እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ኣገዳስነት ሃገራዊ ጽንብል ንሓንቲ ሃገር'፡ ኣቦ መንበር 'ዋን ኔሽን' ኤርትራ እንታይ ይብል?
ዳኒኤል ተኽላይ ሓደ ካብ መስረትቲን ኣቦወንበር ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘይጐነጻዊ ለውጢ ንምምጻእ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ዝተመረተ ‘ዋን ኔሽን’ ዝተባህለ ምንቅስቓስ እዩ።
ዕላማ ዋን ኔሽን ኣብ ኤርትራ ብሕጊ ዝምራሕ ስርዓት ንምትካል፡ ሓንቲ ሃገር ሓንቲ ኤርትራ ኢና ንደሊ ዝብል መርሓ ሓሳብ ዘለዎ’ዩ።
እቲ ምንቅስቓስ፡ ብዘይጐነጻዊ መገዲ፡ ሽግር ኤርትራ ብኤርትራውያን ጥራይ ከምዝፍታሕ ዝኣምን፡ ለውጢ ክመጽእ እንተዀይኑ ከኣ ካብ ውሽጢ ሃገር ክኸውን ኣለዎ ዝብል መርገጺ ዘለዎ ማሕበር ምዃኑ፡ ዳኒኤል ተኽላይ ብምኽንያት መበል 32 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት ይገልጽ።
ምስ ተቐማጢ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣቦ ወንበር ዋን ኔሽን ኣቶ ዳንኤል ተኽላይ ዝገበርናዮ ቃለ መሕተት ይስዕብ፤
ቢቢሲ፡ እቲ ሎም ዘበን ዝበዓል ዘሎ መበል 32 ዓመት በዓል ናጽነት፡ እታ ሃገር ምስ ዝሓለፈቶ መድረኻት ብምዝማድ ኣብ ከመይ ኵነታት እታ ሃገር እዩ ዝበዓል ዘሎ?
ዳኒኤል፤ ብሓቂ፡ እቶም ቅድሚ ናጽነት ዘርከብና፡ እቲ ናጽነት ክትመጽእ ንብህጐ ዝነበርና ዘዘካኽር ነገር ኣሎ፣ ብኣይ ወገን፡ ሕጂ’ውን በቲ ጽቡቕ መንፈሱ ክርእዮ እንከለኹ፡ ኣብ ዝሓለፈ 32 ዓመታት ብዙሕ ሓርጐጽጎጽ ዘሕለፈት ሃገር ስለዝዀነት፡ ንዅሉ ብዘየገድስ እቲ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ኣበዓዕላ ብጣዕሚ ዝገርም’ዩ፡ ነቶም ኤርትራውያን ዘይኰኑ’ውን ይገርሞም ይኸውን’ዩ።
ዋላ እቲ በቲ መንግስቲ ዝተሓጐሰ ይዅን ዘይተሓጐሰ ኣብ ሃገር መጺእካ ብዘደንቕ ኣገባብ’ዩ ዘብዕሎ ዘሎ።
እዚ ክብሃል እንከሎ ኵሉ 100 ካብ 100 ነዚ ይገብር ኣሎ ማለት ኣይኰነን፤ እቲ ኣብ ስደት ኰይኑ ድዩ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ኣገባብ ኣበዓዕላ ኣብ ካልእ ሃገር ከምኡ ዘሎ ኣይመስለንን። እቲ ሃገራዊ ፍቕሪን እቲ ሃገራዊ ስኒትን ኣብ ቦታኡ ዘሎ ኰይኑ ይስምዓኒ።
ቢቢሲ፤ ኣብ 1991 ኴንካ ብዛዕባ ናጽነት ዝነበረካ ባህጊን ምስዚ ሕጂ ኤርትራ ዘላቶ ክውንነት ከመይ ተዛምዶ?
