ንተኸተልቱ ኣስታት 1 ሚልዮን ዶላር ዘደናገረ ‘ፓስተር’ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ቲዮ ኦ ኢቦኚ

ምንጪ ስእሊ, EFCC NIGERIA

መግለጺ ስእሊ, ቲዮ ኦ ኢቦኚ

ንተኸተልቱን ካልኦትን ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዶላር ዘደናገረ ናይጀርያዊ ፓስተር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።

እዚ ቲዮ ኦ ኢባኚ ዝተበሃለ ‘መራሒ ሃይማኖት’ ምስ ካልኦት ተሓባበርቱ ብምዃን ልዕሊ 1.3 ቢልዮን ናይራ [ባጤራ ናይጀርያ] [930 ሽሕ ዶላር] ኣደናጊሩ ወሲድሎም ዝብል ክሲ ቀሪብሉ ኣሎ።

እዚ ኣብ ናይጀርያ ኣዝዩ ፍሉጥ ዝዀነ ፖስተር፡ ቅድሚ ቅሩብ ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ ቅድሚ ሰሙን ብዋሕስ’ኳ ተፈቲሑ እንተነበረ፡ ፖሊስ ተመሊሱ ከም ዝቐየዶ ብወግዒ ሓቢሩ ኣሎ።

ወሃቢ ቃል ኮሚሽን ጸረ-ብልሽውና ናይጀርያ ዴል ኦዬዋሌ ፐንች፡ እቲ ፓስተር ብገበን ምድንጋርን ምጥፍፋእን ተጠርጢሩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣብ ዝኣተወሉ ንመስርሕ መርመራ ከይዕንቅፍ ብምስጋእ ንህዝቢ ኣብ ግዚኡ ብወግዒ ከምዘይተነገረ ኣነጺሩ።

እዚ ንገዛእ ርእሱ ‘ፓስተር’ ኢሉ ዝጽውዕ መራሒ ሃይማኖት ምስ ተኣስረ፡ ኣደናጊሩ ሰልዶም ከምዝወሰደሎም ዝገልጹ ሰባት ንፖሊስ ቃሎም ክህቡ ድልዋት ከምዘለዉ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ሚድያታት ኣብ ምግላጽ ይርከቡ።

እቲ ፓስተር፡ ኣብ ካሊፎርንያ ዝርከብ ፎርድ ፋውንድሽን 20 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ሂቡኒ ኣሎ ብምባል፡ ካብዚ ገንዘብ እዚ ክካፈል ዝደሊ ሰብ 1300 ዶላር ክኸፍል ኣለዎ ኢሉ ንሰባት ሰልዲ ከኽፍል ከምዝጸንሐ ኮሚሽን ጸረ-ብልሽውና ናይጀርያ ሓቢሩ።

እቲ ኮሚሽን እዚ ንነብሱ ፖስተር ኢሉ ዝጽውዕ ቲዮ ኦ ኢባኚ ካብቲ ኣሜሪካዊ ትካል ገንዘባዊ ደገፋት ከምዘይተገበረሉ ገሊጹ።

ኮሚሽን ጸረ-ብልሽውና ናይጀርያ፡ ምስ ፎርድ ፋውንደሽን ድሕሪ ዝገበሮ ዝርርብ፡ እቲ ትካል ነዚ ተኸሲሱ ዘሎ ፓስተር ይዅን ነቲ ብሽሙ ዝተኸፈተ ዘይመንግስታዊ ትካል ከምዘይፈልጦም ምግላጹ ኣብሪሁ።

ቲዮ ኦ ኢባኚ ኣብ ናይጀርያ ሮክ ሚኒስትሪ ኢንተርናሽናል ቸርች ብዝብል ስም ቤተክርስትያን ብምምስራት፡ በቲ ካብ ሰዓብቱን ካልኦት ሰባትን ኣደናጊሩ ዝኣከቦ ሰልዲ ብስም እቲ ትካል ሓሙሽተ ገዛውቲ ከምዝገዝአ እቲ ኮሚሽን ናይጀርያ ብዘካየዶ መርመራ ኣረጋጊጹ።

እንተዀነ ቲዮ ኦ ኢባኚ ኣብ ፌስቡክ ብቪድዮ ንሰዓብቱ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ከምዘይተኣሰረን እቲ ገንዘብ ኣጠፋፊኡ ዝብል ክሲ ሓሶት ምዃኑን ገሊጹ።

“ንሽመይ ተጠቒሞም ገንዘብ ክእክቡ ዝደልዩ ሰባት ዝዘርግሕዎ ዓቢ ስኑዕ ዜና’ዩ፤ ሓቂ ኣይኰነን” ብምባል እቲ ብዛዕባኡ ዝበሃል ዘሎ ሓሶት ምዃኑ ገሊጹ።

ኮሚሽን ጸረ-ብልሽውና ናይጀርያ ብወገኑ እቲ ሒዝዎ ዘሎ መርመራ ምስ ወድአ ክሲ ንምምስራት ኣብ ምድላው ከምዘሎ ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል ኮሚሽን ጸረ ብልሽውና ናይጀርያ ደል ኦዬዋሌ ፐንች፡ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘሎ ቲዮ ኦ ኢባኚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተኣሲሩ ብዋሕስ ከምዝተፈትሐ ብምግላጽ፡ “ንንዊሕ ግዜ ተኣሲሩ ነይሩ’ዩ፡ መርመራ እናኣካየድና እንከለና ንህዝቢ ምሕባር ኣገዳሲ ኰይኑ ስለዘይረኸብናዮ ኢና ዘይሓበርና” ኢሉ።