ቲቢ ጀሽዋ፡ ናይ ሓሶት ‘ተኣምራት’ ዝፈጸመሎም 6 ሜላታት

ቲቢ ጆሽዋ መስራቲ ‘ሲኖጎግ ቸርች ኦቭ ኦል ኔሽንስ’ እዩ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ቲቢ ጆሽዋ መስራቲ ‘ሲኖጎግ ቸርች ኦቭ ኦል ኔሽንስ’ እዩ

ቢቢሲ ንመጀመርታ ግዜ፡ ነፍስሄር ናይጀርያዊ ቴሌቫንጀሊስት ቲቢ ጀሽዋ፡ ነቲ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ናብ ቤተክርስትያኑ ንምስሓብ ብኸመይ ናይ ተኣምራት የቕርብ ከምዝነበረ የቃልዕ።

ጀሽዋ፡ ንኣስታት 20 ዓመታት ሰፊሕ ግህሰትን ስቅያትን ክፍጽም ምጽንሑ ይግለጽ። ንሱ፡ ኣብ ሌጎስ ‘ሲኖጎግ ቸርች ኦቭ ኦል ኔሽንስ (ስኮን)’ ብዝብል እትጽዋዕ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዝምስርት ልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ተቘጺሩ ኣሎ።

ንነብሱ ከም መለኮታዊ ሓይሊ ምግላጹን ኣለኒ ዝብሎ ክእለት ምፍዋስን ምስቲ ኣብ ሓጺር እዋን ናብ ዝና ዝደየበሉ ኵነታት ብቐረባ ዝተኣሳሰሩ እዮም።

ጉድኣት ኣካል ዘለዎም ሰባት ብእግሮም ክኸዱ ዘርእዩን ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ድማ ንዝሞተ ሰብ ከምዘተንስአ ዝተገለጸሉን ድራማዊ ፍወሳታት ብፊልም ተቐሪጾም። ምስ ምስክርነት ናይቶም ኣሕውየዮም ዝበሎም ሰባት ብምውህሃድ ብቪኤችኤስ ካሴት ናብ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ተላኢኾም እዮም።

ኣብ 2004፡ ተቘጻጻሪ ፈነወ ናይጀርያ፡ መደበራት ፈነወ ነቶም ብፓስተራት ከምዝተፈጸሙ ዝግለጹ ተኣምራት ኣብ ዓለማዊ ቲቪ ብቐጥታ ከየመሓላልፋ ከልኪሉ። እዚ ድማ ጀሽዋ ኣማኑኤል ብዝብል ዝጽዋዕ ቲቪ መጀመርያ ብሳተላይት፡ ድሕሪኡ ድማ ብኢንተርነት ከቕርብ ደሪኽዎ።

ብድሕሪኡ ናይ ዓለምለኻዊ ተለቪዥኑን ማሕበራዊ መራኸቢታቱን ግዝኣት ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ዕዉታት ክርስትያናዊ መርበባት ኰይኑ። እቶም ‘ተኣምራት’ ዝብሎም ፍጻመታት ኣብ መላእ ኣውሮጳ፡ ኣመሪካ፡ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያን ኣፍሪቃን ናብ ሚልዮናት ተዘርጊሖም። ኣብ ዩትዩብ ቻነሉ፡ ኣማኢት ሚልዮናት ግዜ ተራእዮም።

እቲ ኣብ 2021 ኣብ መበል 57 ዓመቱ ዝሞተ ቲቢ ጀሽዋ ግን ቀጣፊ እዩ ነይሩ። ቢቢሲ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ናይጀርያ፡ ጋና፡ ኣመሪካ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ጀርመንን ዝመጹ ልዕሊ 25 ውሽጣውያን ምንጪታት ዘሳተፈ መርመራ ድሕሪ ምክያዱ፡ ጀሽዋ ንኣመንቲ ዘታልለሎም ዝነበሩ ሽዱሽተ ሜላታት የቕርብ።

ጆሽዋ "ብሓካይም ዝሰልጠነት" ጉጅለ ነይርዎ

ምንጪ ስእሊ, JOURNEYMAN PICTURES

መግለጺ ስእሊ, ጀሽዋ "ብሓካይም ዝሰልጠነት" ጕጅለ ነይራቶ

1: ክፍሊ ህጹጽ ደጋፍ

እታ ቤተክርስትያን፡ "ህጹጽ ደገፍ" ብዝብል ዝተሰምየ ፍሉይ ክፍሊ ኣለዋ፤ ሓላፍነት እዚ ፍሉይ ክፍሊ፡ እቶም ‘ተኣምራት’ ሓቂ ክመስሉ ምግባር’ዩ ነይሩ።