ዳኒኤል፤ እቲ ትምኒትናን እቲ ክውንነትን ኣዓርዩ ስለዝፈላለ ሕጽር ብዝበለ እቲ ዝሓሰብናየ ኣይበጻሕናዮን። ግን እዚ ኵሉ ሓሊፉ’ውን ካብዚ ዝገድድ’ውን ክኸውን ይኽእል ስለዝነበረ፡ ሓንሳብ ሓንሳብ’ውን እቲ ልኡላውነትና ከይጠፍእ፣ እቲ ህዝብና’ውን ካብዚ ዘለዎ ብዝገደደ ፋሕፋሕ ከይብል፡ እንቋዕ ከብዚ ዝገድድ ኣይመጽእ ትብል ኢኻ።
ናይ ብሓቂ ድሕሪ ሳላሳ ዓመት ኵሉ ሰብ ማዕረ ኰይኑ፡ ማዕረ ዘተንፍሰላ ማዕረ ዝረግጸላ ተኣማሚኑ ብሕጊን ብስርዓትን ዝኸደላ ሃገር ክትኰነልና ናይ ኵላትና ትምኒት’ዩ ነይሩ።
ካባይ ጀሚርካ ካልኦት ከምዚ ከማይን እቶም ክእርሙን ከዐርዩን ዝደልዩ ከም ጸላእቲ ተቘጺሮም ብዙሕ ዘይተደልየ ጽልእን ቅርሕንትን ሓሊፉ’ዩ።
ምስቲ ጂኦፖለቲካዊ ኵነታት ናይቲ ዞባ፡ ምስ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሕንፍጽፍጽ ኢሉ ዋላ ነቲ ክእርምን ክቃወምን ዝጸንሐ ብዙሕ ዝጐጃጅሎ ነገራት ሓሊፉ’ዩ።
በቲ ሕማቕ መንፈስዶ ክንብሎ ዘይትዕድልቲ ብዙሕ ዘጕሂ ነገራት ኣለና፤ ብኻልእ ወገን ክንርዮ እንከለና ከኣ ዋላ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመት ዝተወለደ ወለዶ ክንርእዮ እንከለና፡ እቲ ዘለዎ ሃገራዊ ፍቕሪን ስኒትን ምስ ካልእ ጐረባብትና ኣወዳዲርካ ሱዳን ኢትዮጵያን ሶማልያን ከም ኣብነት፡ ኤርትራ ንእሽተይን ብዙሕ ሽግርን ዘለዋ ሃገር ደኣ ትዅን’ምበር ንብድሕሪ ሕጂ መበገሲ ዝኸውን ብዙሕ ጽቡቕ ነገር ኣለዋ ዝብል ርእይቶ ኣለኒ።
ቢቢሲ፤ ምስዚ ትእምቶ ዘለካ ብምትሕሓዝ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ምስ ምብዓል መዓልቲ ናጽነት ተኣሳሲሩ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ብዙሕ ዘረባታትን ምምቕቓል ይስማዕ እዩ’ሞ፡ ንስኻ ኣብቲ ምንቅስቓሳት ብንጡፍ ከምዘለኻ ሰብ መጠን ብኸመይ ትገልጾ?
