እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ትማሊ ዝተኸበረ በዓል ኢሬቻ ብሰላም ተዛዚሙ
በዓል ኢሬቻ ኣብ ዝኽበረላ ከተማ ቢሾፍቱ ካብ ንጉሆ ጂሚሩ ክወቅዕ ዝጀመረ ዝናብ ንህዘቢ ካብ ምትእኽኻቡ ዘተኣጓጎለ ኣይነበረን። መልእኽትታት ተቓውሞ ዝሓዘሉ ደርፊታትን ጭርሖታትን እንተተሰምዑ'ውን ብሰላም ተኸቢሩ።
ድሕሪ ጉዕዞ እግሪ ሓደ ሰዓትን ፈረቓን እቲ በዓል ናብ ዝኸበረሉ ሆራ ሃርሰዴ ዝበፅሑ ኣባገዳታት (ሃይማኖታውን ባህላውን መራሕቲ) ነቲ በዓል ኣኽቢሮም ብሰላም ተመሊሶም።
ኣብቲ በዓል ካብ ንጉሆ ጀሞሮም ተቓውሞኦም ዝገልፁ መናእሰይ ድምፆም የስምዑ ከምዝነበሩ ኣብቲ ቦታ ዝተረኸበ መሳርሕትና ሓቢሩ።
ካብ ወከልቲ ኣባገዳ ኮኑ መንግስታዊ ኣካል መደረ ዘስምዐ ኣይነበረን።
ሎሚ ዓመት ኣብ ዝተኸበረ በዓል ኢሬቻ መንግስቲ ዝኾነ ዓይነት ብፅሒት ኣይክህልዎን ተባሂሉ ምንባሩ ይዝከር።
ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ እቲ በዓል ካብ ዝተኸበረሉ ቦታ ኣስታት ክልተ ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ዝነበረ እንትኸውን፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ከምዝሓበሮ ድማ ፖሊስ ብዘይ ዕጥቂ ስርሑ ፈፂሙ እዩ።
ኮይኑ ግን ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ዝተዓጠቑ ፖሊሳት ተራእዮም እዮም።
ኣብቲ በዓል ክሳተፍ ካብ ከተማ ሰበታ ዝመፀ መንእሰይ ኣለሙ ኣረጋ "ሎሚ ዓመት ዝተኸበረ በዓል ዘሕጉስ'ዩ" ክብል ገሊፁ።
"ናይ ሎምዘበን በዓል ካብ ናይ ዓሚ ብዝተፈለየ ዘሕጉስን ሰላማውን'ዩ" ዝበለት ድማ ካብ ሻሸመኔ ዝመፀት ሃምዚያ በሪሶ እያ።
ኣብቲ በዓል ክሳብ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ተሳተፍቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ከምዘይተዓዘበን ኣባላት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዯጵያ ህፁፅ ሓገዝ ንምሃብ ድልዋት ከምዝነበሩን ፀብፃብ መሳርሕትና የመልክት።