ልዕሊ 280 ህጻናት ተመሃሮ ብዕጡቓት ተጨውዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይጀርያ ኣብ እትርከብ ኬተማ ኩሪጋ ልዕሊ 280 ህጻናት ተመሃሮ ብዕጡቓት ከም ዝተጨወዩ ተሓቢሩ።
እቲ ፍጻመ እቶም ተማሃሮ ትማሊ ንግሆ ናብ ክፍሊ ንምእታው ተሰሪዖም እንከለዉ ከባቢ ሰዓት ሸሞንተን ፈረቓን ናይ ንግሆ ዓሰርታተት ብሞተርሳይክል ተጻዒኖም ዝመጽኡ ዕጡቓት ብሓይሊ ጨውዮም ከም ዝወሰድዎም ሓደ ነቲ ኩነታት ዝተዓዘበ ምስክር ገሊጹ።
እቶም ተመሃሮ ዕድሚኦም ካብ ሸሞንት ክሳብ 15 ኰይኑ ምስ መምሃራኖም’ዮም ተጨውዮም ተወሲዶም።
ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይጀርያ ቅድሚ ሕጂ’ውን ተመሳሳሊ ጭውያ ተመሃሮ ብተደጋጋሚ ክርአ ጸኒሑ’ዩ። እንተዀነ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ዝግ ኢሉ ጸኒሑ ነይሩ።
ኣመሓዳሪ ናይታ ጭውያ ዝተፈጸመ ከተማ ትርከቦ ዞባ ካዱና ዝዀነ ኡባ ሳኒ እቲ ጭውያ ተመሃሮ ከም ዝተፈጸመ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
እቲ ኣመሓደራ ካብ ሓንቲ መንግስታዊት ቤት ትምህርቲ 187 ካብ ካልእ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ከኣ 125 ተመሃሮ ከም ዝተጨወዩ ብምርግጋጽ ካብቶም ዝተጨወዩ 25 ተመሃሮ ተመሊሶም ከም ዘለዉ ሓቢሩ።
እቲ ናይ ዓይኒ ምስክር ሓደ ተማሃራይ እቶም ዕጡቓት ብዝተኰስዎ ጥይት ተሃሪሙ ኣብ ብሪኒ ግዋሪ ኣብ ዝተባህለ ሆስፒታል ሕክምናዊ ናብዮት ይግበረሉ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ሓደ ካብቲ ጭውያ ዝሃደመ መምህር፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ነቶም ተማሃሮ ካብቶም ጨወይቲ ከድሕንዎም ኣብ ዝፈተንሉ ሓደ ነባሪ እቲ ካባቢ ካብቶም ጨወይቲ ብዝተተኰሶ ጥይት ከም ተቐተለ ኣረጋጊጹ።
ሰራዊት ናይጀርያ ነቶም ዝተጨወዩ ተማሃሮ ንምርካብን ነጻ ንምውእን ስርሒት ጀሚሩ ከም ዘሎ ብወግዒ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እቶም ዕሉላት ብረት ዝሓዙ ሸፋቱ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ንሓደ ኣመሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ብምቕታል ንብዓልቲ ቤቱ ጨውዮም ከም ዝወሰድዋ ይዝከር።
ቅድሚ ቅሩብ መዓልታት’ውን ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይጀርያ ዓሰርተታት ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ዕንጨይቲ ካብ ዝኣርይሉ ዝነበሩ ቦታ ተጨውዮም ከም ዝተወሰዱ ዝዝከር’ዩ።
ነቲ ጭውያ ቦኮ ሓራም ፈጺመሞ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ’ዩ መንግስቲ ናይጀርያ ዝገልጽ።
እዞም ትማሊ ተመሃሮ ዝጨወዩን ቦኮ ሓራምን ኣብ ገለ ገለ ነገራት’ኳ ዝተሓጋገዙ እንተዀኑ ኣብ ዕላማ ዘራኽብ ከም ዘይብሎም’ዩ ዝግለጽ።
እዚ ትማሊ ጭውያ ተማሃሮ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ካብ ቦኮ ሓራም ዝተፈንጨሉ ኣንሳሩ ዝተባህሉ ዕጡቓት ብብዝሒ ዝንቀሳቐስሉ ቦታ እዩ።
ኣብ 2014 ካብ ከተማ ቺቦክ ልዕሊ 200 ደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ ጨውዮም ምንባሮም ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