ዳኒኤል፤ ምምቕቓል እንተኢልናዮ’ኳ ዓቢ ስለዝዀነ ዘይክውክሎ ይኽእል’ዩ፤ ሰድያ ምስንዳውን ካልእ ይርአ’ዩ ግን ነቲ ቍጽሪ ብሚእታዊት እንተርኢናዮ ኣዝዩ ውሑድ’ዩ በሃላይ’የ። ግን ውሑድ’ዩ ኢልካ ስቕ ዝበሃል ከኣ ኣይኰነን፣ ካብቲ ክንሰርሓሉ ዘለና ዘሕዝነኒ ነገራት እቲ ተጐጃጂልካ ዝግበር ምቅሕሓር’ዩ።
ዘይሩ ዘይሩ ነቲ ሓላፍነት ክሽከሞ ዝግባኦ እቲ ኣብ ስልጣን፡ እቲ ኣብ መንግስቲ ዘሎ መሪሕነት’ዩ።
ግን ከም ህዝቢ ከኣ ሓደ ሓደ ነገራት ይተርፈና ምህላዉ የሰክፈካ’ዩ።
ንኣብነት ኣነ ኣብ ኦክላንድ ካሊፎርንያ’የ ኣብቲ በዓል ተሳቲፈ። ኣብቲ ጽንብል 1000 ዝኸውን ሰብ’ዩ ተሳቲፉ፡ ካብ ቈልዓ ሰበይቲ ጀሚርካ ዓበይቲ መንእሰያት ኵሉ ዝነበሮ ጽንብል’ዩ ነይሩ። ኵሉ እቲ ጽንብል ከኣ ብሰላም’ዩ ተኻይዱ። ኣብ ኵሉ ከተማታት እንተርኢናዮ ከኣ 99 ካብ ሜቲ ብሰላም’ዩ ዘሕልፎ ዘሎ እየ ዝብል።
ኵሉ ግዜ ምሉእ ስለዘይኰነ ንምንታይ 100 ሚእታዊት ብጽቡቕ ዘይጽንብሎ ክንብል ግን ግድነት’ዩ።
ቢቢሲ፤ ኤርትራ ካብ እትልለየሉ ሓደ ንሃገራውያን በዓላት እትህቦ ድምቀት እዩ፤ ነዚ ምስቲ ሕብረተሰባት ንጽንብላቶምን ሓባራዊ ክብሪታቶምን ምኽባርን ምድማቕን ዘለዎ ኣገዳስነት ኣዛሚድካ ረብሓኡ እንታይ እዩ ትብል?
ዳኒኤል፤ ናይ ብሓቂ ዓቢ ተራ’ዩ ዘለዎ፣ ዋላ ደኣ ብዓመት ክንቆጽሮ እንከለና 30 ዓመት 32 ዓመት ንበል’ምበር ከም ሃገር ንእሽተይ ታተ ትብል ዘላ ሃገር’ያ።
እዚ ጽንብላትን ሃገራዊ ክብሪታን ምኽባርን ምድማቕን ኣብ ህንጸት ሃገር ወይ Nation Building ዓቢ ተራ’ዩ ዘለዎ።
ሓደ ሓደ ግዜ ብደገ ኰይኑ ንዝዕዘበና ናብ ዕሽነት ዝኸደ ዝምስል ኣበዓዕላ’ውን ይህልዎ’ዩ፤ ግን እቲ ዘሐጕስ ኣብ ንሓድሕድካ ፍቕርን ክብርታትን ንምፍጣር’ምበር ካብ ሰብና ንበልጽ ኢና ንምባል ዝብዓል ኣይኰነን።
ንኣብነት ሃገራዊ መዝሙር፣ ‘ኣብ ዓለም ጨቢጣቶ ግቡእ ክብራ’ ዝብል ሓረግ ኣለዎ። እዚ ቅድሚ ናጽነት ‘ኣብ ዓለም ንኽትረክብ ግቡእ ክብራ’ እዩ ዝብል ነይሩ፤ ስለዚ ማዕረ ኴንና ከም ዓለምና እዚ ከኣ ዘየሐብን ኣይኰነን።
