እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካብ ጉግል ወጻኢ ብዛዕባ ዘለዉ ‘መአለሺ ሓበሬታ’ እንታይ ትፈልጡ?
ኣብ መዓልቲ ክንደይ ግዜ ‘ጉግል’ ትገብሩ? ጉግል ኣብ ነፍስወከፍ ሰከንድ 63 ሽሕ ሕቶታት ከምዝቐርበሉ ኣብ ገጹ ጽሒፉ ኣሎ።
ኣብ መዓልቲ ድማ ክሳብ 5.6 ቢልዮን ሕቶታት የአንግድ።
ንመብዛሕትና ካብ ትርጕም ቃላት ጀሚሩ፡ ብዛዕባ ዝዀነ ጉዳይ ‘ዘማኽረና’ ጉግል ካብ ዝኸውን ጸኒሑ እዩ።
ሰብ ሞያ ድሕነት ሓበሬታ ግን፡ ጉግል ሓበሬታ ክህበና እንከሎ ንሱ እውን ናትና መረዳእታታት ይወስድ እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም።
ናትና መንነት፡ እንታይ ከም እንፈቱን እንጸልእን፡ እንታይ ምስራሕ ከም እንፈቱ፡ ክንደይ ገንዘብ ክነውጽእ ከም እንኽእል፡ ናበይ ምኻድ ከም እነዘውትር ወዘተ ይምዝግብ እዩ።
ብዛዕባና ዝእክቦ ሓበሬታ ንናይ መወዓውዒ ትካላት ወይ ዝተፈላለዩ ምህርቲ ንዝሸጡ ትካላት ይሸጠሎም።
ጉግል፡ መልእኽቲ ዝመሓላለፈሉ ጂመይልን ዩትዩብን ሓዊሱ ብዅሎም ገጻቱ እዩ ሓበሬታ ዝእክብ።
እቲ ሓበሬታ፡ ተጠቀምቲ ኢንተርነት፡ ግዳያት ድልየቶም፡ ዓሌቶም፡ ዕድመኦም፡ ጾታኦምን ካልኦት መግለጺታት መንነቶምን ዒላማ ዝገበረ መወዓውዒ (targeted ad) ክዀኑ ይገብር እዩ ዝብል ሓደ ወቐሳ እዩ።
እቲ ካልኣይ ድማ እቲ መረዳእታታት ናብ ሳልሳይ ወገን ተሓላሊፉ ምስተወሃበ፡ እቶም ሰባት ኣበይ ከምዘለዉ፡ ምስ መን እንታይ ከም ዝተዘራረቡ፡ እንታይ ከም ዝሸመቱን ካልኦት መረዳእታታትን ብምስጢር ዝተሓዙ ዘይምዃኖም እዩ።
እቶም ወቐሳታት ግና ንጉግል ጥራሕ ዝምልከቱ ኣይኰኑን። ጉግል እቲ ቀንዲ መአለሺ ሓበሬታ ስለዝዀነ እምበር ካልኦት መአለሺታት ሓበሬታን (search engine) ወነንቲ ማሕበራዊ ሚድያን እውን ኣካል እቲ ወቐሳ እዮም።
ጉግል ምስ ሓለዋ ውልቃዊ መረዳእታ ተተሓሒዙ ዝቐርበሉ ነቐፌታ ስዒቡ ‘ዝሓሸ መማረጺ ኣለና’ ዝብሉ ካልኦት ኣቕረብቲ መአለሺ ሓበሬታ ናብ ዕዳጋ ኣትዮም እዮም። ንሳቶም ከ ማዕረ ክንደይ ይእመኑ? ዝብል ካልእ ሕቶ እዩ።
ኣብቲ ዘለናሉ ቅልጡፍ ናይ ሓበሬታ ዘበን፡ ውልቃዊ መረዳእታታት ክሳብ ክንደይ ምስጢራዊ ጌርካ ምክያድ ይከኣል? ዝብል ኣተሓታቲ እዩ። እንተወሓደ ግን ውልቃዊ መረዳእታታት ብዛዕባ ንዝተወሰነ እዋን እውን እንተዀነ ብዝሓሸ ዝዕቅቡ ካብ ጉግል ወጻኢ ዘለዉ መአለሺ ሓበሬታታት ክንርኢ ኢና።
መስራትን ዋና ኣካያዲ ስራሕን ኣይኮግ ጌትነት ኣሰፋ፡ ብዛዕባ ኣማራጺታት መአለሺ ሓበሬታት ክነግረና ሓቲትናዮ። እቲ ልዕሊ 200 ፕሮግራመራት ዘለዎ ትካል፡ ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ሰብሰርሖ ብልሕን (ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ) ተዛመድቲ ጽላታት ቴክኖሎጅን ክሰርሕ ጸኒሑ እዩ።
ጉግል ካባና እንታይ እዩ ዝደሊ?