ኣጎሞህ ፖል፡ ኣብቲ ክፍሊ ን10 ዓመታት ተቘጻጻሪ ነይሩ፤ ካብ ጀሽዋ ቀጥታዊ መምርሒ እናተወሃቦ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣጎሞህ፡ እታ ጕጅለ "ብሓካይም ዝሰልጠነት" ምዃና ንቢቢሲ ገሊጹ።

"ዝዀነ ኵነታት መንሽሮ ዘለዎም፡ የፋንውዎም። ድሕሪኡ ክሓዊ ዝኽእል ንቡር ክፉት ቁስሊ ዘለዎም ሰባት ከም መንሽሮ ዘለዎም ኰይኖም ናብ ጀሽዋ ይቐርቡ" ይብል።

ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ደገፍ ክሰርሑ ዝተፈቕደሎም ዝተመርጹ እሙናት ደቀ መዝሙር ጥራይ እዮም። ንሳቶም፡ ናይ ሓሶት ወይ ዝተጋነነ ሕማም ዝገልጹ ጽሑፋት ኣዳልዮም ንነፍሲ ወከፍ ሰዓቢ ይህብዎ።

ናብ ጆሽዋ ዝቐርበሉ ግዜ ምስ በጽሐ ኣብ ቅድሚ ካሜራታት ኣብ መስርዕ ደው ኢሎም "ይሓውዩ።"

"ዝተሓላለኸ ስርዓት እዩ ነይሩ። ኵሎም ደቀ መዛሙርቲ እንታይ ይፍጸም ከምዝነበረ ኣይፈልጡን። ምስጢር እዩ ነይሩ" ይብል ኣጎሞህ ፖል።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ፈውሲ ክረኽቡ ናብ ጆሽዋ ይውሕዙ ነይሮም
መግለጺ ስእሊ, ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ፈውሲ ክረኽቡ ናብ ጀሽዋ ይውሕዙ ነይሮም

2: መድሃኒት

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኵሉ ክሓዊ ናብታ ቤተ ክርስትያን ዝመጽእ ወጻእተኛ በጻሒ፡ ሕማሙን ኣብቲ እዋን’ቲ ዝተኣዘዘሉ መድሃኒትን ብዝርዝር ዝገልጽ ጸብጻብ ሕክምና ክመልእ ነይርዎ።

ብድሕሪኡ ነቲ ዝተኣዘዘሎም መድሃኒት ምውሳድ ከቋርጹ ይንገሮም፤ ጆሽዋ ግን ክኢላታት ፋርማሲ ተመሳሳሊ መድሃኒት ክዕድጉ ይእዝዝ ነይሩ።

እቶም ክሓውዩ ዝመጹ ሰባት ከይፈለጡ "ነቶም መድሃኒታት ናብ ዝሰትይዎ ነገር ይሓዋውስዎ" ይብል ኣጎሞህ ፖል። ሽዑ እቶም ሰባት ነቲ ብጀሽዋ ዝተባረኸ ሕውስዋስ መስተ ክሰትዩ ምሕጽንታ ከምዝቐርበሎም ወሲኹ ገሊጹ።

እዚ ማለት በጻሕቲ ኣብታ ስኮን (ቤተ ክርስቲያን) ኣብ ዝነብሩሉ እዋን ኣይሓሙን፤ ኣብ ሓይሊ መለኮታዊ ክእለት ፍወሳ ፓስተሮም ድማ እምነት ይሓድሮም።

ኣብ 1990ታት ኤችኣይቪ/ኤይድስ ኣብ መላእ ክፋላት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ኣብ ደረጃ ለበዳ ይላባዕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ጀሽዋ በጻሕቲ ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ ጸረ-ቫይረስ መድሃኒቶም ምውሳድ ከቋርጹ ነጊርዎም ነይሩ።

"መድሃኒቶም ብዘይ ምውሳዶም ሰባት ከምዝሞቱ እፈልጥ እየ፤ እዚ እናፈለጥካ ምንባር ድማ ኣጸጋሚ'ዩ" ይብል ሓደ ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተ ካብ ደቀ መዝሙር ነበር።

