እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ብትግርኛ ቴክኖሎጂ ንምምላኽ ክከኣል ኢና ንሰርሕ ዘለና’ ፊልሞን ሓጐስ
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቋንቋ ትግርኛ ናብ መተርጎሚ ጉግል ንምእታው ዝተኻየደ ዓቢይን ኣገዳስን ዕማም፡ ብዝዀነ ቋንቋ ዝተጸሓፈ ጽሑፍ ናብ ትግርኛ ምትርጓም ኣዝዩ ቀሊል ገይርዎ ይርከብ።
ቋንቋ ትግርኛ ብመስርሕ ቴክኖሎጂ ናብ ዝዀነ ካልእ ቋንቋ ክትርጐም ምኽኣሉ፡ ብትግርኛ ዝተጽሓፈ ጽሑፍ ናብ ኵሉ ክባጻሕን፡ ብኻልእ ቋንቋ ዝተጸሓፈ ጽሑፍ ከኣ ብትግርኛ ንምርድኡን ስለዘኽእል ዓቢይ ዝላ እዩ።
ሕጂ ከኣ ኣብ 2010 ኣብ ማይነፍሒ ብዓውዲ ኮምፒዩተር ሳይነስ ዝተመረቐ ፊልሞን ሓጐስ ምስ ብጾቱ ኮኾብ ጐይትኦም፡ ኣዶናይ ሰለሙን፡ ስቴላ መሓሪ፡ ፍሊጶስ ሃይለሚኪኤልን ኣብርሃም ነጋሽን ብምዃን ካብ 2017 ጀሚሮም ንቋንቋታት ትግርኛ፡ ትግረን ብሌንን፡ ኣብ መዳይ ቴክኖሎጂ ደረጃኡ ዘበርኽ ‘መኣዲ ትርጕም’ ዝሰመይዎ ‘ትርጕም ቃላት ቴክኖሎጂ ቋንቋታት ኤርትራ’ ኣብ ምስራሕ ይርከቡ።
ኣብ ፈይስቡክ እንተኣቲና ንኣብነት፡ ኣብ setting [ሰቲን] ኣቲና ነቲ ቋንቋ ናብ ዝተፈላላየ ክንልውጦ ንኽእል፤ ስዋሂሊ፡ ዓረብ፡ ፈረንሳ፡ ስጳኛ፡ ኣምሓርኛን ካልእን።
ኣብዚ ዝርዝር ትግርኛ ዝብል ግን የለን። ሓደ ቋንቋ ናብ ከምዚ ዓይነት ዝርዝር ንኽኣቱ እንታይ’ዩ ዘድልዮ?
ፊልሞን ሓጐስ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት፡ ተመሃራይ እንከሎ ብትግርኛ ትሰርሕ ካላንደር - ዓውደ-ኣዋርሕ ግእዝ ሰሪሑ ከምዝነበረ ብምሕባር፡ “ ቋንቋን ቴክኖሎጅን ኣብ ምትእስሳሮም ድሌታት ጸኒሑኒ’ዩ” ይብል።
ፊልሞን፡ 2017 ኣብ ዩኒቨርስቲ ሳንታ ክላራ [ካሊፎርንያ] ብኣብርሃም ነጋሽ ቋንቋ ትግርኛ ንምምዕባል ዝዓለመ ኮንፈረንስ ኣብ ዝተኻየደሉ፡ ቴክኖሎጅን ቋንቋን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ መደብ ከዳሉ ተዓዲሙ ነይሩ።
“ኣነ ሓሳበይ ቋንቋና ከመይ ገይርና ምስ ቴክኖሎጂ ነተኣሳስሮ’ዩ፡ ምኽንያቱ ሎሚ መጽሓፍ ብምጽሓፍ ጥራይ ቋንቋ ከተሀብትሞ ኣይትክእልን ኢኻ፣ እንታይ ደኣ ማዕረ ማዕረኡ ብቴክኖሎጂ ከተሰጕሞ ክትክእል ኣለካ፡” ይብል።
ፊልሞን ኣስዒቡ፡ “ሓደ ካብቲ ክግብሮ ዝኽእል ከኣ ቋንቋ ትግርኛ ከመይ ጌርካ ኣብ መተግበሪታት ከምኡ ከኣ ኣብ ኦፖረይቲን ሲስተም ነእትዎ ዝብል’ዩ፤ ሕጂውን ብትግርኛ ስለዘይብልና’የ ‘ኦፐረይቲን ሲስትም’ ዝብል ቃል ዝጥቀም ዘለኹ”ይብል።
ብኣብነት ከሰንዮ እንከሎ ኸኣ “ዎርድ ፕረስ መስርሒ ዌብሳይት ክትጥቀመሉ እንከለኻ፡ ኵሉ ቋንቋታት ይጸንሓካ’ዩ፤ ትግርኛ ግን ኣብኡ የለን። እዚ ኸኣ ሓንቲ ሃገር ነዚ ዝገብሩ ተመራመርቲ ኣቚማ እያ ትገብሮ፣ ኣብ ዓድና ግን ነዚ ዝሓስብ ኣካል’ውን የለን ካብ ምባል ኢና፡ ባዕልና ኣበጊስናዮ” ይብል።
