ቲቢ ጆሽዋ፡ ኢማኑዌል ቲቪ ኣብ ዩቱብ ዓጽዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትካል ዩቱብ ንወግዓዊ ቻነል ናይቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ግዕዘያቱን ገበናቱን ዝተቓልዐ ፍሉጥ ናይጀርያዊ ሰባኺ ነፍስሄር ቲቢ ጆሽዋ ዓጽይዎ።
እቲ ስጉምቲ፡ እቲ ካብ ቀረባን ማዕዶን ብዙሓት ሰዓብቲ ዘጥረየ ሰባኺ፡ ሰፊሕ ጾታዊ ዓመጽን ስቅያት ይፍጽም ከምዝነበረ ቢቢሲን ኦፐንደሞክራሲ ዝተባህለ ትካልን ብዘካየድዎ መርመራድሕሪ ምቅልዑ'ዩ ተወሲዱ ዘሎ።
እቲ ካብ ዩቱብ ተዓጽዩ ዘሎ ኢማኑዌል ቲቪ ጽልዋ ናይቲ ሰባኺ ካብ ናይጀርያ ናብ ዓለም ክሰፍሕ ኣብ ምግባር ዓቢ ግደ ዝተጻወተ'ዩ።
ቲቢ ጆሽዋ ኣብ 2021 ድሕሪ ምማቱ፡ እቲ ዝመርሖ ዝነበረ ዓቢ ቤተክርስትያን 'ኦል ኔሽንስ' ኣብዚ እዋን'ዚ ብብዓልቲ ቤቱ ኤቨሊን ጆሽዋ ይምራሕ ኣሎ።
እቲ ቤተክርስትያን ዛጊት ብዛዕባ'ዚ ሓድሽ ውሳነ ዩቱብ'ኳ መግለጺ እንተዘይሃበ፡ ኣንጻሩ ክቐርብ ንዝጸንሐ ክስታት ግን "መሰረት ዘይብሉ" ብምባል ክነጽጎ ጸኒሑ'ዩ።
ኢማኑዌል ቲቪ፡ ኣብ ዩቱብ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰዓብቲ ዝነበርዎ ኮይኑ፡ ብኣማኢት ሚልዮናት ዝቑጸሩ ድማ ትሕዝቶታቱ ዝከታተሉዎ እዩ።
እቲ ቻነል ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ንካልኣይ ግዚኡ'ዩ ዝዕጾ ዘሎ። ኣብ 2021 እውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ተዓጽዩ ነይሩ'ዩ። ንማሕበረሰባዊ ቅጥዕታት ዩቱብ ብምጥሓሱ'ዩ ዩቱብ ሎሚ'ውን ኣጊዱዎ ዘሎ።
ከም ኣካል ናይቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ቢቢሲ ዘካየዶ መርመራ፡ ትካል ኦፐንደሞክራሲ ብወገኑ ንህላወ ኢማኑዌል ቲቪ ኣብ መርበብ ኢንተርነት ብምድህሳስ፡ ብውሕዱ 50 "ዓመጽቲ" ቪድዮታት ኣብ ዩቱብ ረኺቡ።
ኪኢላታት ናይቲ ትካል ነቲ ዘዳለውዎ ጸብጻብ ናብ ዩቱብ ድሕሪ ምቕራቦም ድማ ብ29 ጥሪ ነቲ ቻነል ክዓጽዎ ወሲኑ'ሎ።
እቲ ብኩባንያ ጉጉል ዝውነን ትካል ዩቱብ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ኢማኑዌል ቲቪ "ንፖሊሲታት ዘረባ ጽልኢ. . .ብምጥሓሱ ተቛሪጹ" ከምዘሎ ገሊጹ።
ናይ "ፈውሲ" ኣገልግሎት ይህብ'ዩ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቲቢ ጆሽዋ፡ ብተኣምራት ብዙሓት ስንኩላትን ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎምን ሰባት ከምዘሕወየ ዝገልጽ ቪድዮታት ብምዝርጋሕ ህቡብነት ዘጥረየ እዩ ነይሩ።
እንተኾነ ግን ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝነበሩ ዝርከብዎም ሓያለ ኣባላት እቲ ቤተክርስትያን እቲ ዝብሃል "ፈውሲ" ብምድንጋር ዝተኣልመ ምዃኑ መስኪሮም ኣለዉ።
እቲ ብኦፐንደሞክራሲ ዝተዳለወ ጸብጻብ፡ እቲ ብኢማኑዌል ቲቪ ዝፈረየ ቪድዮታት፡ ጸገም ስነኣእምሮኣዊ ጥዕና ዘለዎም ሰባት ብሰንሰለት ተኣሲሮም፡ ኣደናጋሪ ሕክምናዊ ሓበሬታ ዝህቡ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ እተን ንጾታዊ ዓመጽ ቲቢ ጆሽዋ ዘቃልዓ ደቂኣንስትዮ ናይ ጸለመ ጎስጓስ ዘካይድ ምዃኑ የነጽር።
ድሕሪ'ቲ ብቢቢሲ ዝተቓልዐ ጽዩፍ ተግባራት ቲቢ ጆሽዋ፡ ኣብ ልዕሊ'ቶም ምስክርነቶም ዝሃቡ ሰባት ጸርፍን ምስርጣይን ኣብቶም ምስ ኢማኑዌል ቲቪ ምትእስሳር ዘለዎም ቻነላት ኢንተርነት ምቅላሕ ይቕጽል ኣሎ። እንተኾነ ግን ዛጊት ብዩቱብ ኣይተኣገዱን ዘለዉ።
ዩቱብን ካልኦት ማሕበራዊ መራኸቢታትን፡ ንተጠቀምቲ እኹል ውሕስነት ብዘይምሃበን ክንቀፋ ጸኒሐን እየን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