ኣብዚ እዋን ዕድመኣ 49 ዝበጽሐ ታሽ ፎርድ፡ እታ ዝፈሸለት ኵሊታ ክትሓዊ ተስፋ ብምግባር ኣብ 2001 ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ሌጐስ ከይዳ፤ መድሃኒት ምውሳድ ከተቋርጽ ድማ ተነጊርዋ።

"ብልዕለ-ባህርያዊ መንገዲ ሓዳስ ኵሊት ክቕበል ... እዩ ነይሩ እቲ መብጽዓ" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።

ኣብቲ እዋን ድሮ ፍልሰተ-ምትካል ክልተ ኵሊት ተገይሩላ ነይሩ። ንሳ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ "መድሃኒትኪ ኣቋርጺ እሞ እመኒ ጥራይ" ከምዝበሉ ትዛረብ።

ብርግጽ ከም ዝሓወየት ኣሚና እያ ነይራ። ናብ ሃገራ ምስ ተመልሰት ግን ንኣርባዕተ ሰሙን መድሃኒታ ድሕሪ ምቁራጻ ፍሽለት ኵሊት ስለዘጋጠማ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚባ።

እቶም ሓካይም ኣብ መጀመርታ ኵሊታ ከድሕኑ ክኢሎም ነይሮም፤ ኣብ መወዳእታ ግን ኵሊታ ስራሕ ደው ስለዘበለት ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓመት ዳያሊሲስ ኵሊት ክትገብር ተገዲዳ። ኣብ 2011 ንሳልሳይ ግዜ ፍልሰተ-ምትካል ኵሊት ተገይሩላ።

3: ሕጽበተ-ሓንጎል

ታሽ ፎርድ፡ ኣብ ስኮን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ዝዀነ ጥርጣረ ከምዘይነበራ ትዛረብ፣ "ብቕንዕና ተኣምራት ንርኢ ዘለና መሲሉኒ። ቃል ብቓሉ ነቲ ዝርእዮ ዝነበርኩ ክኣምን ኣይከኣልኩን። ሓደ ሰብ ካብ መንበረ-ዓረብያ ክወርድ ርእየ" ትብል።

እቲ ድራማዊ ፍጻመ ኵሉ ሰብ ክምሰጥ ዝገበረ ይመስል።

እታ ደቀ መዝሙር ነበር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ እቶም ተፈልዮም ዝተመርጹ ሰዓብቲ "እግዚኣብሄር ምእንቲ ክፍውሰኩም ጸገማትኩምን ሕውየትኩምን ኣጋንኑ" ይበሃሉ ከምዝነበሩ ጠቒሳ።

"እቲ ህዝቢ፡ ንባዕሉ፡ ብንጹር ይታለል ኣሎ" ትብል።

እታ ቤተ ክርስትያን ዝተዳለዉ መንበረ-ዓረብያታት ነይሮምዋ፡ ሰዓብቲ ድማ ንኽጥቀሙሎም ይስበኹ ነይሮም። ኣብ መንበረ-ዓረብያ ኰፍ እንተዘይሎም ናብ ጀሽዋ ክቐርበሉ እንከለዉ ከምዘይፍወሱ መጠንቀቕታ ይወሃቦም።

"ንሕና 'ወጺእኩም፡ ብእግርኹም እንተኸይድኩም፡ ፓፓ ኣይጽልየልኩምን እዩ። ‘ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ሓግዘኒ፡ ክኸይድ ኣይክእልን እየ’ ኢልኩም ክትጭድሩ ኣለኩም’ ኢና ንብሎም" ይብል ኣጎሞህ ፖል።

ን14 ዓመታት ኣብ ስኮን ዝነበረት ደቀ መዝሙር ነበር ቢሶላ፡ ኣብ 2006 ኣብ ሲንጋፖር ኣብ ዝተኻየደ መደብ ንጀሽዋ ኣሰንያቶ እያ።

ንሳ፡ እቲ ፓስተር "ኣብቲ ስታድየም እምነት ከምዘውሓዘ” ንኣመንቲ ምስ ነገረ፡ ኣብ መንበረ-ዓረብያ ኰፍ ኢሎም ዝነበሩ ሰባት ደው ክብሉ ክፍትኑ ከምዝረኣየት ትዛረብ።

