ስለ ምንታይ'ዩ መንሽሮ መትሎ ዝውስኽ ዘሎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጃኦ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብራዚል እንከሎ ብ2018 ኣብ ብልዕቱ፡ ብልሙድ 'ጡብ ኣድጊ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ቈርበት ዕብየት ርእዩ።
ወዲ 63 ዓመት ጃኦ፡ “ሕክምና ክኸይድ ጀሚረ፤ ዶኳትር ግን ብብዝሒ ቈርበት ዝመጽአ’ዩ ብምባል መድሃኒት ይእዝዙለይ” ክብል ይዝክሮ።
እንተዀነ፡ እታ ቑስሊ መሳሊት ክትዓቢ ጀሚራ። እዚ ኣብ ናብርኡ’ውን ጽልዋ ከሕድር ስለ ዝጀመረ ቀጻሊ ሕክምናታት ክገብር ወሲኑ።
ጃኦ (ትኽክለኛ ሽሙ ኣይኰነን) ንሓሙሽተ ዓመታት ናብ ሕክምና ተመላሊሱ፤ ተወሳኺ መድሃኒታት እንተተኣዘዘሉ’ውን “ለውጢ ክመጽእ ኣይክኣለን” ይብል።
ድሕሪኡ፡ ብ2023 መንሽሮ መትሎ ከም ዘለዎ ተፈሊጡ።
እዚ ንስድራይ ኣዝዩ ዝኸበደ ግዜ ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ "ካብኡ ንላዕሊ ድማ ገለ ክፋል መትሎይ ክቑረጽ ነይሩዎ። ርእሰይ ዝተቖርጸ ኰይኑ’ዩ ዝስምዓኒ። ሰባት ክኣ ቀልጢፎም ናብ ዋዛ ክቕይረሩዎ ዝኽእሉ ፈጺምካ ምስ ሰብ ከተውግዓሉ ዘይትኽእል ዓይነት መንሽሮ'ዩ” ኢሉ።
መንሽሮ መትሎ ሳሕቲ ዝረአ ኰይኑ፡ ኣብ መላእ ዓለም ግን ተርእዮታትን መጠን ሞትን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።
ብራዚል፡ ካብተን ዝለዓለ መጠን ተርእዮ መንሽሮ መትሎ ዘለወን ሃገራት ኰይና፡ እዚ ካብ 100 ሽሕ ደቂ ተባዕትዮ 2.1 ከም ዝዀነ መጽናዕቲታት የመልክቱ።
ካብ 2012 ክሳብ 2022 21 ሽሕ ሰባት እቲ ሕማም ከም ዝተራእዮም ሚኒስትሪ ጥዕና ብራዚል ሓቢሩ።
በዚ ምኽንያት ልዕሊ 4000 ክሞቱ እንከለው፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ልዕሊ 6,500 ምቑራጽ ኣካላት ተራእዩ - ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ መዓልቲ ሓደ ሰብ መትልኡ ይቑረጽ።
ኣብ ብራዚል እታ ዝደኸየት ግዝኣት ማራንሃኦ፡ ብደረጃ ዓለም ዝለዓለ መጠን ተርእዮ መንሽሮ መትሎ ከም ዘለዋ ተረጋጊጹ ኣሎ፤ ኣብዛ ግዝኣት ዘሎ መጠን ካብ 100 ሽሕ ደቂ ተባዕትዮ ኣብቶም 6.1 ምዃኑ ይጥቀስ።
ምልክታት መንሽሮ መትሎ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ብልዕቲ ብዘይሓዊ ቁስሊን ብርቱዕ ጨና ዘለዎ ፈሳስን ይጅምር። ገለ ሰባት ደምን ምቕያር ሕብሪን መትሎ ይርእዩ።
እዚ ብኣግኡ ምስ ዝፍለጥ፡ ከም መጥባሕቲ ምእላይ እቲ ቁስሊ፡ ራድዮቴራፒን ኬሞቴራፒን ዝኣመሰሉ ሕክምናታት ብምግባር ልዑል ተኽእሎ ምሕዋይ ኣለዎ።
ሕክምና እንተዘይተገይርሉ ግን ብኸፊል ወይ ሙሉእ ብምሉእ ምቑራጽ መትሎ፡ ምናልባት’ውን ካልኦት ከም ፍረነብሲ ዝበሉ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣካላት መትሎ ምእላይ ከጋጥም ይኽእል’ዩ።
