ኣብ ዩጋንዳ ቁፅሪ ኣቦነቶም ከረጋግፁ ዝደልዩ ደቂተባዕትዮ ከም ዝወሰኸ ተገሊፁ

ዘርኢ ወዲተባዕታይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዩጋንዳ ቁፅሪ ኣቦነቶም ከረጋግፁ ዝደልዩ ደቂተባዕትዮ ኣዝዩ ከም ዝወሰኸ ተገሊፁ።

ወሃቢቃል ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ሲሞን ሙንዴይ፡ ኣብዚ እዋን ቁፅሪ ምርመራ ኣቦነት ክገብሩ ዝደልዩ ደቂ ተባዕትዮ፡ 70 ሚእታዊት ከም ዝበፅሐ ሓቢሩ።

ኣብታ ሃገር፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ወርሒ ሰለስተ ኣቦነት ዘረጋግፅ ምርመራ ዲ-ኤን-ኤ ይግበሩ ነይሮም።

ኣብዚ እዋን ግና፡ እቲ ኣሃዝ ከም ዝዛየደን፡ ኣብ ሓደ ወርሒ ጥራሕ ኣስታት 100 ደቂተባዕትዮ ምርመራ ኣቦነት (ዲ-ኤን-ኤ) ከም ዝገብሩ እቲ ወሃቢቃል ገሊፁ።

መንግስቲ እታ ሃገር፡ መረጋገፂ ምርመራ ኣቦነት ንምንታይ ክንድዚ ከም ዝወሰኸ ርግፀኛ ከም ዘይኮነ እዩ ዝግለፅ ዘሎ።

ሲሞን ሙንዴይ ንተሌቬዥን ኤንቲቪ ዩጋንዳ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ሓደ ሓደ ደቂተባዕትዮ ንዘይወለድዎም ቆልዑ የዕብዩን ይሕብሕቡን ከምዘለዉ ተረዲኦም ኣለዉ” ኢሉ።

ብዙሓት ዩጋንዳውያን ደቂተባዕትዮ፡ ሕቶ ኣቦነቶም ንምምላስ ምርመራ ዲ-ኤን-ኤ ኣማራፂ ከም ዝገበርዎ ይግለፅ።

ኣብዚ ሰሙን እዚ ዝተገበሩ ምርመራ ዲ-ኤን-ኤ ዝፀርሐ እቲ ወሃቢቃል፡ ካብ 12 ምርመራ መረጋገፂ ኣቦነት-ዲ-ኤን-ኤ፡ እቶም ክልተ ጥራሕ ትኽክለኛ ኣቦ ኮይኖም ከም ዝተረኸቡ ሓቢሩ።

ፕረዝደንት ሕብረት ኣደታት ግዝኣት ቡጋንዳ ጆሴፊን ካሳቶ ብወገና፡ ብኸምዚ ዓይነት ምርምራ ዝሓልፉ ስድራ ንምሕጋዝ፡ ኣገልግሎት ማዕዳ ክህሉ ይግባእ ክትብል፡ ንኤንቲቪ ዩጋንዳ ተዛሪባ።

እቶም ምርመራታት ዲ-ኤን-ኤ፡ ኣብ ርእሰከተማ እታ ሃገር ካምፓላ ኣብ ዝርከብ መንግስታዊ ቤተ-ቅምሶ (ላባራቶሪ) እዮም ዝካየዱ ዘለዉ።

ሓደ ግዘ ምርመራ ዲ-ኤን-ኤ ዝገብሩ ሰባት ድማ፡ ኣስታት 100 ዳላር ይኸፍሉ።