እንተዀነ እቶም ሰባት ተፈልዮም ዝተመርጹ ስለዘይነበሩ ከምዝወደቑ ትገልጽ። "እበኪ ነይረ። ንዓኣቶም እየ ዝነብዕ ነይረ" ትብል።

እቶም ሰራሕተኛታት ክፍሊ ህጹጽ ደገፍ ንባዕሎም ይታለሉ ነይሮም እዮም። ዓመጽ፡ ኣካላዊ ግህሰት፡ ስቅያትን ካልኦት ዘስካሕክሑ መከራታትን ኣጋጢምዎም እዩ። ብጽኑዕ ሕጊታት ድማ ይነብሩ ነይሮም - ኣብ ሓደ እዋን ልዕሊ ውሑዳት ሰዓታት ምድቃስ ኣይፍቀደሎምን።

ሕጂ ግን ብኸመይን ስለምንታይን ትእዛዝ እቲ ፓስተር ምኽታል ከምዝቐጸሉ ንምርዳእ ይቃለሱ ኣለዉ።

"ቲቢ ጀሽዋ፡ 'ኣይትጨነቕ፡ ነዚ ነገር እዚ ንጥቀመሉ ዘለና ሰባት ኣብ ክርስቶስ ዘለዎም እምነት ንምህናጽ እዩ' ኢሉኒ። ብሓቂ ጌጋ ይገብር ኣለኹ ዝብል ሓሳብ ኣብ ኣእምሮይ ኣይነበረን። ኣብታ ቤተ ክርስትያን ናይ ዘለዉ ሰባት እምነት ንምህናጽ ዝሕግዝ ገለ ነገር ዝገብር ዘለኹ መሲሉኒ ነይሩ" ይብል ኣጎሞህ ፖል።

ታሻ ፎርድ፡ ኣብ ዝተወደበ ሃይማኖት ዝነበራ ኵሉ እምነት ስኢና’ያ፡ "ኵሉ ዋዛ እምበር፡ ሓቂ ዘይምዃኑ እንተንፈልጥ ጽቡቕ ነይሩ። እቲ ነቢይ ዝገብሮ ዝነበረ ልዕለ-ባህርያዊ፡ ተኣምራት፡ መስተንክራት፡ ምልክታት ከምዝዀኑ ንኽኣምን ተታሊለ።"

ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብታ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝካየዱ መደባት “ፍወሳ” ይወድቁ ነይሮም
መግለጺ ስእሊ, ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብታ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝካየዱ መደባት “ፍወሳ” ይወድቁ ነይሮም

4: ጉቦ

ገለ ደቀ መዛሙርቲ፡ ገንዘብ ዘድልዮምን ተኸፊሎም ከምዝሓመሙ ዘምስሉን ሰባት ንኽደልዩ ሓላፍነት ይወሃቦም ከምዝነበረ ይኸሱ።

ካብ ናይጀርያ ወጻኢ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ወፍሪ ፍወሳ ኣብ ዘካይድሉ እዋን፡ ኣብ ሓንቲ ከተማ ናብ ዝርከቡ ድኻ ከባቢታት ብምኻድ ምስ ድኽነት ዝነብሩ ሰባት ይእልሹ ነይሮም።

"[ነቶም ድኻታት] ‘ሓንቲ ፍሉይ ምርኢት ጥራይ ተዋሳእ እሞ ክንከፍለካ ኢና' ንብሎም ነይርና" ትብል ሓንቲ ደቀ መዝሙር ነበር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል።

"ሆቴላት ንሕዘሎም፡ ነጽርዮም። ይመጹ፡ ዝተነገሮም ይገብሩ፡ ገንዘቦም ንህቦም - እቲ ዝተረፈ ታሪኽ'ዩ።"

ጀሽዋ ‘ተኣምራቱ’ ኣብ መን ከምዝፍጽም ምእንቲ ክፈልጥ ድማ ኣገልግሎት ቅድሚ ምጅማሩ፡ እቶም ሰባት ኣብ ኣየናይ መስርዕ ኰፍ ከምዘበልዎምን እንታይ ዓይነት ክዳን ከምዝለበሱን ይንገሮ ነይሩ።

"ሰባት ከምዝሓወዩ ንኸምስሉ ጥራይ ይቐርቡ ነይሮም" ትብል።

ቲቢ ጆሽዋ ኣብ መላእ ዓለም ሰቢኹ እዩ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ቲቢ ጆሽዋ ኣብ መላእ ዓለም ሰቢኹ እዩ

5: ናይ ሓሶት ወረቐት ምስክር ሕክምና

እቶም ብቐጻሊ ናብ ሚልዮናት ዝፍነው ዝነበሩ "ተኣምራት ፍወሳ"፡ ሰባት ካብ ኤችኣይቪ/ኤይድስን ከም መንሽሮ ዝኣመሰሉ ሕማማትን ከምዝሓወዩ ዝገልጹ ሕክምናዊ ጸብጻባት ዘጠቓለሉ እዮም።

