ጠፊኦም ዝተባህሉ ኤርትራውያን ኣትለታት፡ ካልኣይን ሳልሳይን ወጺኦም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ናብ ሎሚ ሰሉስ [02-08-2022] ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፡ ኣብ ኮሎምብያ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት ብናይ 5000 ሜትሮ ጉያ፡ ኢትዮጵያዊ ኣዲሱ ይሁኔ ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፡ ኤርትራውያን ኣትለታት ካልኣይን ሳልሳይን ሒዞም።
እቶም ካልኣይን ሳልሳይን ኰይኖም ዝኣተዉ ኤርትራውያን ኣትሌታት መርሃዊ መብራህቱን ሃብቶም ሳሙኤልን'ዮም።
ቀዳማይ ዝወጽአ ኢትዮጵያዊ ኣዲሱ ይሁነ ንዉድድሩ ብ14 ደቒቕ፡ 3 ካልኢትን 5 ንኡስ ካልኢትን ክውድእን ክንከሎ፡ መርሃዊ መብራህቱ ብ14 ደቒቕን 3 ካልኢትን 33 ንኡስ ካልኢትን፡ ሃብቶም ሳመኤል ኸኣ ብ14 ደቒቕ፡ 3 ካልኢትን 67 ንኡስ ካልኢትን ውድድሮም ዛዚሞም።
ክልቲኦም ኣትሌታት ንኤርትራ ወኪሎም ኣብ ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ዓለም ንምስታፍ ናብ ኣሜሪካ ግዝኣት ኦሪገን ከይዶም ዝነበሩን "ጠፊኦም" ካብ መንጐ ዝተባህሉ ሓሙሽተ ኣትለታት እታ ሃገር 'ዮም።
ኣብ መበል 18 ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ዓለም ንምስታፍ ካብ ዝተላእኩ ጕጅለ ኣትለቲክስ ኤርትራ፡ ናብ ሃገሮም ከይተመልሱ ኣብ ኣሜሪካ ዝተረፉ ኣትለታት ኣለው ዝብሉ ጸብጻባት ወጺኦም ምንባሮም ይዝከር።
እንተዀነ፡ ኬፒቲቪ፡ ሪጅስታር-ጋርድን ኬዚን ዝተባህሉ ማዕከናት ዜና እቶም ጠፊኦም ተባሂሎም ዝነበሩ ኣትለታት ከም ዝተረኸቡ ንፖሊስ ዩኒቨርሲቲ ኦሪገን ብምጥቃስ ጸብጺቦም።
ብመሰረት ጸብጻብ ማዕከናት ዜና እቲ ከባቢ፡ ፈደሬሽን ኣትሌቲክስ ኤርትራ ኣድራሻ እቶም ኣትለታት ረኺበ ኢሉ ናብ ፖሊስ ዩኒቨርሲቲ ኦሬገን ሪፖርት ገይሩ ኣሎ።
ይዅን’ምበር፡ መርበብ ሓበሬታ ፖሊስ ግዝኣት ኦሬገን፡ ሽም እቶም ሓሙሽተ ኤርትራውያን ኣትሌታት ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝርዝር ዝጠፍኡ ውልቀሰባት ኣስፊርዎ ይርከብ።
ሓደ ካብቶም ኣብ ኣሜሪካ ጠፊኦም ዝተበሃሉ ኣትሌት የማነ ሃይለስላሰ ድማ፡ ኣካል ዲያመንድ ሊግ ዝዀነ ኣብ ከተማ ሎውዛን ስዊዘርላንድ ኣብ ዝካየድ ውድድር ንምስታፍ ከም ዝኸይድ ሓቢሩ ነይሩ።
ቢቢሲ ከኣ ንስዊዘርላንድ ዘእትዎ ቪዛን ኣብቲ ውድድር ንኽሳተፍ ዝቐረበሉ ዕድመን ዝገልጽ ሰነዳት ብምርኣይ ከረጋግጽ ክኢሉ።
እቶም ጠፊኦም ዝተበሃሉ፡ ወዲ 44 ዓመት ኣስልጣኒ በርሀ ኣስገዶም፡ ፊሊሞን ዓንደ፡ ሃብቶም ሳሙኤል፡ መርሃዊ መብራህቱን የማነ ሃይለስላሴን እዮም ነይሮም።
ነዚ ኣመልኪቱ ምክትል ፕረዚደንት ፈደሬሽን ኣትለቲክስ ኤርትራ ኣቶ ኤፍሬም ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃል መጠይቕ፡ ኣትለታት መርሃዊ መብራህቱን ሃብቶም ሳሙኤልን ናብ ኮሎምብያ እቶም ካልኦት ከኣ ናብ ሃገሮም ከምዝተመልሱ ገሊጹ ነይሩ።
ኣብቲ ኣብ ምዕራብ ኮሎምብያ ከተማ ካሊ ካብ 1 ክሳብ 6 ነሓሰ ኣብ ዝካየድ ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት፡ ኤርትራ ብሓሙሽተ ኣትለታት'ያ ተወኪላ ዘላ።
መርሃዊ መብራህቱ ኣብ 5000 ሜትሮ፡ ሃብቶም ሳሙኤል ኣብ 3000ን 5000ን ሜትሮ፡ ዳዊት ሰዓረ ኣብ 1500ን 3000ን ሜትሮ፡ ዓብዱረዛቕ ሱሌማን ኣብ 800ን 1500ን ሜትሮ ከምኡ'ውን ፍትሓዊ ዛይድ ኣብ 800 ሜትሮ ዝወዳደሩ እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