ኣብ ሃይማኖታዊ በዓላትና እንተርኢኻ’ውን ብተመሳሳሊ ሓድነት ኣብ ምድልዳል፡ ፍቕሪ ሃገርን ፍቕሪ ባህልን ኣብ ምስራጽ ዓቢ ግደ’ዩ ዘለዎ። ንዘልኣለም’ውን ክቕጽል ዝግባኦ’ዩ።
እንተዀነ ከምዚ ‘ሳዕስዕሞ ሳዕስዕ ስራሕካ ኣይትረስዕ’ ዝበሃል ካብቲ ካልእ ዝተረፍናሉ ብቝጠባ ድዩ፡ ብሕልፊ ብሕልፊ ብዘይቅዋም ምኻድን መሰል ሰብ ዘይምኽባርን ከረሳስዓና የብሉን።
ሕጽር ብዝበለ ብዛዕባ ሃገሩ፡ ባንዴራኡን ህዝቡን ፍቕሪ ዘለዎ ሰብ ዘይሩ ዘይሩ ብዛዕባ መሰላቱ ምሕሳቡን ምሕታቱን ኣይተርፎን’ዩ። ወይ ድላዮም ግበረሎም ወይ ዓዶም ግደፈሎም ኢሉ ንዅሉ ነገር ዝጥንጥን ወለዶ እንተተፈጢሩ ግን እታ ሃገር ንዘልኣለም ትጠፍእ ኣላ ማለት’ዩ። ስለዚ ምስ ኵነታትና ኣተሓሒዝካ እቲ ሃገራውነት ሓፍ ምባሉ ነቲ ዘለና ሕማም ፈውሲ ይዀኖ’ዩ በሃላይ’የ።
ቢቢሲ፤ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት ንዋን ኔሽን ክትምስርቱ እንከለኹም፡ ብዘይጐነጻዊ ቃልሲ ለውጢ ምምጻእ ዝብል ሓሳብ’ዩ ነይርኩም፡ ኣብዚ ሽዱሽተ ዓመት እቲ ሓሳብ ኣዐዊትኩምዶ? ክሳብ ክንደይ ሰጒምኩም ኣለኹም?
ዳኒኤል፤ ካብቲ ሓደ ትምኒትና ዝነበረ፡ እቲ ምትእኽካብን ነቲ ሓሳብ ብዙሕ ሰብ ከምዝዓስሎን ምግባር’ዩ። ምኽንያቱ ናብታ ምጕናጽን ደም ምፍሳስን እንተኣቲና ንበይንና ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ከነካይድ ንብሎ የለን ማለት’ዩ፤ ስለዚ ኵነታት ኣገዲዱ ክኸውን ይኽእል ወይ’ውን ዕድል ጌርና ክኸውን ይኽእል ኵሉ እቲ ለውጢ ከምጽእ ዝሓስብ ዘሎ ብሰለማዊ መገዲ ኣእሚኑ ክረትዕ’ዩ ዝፍትን ዘሎ።
ዋላ እቲ ዕድል እንተረኺበስ ካልእ’ውን ምገበርኩ ዝብል’ውን እንተዀነ ኣብታ ዘይጐነጻዊት ቃልሲ’ዩ ዘሎ።
ስለዚ ይመልኣዮ’ዩ ዘብል ምኽንያቱ ብኣኣ ጥራይ ለውጢ ክምጽእ ከምዝኽእል’ዩ እቲ እምነትና።
ቢቢሲ፤ ነዚ 24 ግንቦት ንስኻ ኣብ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ብጽበቕ ተብዕሎ ከምዘለኻ ዝሕብር ጽሑፍ ብስእሊ ኣሰኒኻ ኣዛራቢ ኰይኑ ቀንዩ። ስለምንታይ እዩ ትብል?