ንግዚኡ ነቶም ፊደላት ግእዝ ዝጥቀሙ ቋንቋታት ትግርኛ፡ ትግረን ብሌንን ከም መበገሲ ወሲዶም 3000 ቃላት ዝሓዘት ሓንቲ ዌብሳይት ከምዘዳለዉ ዝሕብር ፊሊሞን፡ ነቶም ኵሎም ኣብ መተግበሪ ይዅን ዌብሳይት ንምስራሕ ልሙዳት ዝዀኑ ቃላት ናብ ትግርኛ፡ ትግረን ብሌንን ንምትርጓሞም ክኢላታት ቋንቋን ኵሉ ግዱስን ብወፈራ ንኽመልኦ ዕድሚኡ ኣቕሪቡ።
“ብትግርኛ ዝጥቀም ዌብሳይት ቢቢሲ ትግርኛ ጥራይ’ዩ ዘሎ፡ እዚ ከኣ እቲ ትካል ብናቱ ጻዕሪ ባዕሉ ዝገበሮ’ምበር ዝተነጸፈሉ ባይታ የለን” ብምባል፡ “ እታ ብእንዳ ዜና ትውነን ሻባይት እንተርኢና’ውን እቲ ዓምድታት’ዩ ብትግርኛ ዝዳሎ’ምበር እቲ ዌብሳይት ብእንግሊዝ’ዩ ተዳልዩ ዘሎ” ይብል።
ፊልሞን ኣተሓሒዙ፡ “ስለዚ ነዚ ሃጓፍ እዚ ንምምላእ ኢና ስራሕ ጀሚርና፡ ኣብዚ ከኣ ባዕለይ ውሳነ ክህብ ኣይመረጽኩን፣ ነቲ ቴክኖሎጂያዊ ቃል ኣዳልየ ብትግርኛ፡ ትግረን ብሌንን እንታይ እንተበልናዮ ይሓይሽ ኢለ ንክኢላታት ቋንቋን ካልኦት ግዱሳትን ክፉት ገዲፈዮ ኣለኹ፣ ምክንያቱ ኣነ ናይ ቴክኒክ ክኢላ’ምበር ናይ ቋንቋ ክኢላ ኣይኰንኩን።”
“ . . . ካብዚ ብምብጋስ እታ መርበብ ኣዳሊናያ፤ ሰብ ከኣ ኣብ ዘለዎ ኰይኑ ብፍትሓዊ መገዲ ንኽመልኦ ብዝጥዕም መልክዕ ኣዳሊናዮ። ነዚ ንምግባር ወፈራ ስለዘድሊ ኢና ወፈራ ኢልናዮ። ኣብ መወዳእታ እቶም ክኢላታት ቋንቋን ዝዀነ ተሳታፋይን ድምጾም ምስ ሃቡ እታ ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸበት ቃል ነታ ናይ ኢንግሊዘኛ ናይ ቴክኖሎጂ ቋንቋ ከም እትውክል ክግበር’ዩ” ይብል ፊልሞን።
ቃላት ቴክኖሎጂ ትግርኛ፡ ትግረን ብሌንን ትርጕም ምንዳይ ንእንግሊዘኛ ንዮ በልዎ ምባል ከምዘይኰነ ብምሕባር፡ “ኣባና ቴክኖሎጂ ንምኽኣል ቋንቋ እንግሊዝ ግድን ክፈልጥ ዝግደድ ዘሎ ሰብ፡ ብቋንቋ ኣደኡ ምስ ቴክኖሎጂ ንኽላለ ባይታ ንፈጥርሉ ኣለና፡ ቴክኖሎጂ ምኽኣልን ቋንቋ ምኽኣልን ክልተ በበይኑ ኣርእስቲ’ዩ” ብምባል ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ከምዝዀነ ይሕብር።
“ቋንቋ እንተኽኢልካ ጽቡቕ ቴክኖሎጂ ንኽትፈልጥን ግን ቋንቋ እንግሊዘኛ ክትክእል ኣለካ ዝብል ክህሉ የብሉን፤ ዓባየይ ትግርኛ ክትጽሕፍን ከተንብብ እንተኽኢላ ቴክኖሎጂ ንኽትፈልጥ ይኣኽላ’ዩ፤ እዚ’ዩ እቲ ሓሳብ።”
ፊሊሞን "ኣብ ወርሒ ነሓሰ መዛዘሚ ቀዳማይ ምዕራፍ ናይ ምትርጓም ክንገብር ስለዝኾንና ከኣ ኩሎም ክኢላታት ናይ ሰለስቲኡ ቋንቋታትን ካልኦት ግዱሳትን ነዚ ሰለስቲኡ ቋንቋታት ናብ ሓደ ደረጃ ንምብራኽ ኢደይ ኢድካ ክብሉ" ጻውዒቱ ኣቕሪቡ።