ቅድሚ ጉግል ካልኦት መአለሺታት ሓበሬታ ነይሮም እዮም። ጉግል ምስመጽአ ግን ንዅሎም መአለሺታት ጠቕሊልዎም። ኣብዚ እዋን ብብዙሕ ቢልዮን ዝቝጸር ገንዘብ እዮም ዝረኽቡ።
ንምዃኑ ምስ ጉግል ዝወዳደር መአለሺ ሓበሬታ ኣሎዶ?
“ንኣብነት ማይክሮሶፍትን ቢንግን ፈቲኖም እዮም። ኰይኑ ግን ክንዲ ጉግል ዝኸውን ዛጊት ኣይተሰርሐን። ሕጂ'ውን ጉግል እዩ እቲ ዝዓበየ ብጽሒት ዕዳጋ ሒዙ ዘሎ” ይብል ጌትነት።
ጉግል ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት፡ ጸብጻባት፡ መጽናዕቲታት፡ ጥብቆታትን መብርሂታትን ይእክብ እዩ። እዞም ሓበሬታታት ካብ ነፍስወከፍ ገጽ ኣሊሽካ ምርካብ ከቢድ እዩ።
ስለዚ ጉግል ነዞም ትሕዝቶታት ብሓጸርቲ ቃላት ወይ ’ኢንዴክስ’ ኣቢሉ ንምጥቃም ብዝጥዕም የቕርብ።
ንሕና እውን ዝዀነ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ዝተፈላለዩ ገጻት እናዘርና ካብ ምድካም፡ ኵሎም መረዳእታታት ንምርካብ ናብ ጉግል ኢና እንኸይድ።
ጉግል ሓድሽ ዓሚል ኣብ ዝምዝግበሉ ንውሕ ዝበለ መምርሒ ኣጠቓቕማ የቕርብ እዩ። ብዙሕ ሰብ ግን ነቲ ዝርዝር ንምንባብ ግዜ ወይ ድልየት ስለዘይብሉ ‘እሰማማዕ እየ’ ኢሉ ይምዝገብ።
ብዙሓት፡ ጉግል ውልቃዊ መረዳእታታት ክወስድ ከምዝኽእል ክነግሮም ‘ዝዀነ ዝሓብኦ ሓበሬታ የለን’ ኢሎም ክምልሱ ይስምዑ።
እንተዀነ፡ ዕምቆት ናይቲ ዝእከብ ሓበሬታን ደሓር ብቐጥታ ይዅን ብተዘዋዋሪ ኣብ ልዕሊ ተጠቀምቲ ጸቕጢ ንምፍጣር ዝኸይድ ርሕቐትን ክርእዩ እንከለዉ ይስንብዱ።
ጉግል ፈቒድናሉ እዩ ሓበሬታና ዝወስድ። ናብ ቤት ፍርዲ ኬድና እንተኸሲስና'ውን ነቲ ‘እሰማማዕ እየ’ ዝበልናዮ ደንብን መምርሕን እዩ ዘቕርብ።
“ዝዀነ ብነጻ ኣገልግሎት ዝህብ ትካል ቴክኖሎጂ፡ ካብ መወዓውዒ እዩ ኣታዊ ዝረክብ። ውልቃዊ ሓበሬታ ሰባት ብበዝሒ ይእክቡ። እዚ ዘይተብላዕለዐ ሓበሬታ [ሮው ዳታ] ኰይኑ ይሽየጥ ወይ ንተጠቀምቲ ዒላማ ንዝገበረ ምውዕዋዕ ምህርቲታት ይውዕል። ጉግል ድማ ነዚ ክገብር ፈቒድናሉ ኢና” ክብል የረድእ ጌትነት።
ስራሕ ትካላት መአለሺ ሓበሬታ፡ መረዳእታታት ናብ ቅርሺ ምቕያር እዩ። ብቢልዮን ዶላር ናብ ዝቑጸር ገንዘብ እዩ ድማ።
ንዓና ኣገልግሎት ብነጻ ዝህቡና ‘ሕያዎት’ ኰይኖም ዘይኰነስ፡ እቲ ካባና ዝረኽብዎ ሓበሬታ ብብዙሕ ዕጽፊ ትርፊ ስለዝርከቦ እዩ።