ዳኒኤል፤ [ስሓቅ] እቲ ዝዕዘብ ዘሎ’ዩ ዝጋገ ዘሎ ምኽንያቱ ናይ ቀረባ መሳርሕትኻ ክበሃል እንከሎ፡ ተረዳዲእካ እንታይ ክትገብር ከምዘለካ ተዘራሪብካ ብዕላማ ስለእትገብሮ ጸገም የብሉን። ነቲ መስኪናይ ዝዕዘብ ዘሎ ግን እንታይ’ዩ ዝመስሎ መስለካ፡ ደምበ ተቓውሞ ክብሃል እንከሎ ኣብ ሓደ ማሕበር ዝተጠርነፈ ኣብ ሓደ ምትእክኻብ ዘሎ፡ ሓደ ኣሳጕማ ዘለዎ’ዩ ዝመስሎ።
እቲ ደምበ ተቓውሞ ሓደ ሉዝ [ልሕሉሕ] ዝዀነ ሽም’ዩ። ዝዀነ ሰብ ዓው ኢሉ ተቓውሞኡ ዝጽሕፍን ዝዛረብን ኣካል ደምበ ተቓውሞ’ዩ እዩ ዝበሃል። እዚ ሕጂ ባዕሉ ወዲ ጋንታኡ ዝገበረካ ሰብ ግን ተኣኪብካ ምስኡ ኴንካ ትውስኖ የለ፣ ናይ ቃልሲ ኣገባብ የለ፣ ስለዚ ምስ ማሕበርካን መቓልስትኻን ኴንካ ዝወሰንዎ ነገር ክፈልጥ ኣይክእልን’ዩ።
ሕማቕ ትዕድልቲ ድዩ ኰይኑ፡ ኣይፈልጥን። ብዙሕ ክንሰርሓሉ ዘለና እታ ናይ ዋን ኔሽን ዘይጐነጻዊ ቃልሲ እትብል ሓሳብ ንብዙሓት ኣይትውሓጠሎምን እያ። ሕጂ ካብቲ ሓደ ብግብሪ ንሰርሖ ኬድካ ተቐራሪብካ ተረዳዲእካ’ዩ ካብ ተባህለ፡ ንሕና’ውን ንብዙሕ ዓመታት ኣይገበርናዮን።
እቲ ንጠልቦን ንቓወሞን ኣብ ቦታኡ ኣሎ፡ ብዛዕባ ሃገር፡ ብዛዕባ ባንዴራን ሃገራዊ በዓልን ክኸውን እንከሎ ግን ምስቶም ኣሕዋትና ኴንና ዘይነብዕለሉ ኣብነት የለን ኢልና ካብ ምሕሳብ ዝወሰድክዎ ስጕምቲ’ዩ።
ኣነ ንንውሕ ዝበለ ስለዝጸናሕኩን ኣብ መሪሕነትን ስለዘለኹ’ዩ ካብ ካልኦት ጉልሕ ኢሉ ናተይ ወጺኡ። እዚ ከኣ ነቲ ሓሪቝ ዝጸንሐ ከምዚ ናይ ኖርወይ ሰድያ ክድርብዩ ዝርኣናዮም ከምዚ ኢድካ ምሃብ ኰይኑ ክስምዖም ይኽእል እዩ።
ነዚ በዓል ናጽነት ብጌጋ ኣጠማምታ ኣክንዲ በዓል ናጽነት ናይ ኤርትራ ዝብልዎ ዳስ ናይ ህግደፍ ዳስ ናይ ኢሳይያስ ክብልዎ ይስማዕ’ዩ፤ እዚ ካብቲ ዘድልዮ ንላዕሊ ተመጢጡ የዛርበና ኣሎ።
ቢቢሲ፤ እሞ ኣብቲ ትቃወሞን ለውጢ ክግበር ኣለዎን እትብሎ መንግስቲ ዝወደቦ ጽንብል ምኻድ ኣፍልጦ ምሃብ ዶ ኣይከውንን? ነቲ ቃልሲን ይዅን ውድብኩም ተኣማንነት ዶ ኣየጕድለሉን? ብኡ መንጽር ድማ ነቲ ዓቢይ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስኩም ኣብ ሓደጋ ኣየእትዎን?