ፊልሞን ቋንቋ ትግርኛ ምስዚ ኵሉ ብልጫኡ ምስ ቴክኖሎጂ ኣብ ምትእስሳሩ ኣዚና ድሒርና ከምዘለና’ዩ ዝገልጽ፣ “ትግርኛ ነቲ ነድምጾ ኢና ንጽሕፍ፡ ኣብ እንግሊዝ እንተመጺኻ ግን ሓደ ዓይነት ኣደማምጻኡ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዝጽሓፍን ዝተፈላለየ ትርጕም ዘለዎን ብዙሕ ቃላት’ዩ ዘሎ፤ እዚ ኣብ ትግርኛ የለን፣ እዚ ግን ኣይመዝመዝናዮን” ይብል።
“ካልእ ኣብነት’ውን ክህብ ይኽእል’የ፣ ኣብ ኮምፒተር ንጥቐመሉ ‘ኪቦርድ’ ንትግርኛ ኢሉ ዝተዳለወ ኣይኰነን፤ ሓንቲ ፊደል ትግርኛ ንኽትጽሕፍ ሰለስት ፊደላት እንግሊዘኛ ኢና ንጥውቕ ንኣብነት ‘ሜ’ ንኽንጽሕፍ ‘mie’ ንጽሕፍ፡ ነዚ ዳግማይ ምምስራሕ ዘድልዮ ይመስለኒ፡ ነዚታት ዝምልከት’ውን መጽናዕቲ የካይድ ኣለኹ፡” ብምባል ክገብሮ ዝሕልን ነገራት ይእምት።
ፊልሞን ንሱን ብጾቱን ቋንቋ ትግርኛ ዘለዎ ብልጫ ብምርዳእ ምስ ቴክኖሎጂ ንምትእስሳሩ ኣብ 2017 ዝጀመርዎ ወፍሪ፡ እታ ዌብሳይት ብጽቡቕ ንኽትቅጽል ኮኾብ ጐይትኦም ዓቢ እጃም ከምዝነበሮ ብምግላጽ፡ ሕጂ ኣብታ መርበብ ሓበሬታ ካብ ዘሎ 3000 ቃላት ዳርጋ ኣብ ትግርኛ እቲ 95 ሚእታዊት ሓሓደ ግዜ ከምዝተተርጐመ፡ ኣብ ትግረን ብሌንን ግን ውሕድ ጥራይ ተሸፊኑ ከምዘሎ ብምግላጽ ክኢላታት እቲ ቋንቋን ኵሉ ሰብን ተሳትፎኡ ከዕዝዙ ጸዊዑ።
ዝዀነ ሰብ ነታ መርበብ ሓበሬታ ብኢመይል ከፊቱ ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ቃላት፡ ይኾንዎም’ዮም ዝበሎም ትርጕም ብትግርኛ፡ ብትግረ ከምኡ ከኣ ብብሌን ክህቦም ከምዝኽእል ዝሕብር ፊልሞን ኣብ መወዳእታ እታ ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸበት ብወግዒ ቅብልቲ ቃል ክትከውን ምዃና ሓቢሩ።
እዚ ንቴክኖሎጂያዊ ቃላት ትርጕም ንምርካብ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ንትግርኛ ናብ ጐግል ንምእታው ዝግበር ዝነበረ ዝፈልዮ እንታይ’ዩ ንዝብል ሕቶ ክምልስ እንከሎ፡ “ጐግል ነቲ ኣብ መዓልታዊ ንዛረቦን ንጽሕፎን’ዩ ዝትርጕመልና፣ እዚ ንሕና ንሰርሖ ዘለና ግን ቃላት ቴክኖሎጂ፡ ሓድሽ ቃል ንምፍጣር ወይ ነቲ ብእንግሊዝ ዘሎ ንምርዓሙን ወግዓውነት ንምልባስ’ዩ” ይብል።
ብኣብነት ከረድእ እንከሎ ከኣ፡ “ንኣብነት ዌብሳይት መርበብ ሓበሬታ ንብሎ መን’ዩ ከምኡ ከምእንብሎ ሓቢርና? ኣብዚ ቀረባ እዋን’ውን ማንዛ ትብል ቃል ንቨርችዋል ተኪኣታ ኣላ፤ ጽቡቕ! እቲ ካልእ ኣሽሓት ቃላት ከኣ ንዅሉ ዘሰማምዕ ንምሃዘሉ ኢና ንብል ዘለና።
ኣብ መወዳእታ፡ እተን ቃላት ንዅሉ ክፉታት ይዀና፡ ብድሕሪ’ዚ ዝዀነ መርበብ ሓበሬት፡ ሶፍትዌር፡ ኣፕሊኬሽን ሞባይል ክዳሎ እንከሎ ኣብቲ ሕርያ ናይ ቋንቋ ትግርኛ፡ ትግረን ብሌንን’ውን ይህሉ” ይብል።