ኣብ ቅድሚ ካሜራ ቃለ መሕትት ዝተገበረሎም ሓካይም ነቲ ፍወሳ የረጋግጹ።

ኣብ 2000 ናይጀርያዊ ጋዜጠኛ ኣደጁዎን ሶይንካ እዞም ናይ ሕክምና ምስክር ወረቓቕቲ ናይ ሓሶት ምዃኖም ጸብጺቡ እኳ እንተነበረ፡ ጀሽዋ ግን ነቲ መርመራኡ ስለዝጨፍለቐ ውጽኢት ኣየፍረየን።

ክሳዕ ሎሚ ከምዝሓወዩ ዝኣምኑ ገለ ሰባት ኣለዉ፡ እንተዀነ ውሽጣውያን ምንጪታት ኵሉ ብወገን ነፍስሄር ሰባኺ ዝተራእየ ድራማዊ ምርኢት ምንባሩ ይዛረቡ።

"እቲ ኵሉ ነገር ኣቐዲሙ ዝተዳለወ መድረኽን ሓሶትን'ዩ። ምትላል'ዩ" ይብል ንጀሽዋ "እኩይ ተውህቦ" ኢሉ ዝገልጾ ኣጎሞህ ፖል።

ወሲኹ ኣብቲ ቀጽሪ ጀሽዋ ዘይፈልጦ ነገር ከምዘይነበረ ይገልጽ።

"ንዅሉ እቲ ምትላል ዝሓንጸጾ ቲቢ ጀሽዋ እዩ" ይብል።

6: ምስናዕ ቪድዮ

እቶም "ተኣምራት" ብቕጽበት ዘጋጠሙ ፍወሳታት ንኽመስሉ ብፊልም ተቐሪጾም መኣረምታ ይግበረሎም ነይሩ። ነቲ ተኣምራዊ ሓይሉ ዝበሃል ንምግላጽ፡ ቅድሚን ድሕሪን ዝተቐርጹ ተንቀሳቓሲ ምስሊታት ብሓደ ይወሃሃዱ ነይሮም፤ ኣብ ክውንነት ግን እቶም ተንቀሳቓሲ ምስሊታት ብኣዋርሕ፡ ወይ ብዓመት’ውን ተፈላልዮም ዝተቐርጹ እዮም።

"ኣብ ቲቪ ዝቐርብ ቅድሚን ድሕሪኡን ጥራይ እዩ፡ እቲ ናይ ግዜ ፍልልይ ኣይፍለጥን" ትብል ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ዋና ኣሰናዳኢት ቪድዮ ዝነበረትን ኣብ ኣማኑኤል ቲቪ ዝሰርሐትን ቢሶላ። ንሳ፡ ከምቶም ካልኦት ቢቢሲ ቃለ መሕትት ዝገበረሎም ውሽጣውያን ምንጪታት፡ ቀዳማይ ስማ ጥራይ ክንጥቀም እያ ፈቒዳ።

"ሰባት ዝርእይዎ... ሓቂ ኣይኰነን። ምትላል'ዩ" ትብል ብዛዕባ እቶም ትቈጻጸሮም ዝነበረት ተንቀሳቐስቲ ምስልታትን ፈነወታትን።

"ሕጂ ከም ሓንቲ ውሽጣዊ ዝነበረ ሰብ እየ ዝዛረብ ዘለኹ" ትብል።

ተዓዘብቲ ክርእይዎ ዘይደለይዎ ነገር "ተቘሪጹ" ይተርፍ ነይሩ። ኵሉ ድማ "ዝተወደበ" እዩ ነይሩ ትብል።

_____________________

ቢቢሲ ብዛዕባ እቶም ኣብ መርመራኡ ዝተገለጹ ክስታት ርእይቶ ንኽትህብ ነታ ቤተ ክርስቲያን ሕቶ ኣቕሪቡ ነይሩ። እንተዀነ መልሲ ኣይሃበትን፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ጀሽዋ ዝቐረበ ክሲ ግን ነጺጋቶ እያ።

"ኣብ ልዕሊ ነቢይ ቲቢ ጀሽዋ መሰረት ዘይብሉ ክስታት ምቕራብ ሓድሽ ተርእዮ ኣይኰነን... ካብቲ ክስታት ዋላ ሓደ ጭቡጥ ኰይኑ ኣይፈልጥን" ትብል።