ዳኒኤል፤ እቲ መብዛሕትኡ ዝግበር ሃገራዊ በዓላት ብመንግስቲ ወይ’ውን በቶም ንመንግስቲ ዝድግፉ ዝተወደበ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ዝዀነ ይዅን ግን ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ደንበ ተቓውሞ ወይ ደለይቲ ፍትሒ እንብሎ ብዓቢኡ፡ ብዙሕ ምምቕቓል ገይሩ’ሎ። ንሱ ኸኣ እቲ ኣብ ፖለቲካ ዘይተርፍ ምፍልላይ ጥራይ ዘይኰነስ ክሳብ ነታ ናጽነት ኤርትራ’ውን ዘይኣምኑላ ወገናት ኣለዉ። ነቲ ኤርትራዊ መንነት’ውን ንነብሶም ከም ካልኦት ከም ተጋሩ ገይሮም ዝርእዩ፡ ኣካል እዚ ደለይቲ ፍትሒ ኢና ዝብሉ’ውን ኣለዉ። ዘይሩ ዘይሩ ግን ኣየናይ ይቀራረብ እንተኢልና፡ እቲ ለውጢ ብሃገራዊ መንፈስ ዝደልን፣ ብሃገራዊ መንፈስ ዝድግፍን ዘለዎ ምቅርራብ ይበዝሕ። ብኻልእ መገዲ መዳምቕቲ ኴንና ንሕግዞ ኣለና ክበሃል ይኽእል’ዩ፤ ግን ብጠመተ ሃገራዊ ድሕነት እንተርኢናዮ፡ ንሓዋሩ እንታይ ኢና ነፍሪ ዘለና፣ ክንፈጥሮ እንኽእል ርግኣትን ምርድዳእን ቅድሚ ለውጢ ይዅን ክንዮ ለውጢ፡ ብምርኣይ ኣየናይ ምርጫ ምውሳድ ይሓይሽ ብዝብል ኢና ነቲ ረብሓኡ ኣብ ግምት ብምእታው ነዚ ስጕምቲ’ዚ ክንወስድ ወሲንና።
ቢቢሲ፤ ኣብዚ መዳይ፡ ዋን ኔሽን ከም ሓደ ምንቅስቓስ ምስ ንዕኡ ዝመስሉ ምንቅስቓሳትን ተቓወምቲ ውድባትን ተወሃሂዱ ጽንብል በዓል ናጽነት አሞ ዘይውድብ ካብቲ ዝጽንበር ንዝብልከ?
ዳኒኤል፤ ቅድሚ ሕጂ ጽንብል በዓል ናጽነት ይዅን ካልእ ሃገራዊ በዓላት ከም መዓልቲ ስውኣት፡ ምጅማር ብረታዊ ቓልሲን ካልኦትን ናይ ተቓወምቲ ወይ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ተባሂሉ ይግበር ነይሩ እዩ፤ ዘይተገብረ ኣይኰነን። እንተዀነ ኣብዚ ዘለናዮ ተኣፋፊ እዋን ብሕልፊ ኣብዚ ኢትዮጲያን ከባቢናን ዝግበር ዘሎ፡ ብዙሕ ንኤርትራ’ውን ክተናኽፍ ዝኽእል፡ ነቲ ሕብረተሰብ’ውን ደጋፍን ተቓዋምን እናበልካ ክመቓቕልን ብዙሕ ሃስያ ከውርድ ዝኽእል ኣተሓሳስባታት ኣሎ፤ ሕብረተሰብና ድማ ከምዘን ጐረባብትና ተመቓቒሉ ነቲ ድሕሪ ለውጢ ንኣትዎ መድረኽ ምምቕቓል ከብዝሓሉ እዩ ብዝብል ሃስያኡ ከም ዝበዝሕ ስለዘተራእየ። ስለዚ፡ ኣብዚ ሓድሽ መደረኽ ክንብሎ ንኽእል እቲ ኣነ እየ ደላዪ ፍትሒ ካልኦት ግን ኣይደልዩን እዮም ኢልካ ምውንጃል ምፍልላይ ዘግፍሕ እምበር ነቲ ትደልዮ ለውጢ ዘምጽእ ስለዘይኰነ እቲ ዝሓሸ ተቐራሪብካን ተረዳዲእካን ብዓቢኡ ንሃገራዊ ድሕነትን ረብሓን ብዘቐድም መንፈስ ክንሰርሕ ይግባእ።
ቢቢሲ፤ ኤርትራ ናጽነት ካብ እትረክብ 32 ዓመታት ገይራ ኣላ፡ ሃገርካ ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ከመይ ክትርእያ ትምነ? ናብኡ ንምብጻሕከ እንታይ ክግበር ኣለዎ ትብል?