“ጉግል ዳታታትና ከመይ ከምዝጥቀመሉ ቀዲሙ እዩ ዝገልጸልና። ነዊሕ ጽሑፍ እዩ። ብዙሕ ግዜ ኣይነንብቦን። በቲ ፖሊሲ ዘይተሰማምዐ ሰብ ክኣቱ ኣይፈቕደሉን” ይብል ጌትነት።
ካብ ጉግል ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ ኣሎ ዶ?
ጌትነት ከምዝብሎ፡ ጉግል መረዳእታታትና ከይረኽቦም ክንሓብኦም ንኽእል ኢና። እዚ ማለት ግን ጉግል ዝህበና መጠን ሓበሬታ ክግድብ እዩ ማለት እዩ።
ንኣብነት ኣብ ክሮም ሽምናን ኣድራሻናን ኣመዝጊብና (ሳይን ኢን ጌርና) እንረኽቦ ሓበሬታን ከይተመዝገብና እንረኽቦን ዝተፈላለየ እዩ።
መንነትና ኣብ እንጥቀመሉ ካብቲ ቅድም ክብል ዘካየድናዮ ኣለሻ ሓበሬታታት ተላዒሉ፡ ጉግል ተዛመድቲ ሓበሬታታት የምጽአልና። እዚ ድማ እንረኽቦ ሓበሬታ ናዓና ‘ዝሰማማዕ’ ይገብሮ። እንተዘይኰይኑ ዘይተመረጹ ሓበሬታታት እዩ ዘቕርበልና።
ጉግል ብዘለዎ ብዝሒ መረዳእታታት ተመራጺ ክኸውን እንከሎ፡ ጉዳይ ምእካብ ውልቃዊ ሓበሬታና ግን ኣስጋኢ ይገብሮ።
ስለዚ ምስጢራትና ንምሕላው ካልኦት መአለሺታት እንተተጠቐምናኸ?
ነዚ ኣማራጺ ክንጥቀም ዘተባብዑ ሰብ ሞያ ኣለዉ። ብኻልእ ገጽ፡ ሓበሬታ መአለሺታት ኣታዊኦም ካብ ምውዕዋዕ ምህርቲታት ክሳብ ዝዀነ ‘ውልቃዊ መረዳእታታት ኣይንወስድን፡ ኣይንኽዝንን’ ዋላ እንተበሉ ክትኣምኖም የጸግም እዩ ዝብሉ እውን ኣለዉ።
ደክደክጎ (DuckDuckGo)፣ ሴርኤክስ (searX)፣ ስታርትፔጅ (Startpage)፣ ሜታጊር (MetaGer)፣ ኩዋንት (Qwant) ካልኦት መአለሺ ሓበሬታታትን ክንጥቀም ዝምዕዱ ሰብ ሞያ እውን ኣለዉ።
እዞም መአለሺታት ውልቃዊ መረዳእታታት ከምዘይእክቡ ወይ ድማ ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ከምዝድምስሱዎም ከምኡ ድማ ዓማዊል ዘለዉዎ ቦታ ንዘይምምልኻት ቃል ዝኣትዉ እዮም።
ገለ መአለሺታት ሓበሬታ ኣብ ዝተወሰና ሃገራት ጥራይ እዮም ዝሰርሑ።
ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ስራሕ ዝጀመረ ኒቫ (Neeva) ኣብ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ጀርመንን እዩ ኣገልግሎት ዝህብ።
መስራቲ ናይቲ ትካል ኣብ ጉግል ሓላፊ ክፍሊ ምውዕዋዕ ዝነበረ ኮይኑ፡ እቲ ዘቕረቦ መአለሺ ሓበሬታ ‘ካብ መወዓውዒ ነጻ ዝዀነ፡ ንዓማዊሉ ዘይከታተልን’ ከምዝኾነ ገሊጹ እዩ።
ጉዳይ ድሕነት ውልቃዊ መረዳእታ ኸ?
