንደይ ሰሙናት ከምዘለው ዝከታተል ሕግን ሰርዓትን የብልናን" ይብል ኣብ ናይ ባዕሉ ድሕረ-ገፅ።
ብተመሳሳሊ ማሕበራዊ መራኸቢ ሊንክዲን ብወገኑ፡ ኣብ ኣሜሪካ ንዝርከቡ ሰራሕተኛታቱ ግዜ ዕረፍቲ ብዘይ ገደብ ይፈቅድ። ሰራሕተኛታቱ "ተዓፃፃፍነት ክህልዎምን ክተባብዑን" ከምዝገብረሉ ድማ ይገልፅ።
ቨርጂን-ማኔጅመንት (ኩባንያ ኢንቨስትመንትን ፍቓድ ምልክት ንግዲን) እውን ኣብ 2014 እዩ ነዚ ፖሊሲ ኣታኣታትዩ።
ሻሮን ፖምልስ ዝተብሃላ ኣባል ኣመራርሓ'ቲ ትካል ከምዝሓበርኦ ሰራሕተኛታት፡ ኩሎም ነቲ ውሳነ ብታሕጓስ ተቐቢሎምዎ። ክሳብ ክንደይ ሰራሕተኛታት በቲ መተባብዒ ከምዝረብሑ ግን ሊንከዲን ኮነ ቨርጂን ማኔጅመንት ዝሃብዎ ኣሃዝ የለን።
ዘይተገደበ መዓልታት ዕረፍቲ ዘገርም እንትኾነ'ውን ብድሕሪት ዘሎ ሓቂ ግን ዝተፈለየ ክኸውን ይኽእል።
ንፎረም ቁጠባ ዓለም ዝፀሓፉ ምሁር ስምዒታት ዶክተር ትራቪስ ብራድቤሪ "ናፅነት፡ ሰራሕተኛታት ጥንኩር ስምዒት ዋንነትን ተሓታትነትን ንክሓድሮም ይገብር" ይብሉ።
እንቃቑሖ ምፅናሕ
ካብ መን? ኣፕልን ፌስቡክን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣፕልን ፌስቡክን ቆፂሮም ንዘስርሕወን ደቂ-ኣንስትዮ ንምስሓብ ሓደ ኣዘራራቡ መተባብዒ ተግባራዊ ይገብሩ ኣለው። እቲ ምትብባዕ ምስ ወሊድ (ምትካእ ዘርኢ) ይተሓሓዝ።
ኣብ ኣሜሪካ ዝርከባ ሰራሕተኛታቶም እንቃቁሖአን ኣብ ላብራቶሪ ንከፅንሓ ክሳብ 20,000 ዝበፅሕ ክፍሊት ይሽፍኑለን።
"ኣብ ኣፕል ዝሰርሓ ደቂ-ኣንስትዮ ክንድዝከኣለን ብሉፅ ስራሕ ንክሰርሓ ክነተባብዐን ንደሊ ኢና።" ኢሉ ነይሩ እቲ ትካል ብ2015 ኣብ ዝሃቦ መግለፂ።
እንቃቁሖአን ኣብ ላብራቶሪ ክፀንሕ ዝግበር ድሕሪ ግዜ ንክወልዳ ውሕስና ንምሃብ እዩ። ድልዋት ክሳብ ዝኽና'ውን ናይ ምውላድ ዕድለን ዓቂብካ ንምፅናሕ እዩ።
እዚ ሓሳብ ግን ተቓውሞ ገጢምዎ ነይሩ እዩ። ገለ ዝቃወሙ ኣካላት ደቂ-ኣንስትዮ ስድራ ንከይህልወን ፀቕጢ ዘሕድር ምዃኑ ይገልፁ። እንቃቁሖ ኣብ ላብራቶሪ ክፀንሕ ዝግበረሉ ከይዲ'ውን ዕውት ከምዘይኮነ ይዝረብ።
ከልብኻ ናብ ስራሕ ሒዝካ ምምፃእ
ካብ መን? ንጉግልን ማርስ ፔትኬርን ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ኣስራሕቲ

ምንጪ ስእሊ, Hubble
ኣብ ንሰርሓሉ ቦታ ክህልው ካብ እንደልዮም ካልኦት ነገራት ንላዕሊ፡ ዝለመዱ እንስሳት ኣብ ጎንና ክህልዉ ከምዝምረፅ ዝዛረቡ ኣካላት ኣለው።
ጉግል ከልቢ ብዝፈትዉ ሰራሕተኛታት ከምዝተመልአ ይዝረበሉ። ኣብ መመሓደሪ ደንቡ'ውን "ድሙ ንፈቱ ኢና፡ ኮይኑ ግን ኩባንያና ንከልቢ ዘተኣናግድ እዩ" ይብል።
ነፃ ግዜ ዕረፍቲ ኮነ ናብ ስራሕ ከልቢ ሒዝካ ምምፃእ ኣብ ገዛን ስራሕን ኣብ ዝፈጥሮ ህይወት ምዝባዕ እናዓበየ ይመፅእ ኣሎ።
ሰብ ሞያ ስነ-ልቦና ግን ኣሉታዊ ሳዕቤናቱ የተሓሳስቦም። "ኩሉ ካብ ስራሕ ከዕርፍ ይደሊ...ምትራፍ ይበዝሕ" ይብላ ዶክተር ሳንዲ ማን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