ዳኒኤል፤ እዚ ዝመጽእ 30 ዓመታት ካብዚ ንላዕሊ ክጥዕመና ኢና ንደሊ’ሞ፡ ግን ኣብ ኣገዳስን ቀራና መንገዲ ዘለና ኰይኑ ከኣ ይስምዓኒ።
በዚ ኢሉ በቲ እቶም ሰለይ እናበልና ጽቡቕ ኣለና ዝብሉ፡ እቶም ካብዚ ንላዕሊ ክዕረ ነይርዎ ዝብሉ፡ እቶም ብዙሕ ጌጋታትን ብዙሕ በደላትን ነይሩ’ዩ ንብል፡ እቶም ነዚ ገድሊ ኣጋዲሎም ተጋዲሎም ናጽነት ኣምጺኦም ክሳብ ሕጂ’ውን ዓቂቦም በታ ዓቕሞም ክመርሑ ዝጸንሑ ንፍተዎም ንጽልኣዮም ይኣርጉ’ዮም ዘለዉ፤ ዓለም ከኣ ከምኡ’ዩ።
ስለዚ እቲ መሪሕነት ፈትዩ ጸሊኡ ናብቲ ዝመጽእ ዘሎ ወለዶ ምስግጋር ክገብር ኣለዎ። ንዝመጽእ ዓመታት፡ ኣብዚ ሕጂ ነታ ሃገር ደው ኣቢልዋ ዘሎን ንኻልኦት ሃገራት ከኣ ከም ኣብነት ዝውሰድ ጸጽቡቝ ክንወርሶ፡ ነቲ ሓሕማቝ ከኣ ኣሊና፡ እቲ ኣብ መንጎ ዘሎ ናተይ ወለዶን እቲ ንእሽተይ ወለዶን ካብዚ ኵሉ ተማሂሩ ብሰለማዊ መንገዲ እናተረዳድአ ካብ ውግእን ወረ ውግእን ከልግስ እንተድኣ ክኢሉ ብጣዕሚ ጽቡቕ መጻኢ’ዩ ዘለዋ እዛ ሃገር።
ቢቢሲ፤ ዋን ኔሽን ለውጢ ብሰላማዊ ኣገባብ ከምዝመጽእ ኣሚንኩም ትሰርሑ ከምዘለኹም ክትሕብረኒ ጸኒሕካ’ሞ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዕድል እንተዝርከብ እንታይ ክልውጥ ምሓተትካዮ?
ዳኒኤል፤ ቅድሚ ሕጂ ናብ ኢሳይያስ ክፉት ደብዳበ ብምባል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብተደጋጋሚ ይጽሕፍ ነይረ’የ።
ሓንቲ ክሓቶ ዝደልዮ ነገር ኣብዛ ስዓት እዚኣ፡ እቲ ንደልዮ ጐነጻዊ ዘይኰነ ምስግጋር፡ ናብቲ ዝምጽእ ዘሎ ወለዶ ጸጽቡቕ ኣብ ምሕላፍን ካልእን ኵሉ ኣብ ኢዱ’ዩ ዘሎ። ነዚ ከይገበረ ክሓልፍ ይደሊ’ዩ ዝብል እምነት ከኣ የብለይን። ስለዚ ኵሎም ሚኒስተራት ኣቦሓጐታት ኣብ ዝዀኑሉ እዋን ስልጣን ብሰለም ንምስግጋር ዘለዎ ውጥን እንታይ’ዩ ኢለ ክሓቶ ምደለኹ።
ካልእ ጉዳይ እሱራት’ዩ፤ ንዓሰርተታ ዓመታት ብዘይ ፍርዲ ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታትን መቃልስቱ ዝነበሩን ብዘይፍርዲ ተሓይሮም ኣለዉ፤ ኣብ ካልእ ዝርዝር ከይኣተና ኣብዛ ሰዓት እቶም ዘለዉ እንተተፈትሑስ መን’ዩ ክህሰ? ምፍትሖም ዘምጽኦ ሓጐስ ግን ካብ ንስድራኦም ጀሚርካ ብዙሕ’ዩ።
ካልእ’ውን ኣማኢት ሕቶ ኣሎ ግን በዚአን ምጀመርኩ።
ቢቢሲ፤ የቐንየልና!