ጌትነት ከምዝሕብሮ ቢንግ [Bing]፡ ያሁ [Yahoo!]፡ ባይዱ [Baidu]፡ አዎል [AOL]፡ ኣስክዶትኮም [Ask.com]፡ ኤክሳይት [Excite]፡ መረዳእታታትኩም ኣይንእክብን፡ መረዳእታትኩም ክንሕልወልኩም ኢና፤ እቲ መረዳእታትና ናትና ኣይኮነን፤ ድሕሪ ሽድሽተ ኣዋርሕ ክስረዝ እዩ ወዘተ ኢሎም እዮም ናብ ስራሕ ኣትዮም።
“እቲ ናተይ ዳታ ተሓልዩ ድዩ? ዓቢይ ሕቶ ዘልዕል ጉዳይ እዩ። ተጠቀምቲ ማዕረ ክንደይ መረዳእታታቶም ክሕሎ ይደልዩ? ክንደይ ዝኣክል ጽርየቱ ዝሓለወ ሓበሬታ ኸ ክረኽቡ ይደልዩ? ዝብል መዚኖም ዝዀኖም መአለሺ ክመርጹ ኣለዎም” ክብል የረድእ።
ውልቃዊ መረዳእታታትና ከም ዝሕልዉልና ዝገልጹ መአለሺታት ክንደይ ዝኣክል ትሕዝቶ ኣለዎም? ኣብ ዝብል እውን ጌትነት ሕቶ የልዕል።
ስለዚ ተጠቀምቲ እቲ ዝረኽቦ ሓበሬታ እንተበዝሐ ዶ ወይስ ውልቃዊ መረዳእታታተይ ተሓልዩ እንተጸንሐ ይሓይሽ ኣብ ዝብል ኣማራጺ ይወድቁ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ገጻትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን እንገብሮ ምንቅስቓስ ብሓፈሻ ይምዝገብ እዩ። ንኣብነት ቴሌግራም፡ ዋትስኣፕ፡ ጉግል፡ ኢሜይል ኣብ እንጥቀመሉ መረዳእታታትና ናብ ሓደ መኽዘን ምእታዉ ከምዘይተርፍ ጌትነት ይገልጽ።
ኩባንያትተ ቴክኖሎጂ እናሓየሉ ዝመጹ ዘለዉ በዞም መረዳእታታት እዮም። ነዚ እዮም ድማ ሰብ ሞያ፡ ዋላ ካልኦት መአለሺታት “ከም ኣማራጺታት እንተተወሰዱ ናይ ባዕሎም ክፍተት ኣለዎም” ዝብሉ።
ብዙሓት ካብ ጉግል ዝሓሸ ኣማራጺ ከም ዝዀነ ዝገልጽዎ ደክደክጎ፡ ኣስታት 80 ሚልዮን ዓማዊል ኣፍርዩ ኣሎ።
ዋላ'ኳ እዚ መአለሺ ሓበሬታ ብቐጥታ መረዳእታታት እንተዘይወሰደ፡ ብከም ኩኪ ዳታ (cookie data) ዝበሉ መንገዲታት ኣቢሉ ምንቅስቓሳትና ምፍላጡ ከምዘይተርፍ እቲ በዓል ሞያ የረድእ።
እንተዀነ “ተጠቀምቲ ከም ኣማራጺ ክወስድዎ ይኽእሉ፡” ይብል።