እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጉግል ኣብ ፍርያቱ ኣበር ንዝረኸበ ሰብ፡ 1.5 ሚልዮን ዶላር ክኸፍል እዩ
ጉግል ኣብተን 'ኣንድሮይድ ስማርት' ቴለፎናቱ ኣበር ንዝረኸበ ሰብ ዝኸፍሎ ገንዘብ ካብ 200,000 ናብ 1.5 ሚልዮን ዶላር ክብ ከም ዘበሎ ኣፍሊጡ።
ጉግል ካብ 2015 ጀሚሩ ንተመራመርቲ ድህነት ልዕሊ 4 ሚልዮን ዶላር ከም ዝኸፈለ'ዩ ዝገልጽ።
እቲ ሓድሽ ሽልማት፡ ኣብ ስማርት ቴለፎናት ጉግል ዝርከብ ታይታን ኤም ኣብ ዝተብሃለ ናይ ድህነት 'ቺፕ' ንዝረኽብዎ ኣበራት እዩ ዝኽፈል።
ታይታን ኤም ኣብ ሰማርት ሰልክታት ዝርከብ 'ቺፕ' ኮይኑ እታ ቴለፎን እትክፈተሉ ሓበሬታታት ዝእክብ ኣካል እዩ።
ሓደ ተመራማሪ ናይዚ ኣበር ከርእይ ምስ ዝኽእል ነቲ ናይ 1.5 ሚልዮን ዶላር ሽልማት ክረክብ ይኽእል ማለት'ዩ።
ገለ ተመራመርቲ ግና፡ ኣብ ቴለፎናት ዘሎው ጉድለታት ምቅላዕ፡ ነቲ ሓበሬታ ኣብ ኢድ ገበነኛታት ክኣቱ መገዲ ዝኸፍት እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም።
ካልኦት ከም ኣፕል፡ ባዝፊድ፡ ፌስቡክን ሳምሰንግን ዝኣመሰሉ ኩባንያታት'ውን ጉድለት ንዝረኸቡ ሰባት ሽልማት ይህቡ እዮም። እቶም ጉድለታት ምስ ተለለዩ ምትዕርራይ ከም ዝግበረሎም ድማ እቶም ትካላት ይሕብሩ።
ንጉድለት ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ንዘቃልዕ ሰብ ዝህብዎ ገንዘብ፡ ገበነኛታት ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ምስ ዝቕርብዎ ገንዘብ ዝወዳደር ኣይኮነን ይብል ኬቲ ሞሶዎሪስ ዝተብሃለለ ተመራማሪ።
ቢቢሲ'ውን ናይ ድህነት ኣበራት ንዝሕብሩ ተመራመርቲ ገንዘብ'ኳ እንተዘይሃበ ፍሉይ ሽልማት የበርክት እዩ።