ተሓቢኡ ናብ ሓደ ድኳን ዝኣተወ ዝብኢ ዝፈጠሮ ስንባደ

ምንጪ ስእሊ, CITIZEN DIGITA
ኣብ ኬንያ ከተማ ናኩሩ ብሮቡዕ ንጉሆ ናብ ስራሑ ዝወፈረ ሰብኣይ፡ ኣብታ ንእሽቶ ድኳኑ ቀልጢፉ ዘየለለዮ ሓደ “ዘገርም እንስሳ” ብምርካቡ ኣዝዩ ሰንቢዱ።
ፍሬድሪክ ኦሙንጉ ኣብ መጀመርታ እቲ እንስሳ እንታይ ምዃኑ ስለ ዘይፈለጠ ከም ዝፈርሐ'ዩ ዝዛረብ።
“ከልቢ ከም ዘይኰነ ግልጺ’ዩ፤ ነብሪ ወይ ካልእ’ዩ ዝኸውን ኢለ ገሚተ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ድሕሪኡ፡ ገለ ጎረባብቲ መጺኦም መንነት እቲ ኣብ ዝዀነ እዋን ከጥቅዕ ዝኽእል እንስሳ ዝብኢ ምዃኑ ኣረጋጊጾም።
“ሰንቢደ ስለ ዝነበርኩ ርሕቕ ኢለ ጸኒሐ፤ ኣዛብእ ሓደገኛታት ምዃኖምን ሰባት ክቐትሉ ከም ዝኽእሉን ይፈልጥ’የ” ይብል ፍሬድሪክ።
30 ደቓይቕ ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ብርክት ዝበሉ ነበርቲ ኣብ ዙርያ ድኳን ፍሬድሪክ ተኣኪቦም፤ እቲ እንስሳ ኣብ ሓደ ህዝቢ ዝነብረሉ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ድኳን ብኸመይ ከም ዝኣተወ ንጹር ኣይኰነን።
ጫት፣ ልስሉስ መስተ፣ ምቁራት መግቢታትን ዝተቐለወ ፉልን ብምሻጥ ዝመሓደር ፍሬድሪክ፡ ብኣቆጻጽራ ሰዓት እታ ሃገር ምሸት ሰዓት 8፡ 00 ከም ዝዓጸወን ንጽባሒቱ ንግሆ ከባቢ ሰዓት 07፡00 ከም ዝተመልሰን ይዛረብ።
እቲ ድኳኑ ኣብ ጥቃ ሃገራዊ ሕዛእቲ ቀላይ ናኩሩ ዝርከብ ብምዃኑ እቲ ዝብኢ ካብኡ መጺኡ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።
ድሒሮም ካብ ኣገልግሎት እንስሳ ዘገዳም ኬንያ (KWS) ዝመጽኡ ሰብሞያ ነቲ እንስሳ ክወስዱዎ ክኢሎም።
ኣብ ኬንያ ኣብ ሞንጐ እንስሳታትን ደቂ ሰባትን ዝፍጠር ግጭት ልሙድ እናዀነ ይመጽእ ከም ዘሎን ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣዛብእ ንሰባት ከም ዘጥቅዑን ጸብጻባት የመልክቱ።
ገለ ነበርቲ ናኩሩ ኣገልግሎት እንስሳ ዘገዳም ኬንያ፡ እዞም እንስሳታት ዘገዳም ካብቲ ሕዛእቲ ንከይወጽኡ ኣብ ምግባር ግቡእ ስጉምትታት ኣይወሰዱን ኣለዉ ብምባል ይነቕፉ።
ላዕለዋይ ክኢላ ሓለዋ ኣገልግሎት እንስሳ ዘገዳም ኬንያ ምምሕዳር ናኩሩ ማርክ ቸሩዮት ግን፡ እንስሳ ዘገዳም ካብቲ ሕዛእቲ ምውጽኦም ዘሕዝን ምዃኑ ብምግላጽ እቲ ተበላሽዩ ዝጸንሐ ሓጹር ይጽገን ከም ዘሎ ተዛሪቡ።
ፍሬድሪክ፡ ካብቲ ንሱ ዘጓነፎ ንላዕሊ ብዛዕባ ድሕነት እቶም ኣብ ጥቓ እቲ ሕዛእቲ ኣብ ዝርከብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ዝመሃሩ ህጻናት ከም ዝጭነቕ ገሊጹ።
“ገለ ካብዞም ህጻናት ከባቢ ሰዓት 5 ናይ ንግሆ'ዮም ናብ ቤት ትምህርቲ ይኸዱ፡ ኣብዚ ግዜ ዝብኢ ንዝዀነ ሰብ ዘይምጉድኡ ንኣምላኽ’የ ዘመስግኖ” ኢሉ።
ካልእ ነባሪት ናኩሩ ዝዀነት ጃሲንታ ንጀሪ ንማዕከናት ዜና ኬንያ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ሰባት ብፍላይ ብድሕነት ደቆም ይሰግኡ ከም ዘለዉ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝብኢ ክረአ ንመጀመርታ ግዜ ከም ዘይኰነ ገሊጻ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሚኒስተር ቱሪዝም ኬንያ ኣልፍሬድ ሙቱዋ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ሰባትን ጥሪትን ዝበጽሕ ዘሎ ልዑል ቁጽሪ መጥቃዕቲ ዝብኢ፡ ኣብቲ ከባቢ ልዕሊ ዓቐን ዝዀነ ብዝሒ መጥወብቲ ምህላው’ዩ ኢሉ ነይሩ።
ሰብመዚ ጥዕና እንስሳታት ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ንሰባት ዘጥቅዑን ዝነኸሱን ሰለስተ ኣዛብእ ብሕማም ዕቡድ ከልቢ ዝተለኽፉ ምንባሮም ኣረጋጊጾም።
እዚ፡ መንቀሊ ባህርያት ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝፍጸም ዘይተለምደ መጥቃዕቲ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣገልግሎት እንስሳ ዘገዳም ኬንያ ገሊጹ።
ካብዚ ብዝብገስ፡ ሰባት ምስ ዝብኢ ጐፍ ንጐፍ ኣብ ዝራኸብሉ ጥንቃቐ ክገብሩ ከም ዘለዎም ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።
በዚ መሰረት፡ ሰባት ዝብኢ ክርእዩ እንከለው፡ “ኣብ ዘለውዎ ደው ክብሉ፤ ብዝተረጋግአ መንፈስ ስንባደኻ ዘይምርኣይን ከተዛርቦ ምፍታንን” ዝብል ማዕዳ ዝሃበ ኰይኑ፡ ገለ ሰባት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስዚ እንስሳ ንምዝርራብ እንታይ ዓይነት ቋንቋ ክጥቀም ኣለና ዝብል 'መስሓቕ' ርኢይቶ ዝሃቡ ነይሮም።
ገለ ብኣዛብእ ዝፍጸሙ ዘለው መጥቃዕትታት ሞትን ኣካላዊ መጉዳእትን ከም ዘስዓቡ ነቐፍቲ ይገልጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰብ መዚ ኣገልግሎት እንስሳ ዘገዳም ኬንያ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ መጥቃዕቲ ዝበጽሓሉን ኣጻብዕቲ ኢዱ ዝተነኸሰሉን ከባቢ፡ ክፍሊ ኣካላት ናይ ሓደ ግዳይ መጥቃዕቲ ዝብኢ ረኺቦም’ዮም።
ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ኣብ ወሰና ወሰን ናይሮቢ ሓደ ወዲ 10 ዓመት ቈልዓ ብዝብኢ ተነኺሱ ምሟቱ'ውን ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