ጆው ኣብ ወርሒ ጥሪ ብኸፊል ኣካላት መትልኡ ከም ዝተቖርጸን ኣጸጋሚ እዋን ከም ዝነበረን ይዛረብ።
"ክገጥመካ እዩ ኢልካ ፈጺምካ ዘይትሓስቦ ነገር'ዩ፤ ምስ ኣጋጠመካ ድማ ንሰባት’ውን ክትነግሮም ኣይትኽእልን። ኣብ መጀመርታ መጥባሕቲ ክገብር ፈሪሐ ነይረ፤ ካልእ ኣማራጺ ግን ኣይነበረን። ድሕሪ መጥባሕቲ ኣብተን ቀዳሞት ሰሙናት ዝነበረ ጓሂ ይስምዓኒ ነይሩ፤ ኣይሕሱን ገለ ክፋል መትሎኻ ዘይምህላው ዘስካሕክሕ ስምዒት’ዩ” ኢሉ።
ገለ ሕሙማት ሙሉእ መትሎኦም’ዩ ዝቑረጽ።
ኣብ ሳኦ ፓውሎ ኣብ ዝርከብ ማእከል መንሽሮ ኤሲ ካማርጎ ክፍሊ ዩሮሎጂ ዝሰርሕ ቲያጎ ካሜሎ ሞራኦ ብልዕቲ “ብኸፊል ምስ ዝቑረጽ፡ ሽንቲ ብኡኡ ኣቢሉ ምውጻእ ይቕጽል’ዩ። ሙሉእ ምቑራጽ ከጋጥም እንከሎ ግን እቲ ሽንቲ ዝወጽኣሉ ኣፍደገ ናብ ፐሪኒየም [ኣብ መንጐ ስኮትረምን መሃንቱስን ናብ ዘሎ ከባቢ] ክግዕዝ ይኽእል። እዚ ድማ እቲ ሕሙም ኣብ ሽቓቕ ኰፍ ኢሉ ንክሽነን ክግደድ ይገብሮ” ይብል።
ክኢላ ማሕበር ክኢላታት ስነ-ሽንቲ ብራዚል ማውሪስዮ ደነር ኮርዴሮ፡ ቀጻሊ ረኽሲ ቫይረስ ፓፒሎማ (HPV) -ንሓባራዊ ጉጅለ ቫይረሳት ዝተዋህበ መጸውዒ- “ሓደ ካብቶም ቀንዲ ደረኽቲ ሓደጋ” እዚ መንሽሮ’ዩ ይብል።
ኤች.ፒ.ቪ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ክመሓላለፍ ዝኽእል ኰይኑ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ፡ ኣብ ኣፍን መትሎን መንሽሮታት ከስዕብ ይኽእል።
ንሱ፡ “ክታበት ኣንጻር ኤች.ፒ.ቪ፡ ምስዚ ዝተኣሳሰሩ ቁስሊታት ኣብ ምክልኻል ልዑል እጃም ስለ ዘለዎ ኣገዳሲ'ዩ” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እንተዀነ ኣብ ብራዚል መጠን ክታበት ኣዝዩ ትሑት’ዩ።
“ኣብ ብራዚል፡ ዋላ'ኳ እቲ ክታበት እንተሃለወ፡ መጠን ክታበት ኤች.ፒ.ቪ ዝወስዱ ሰባት፡ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ትሑት ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ - 57 ሚታዊት ጥራይ ይበጽሕ - ደቂ ተባዕትዮ ድማ ካብ 40 ሚታዊት ኣይዛይድን። እዚ ሕማም ንምክልኻል ሽፋን እቲ ክታበት 90 ሚኢታዊት ክኸውን ኣለዎ” ይብል።
ብዛዕባ እቲ ክታበት ዝመሓላለፍ ግጉይ ሓበሬታ፣ ብዛዕባ ኣድማዕነቱ ዝውዝዑ ጭብጢ ዘይብሎም ጥርጣረታትን ወፍርታት ክታበት ዘይምግባርን ዝርግሐ ክታበት ኤችፒቪ ዝተሓተ ክኸውን ገይሮም’ዮም ኢሉ ይኣምን።
ብመሰረት ሓበሬታ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሽጋራ ምትካኽ ንመንሽሮ መትሎ ናይ ምቅላዕ ዕድላት ክውስኽ ይኽእል’ዩ።
ብተወሳኺ "መትሎኻ ንምጽራይ ቈርበትካ (ነቲ መትሎ ዝሽፍን ቈርበት) ንድሕሪት ክትስሕቦ ትጽገም እንተሃሊኻ (ፊሞሲስ ዝበሃል ኩነታት)” መንሽሮ መትሎ ናይ ምሓዝ ተኽእሎኻ ዝለዓለ ክኸውን ከም ዝኽእል ይገልጽ።
"ሓደ ወዲ ተባዕታይ እቲ ቈርበቱ ክሽብሽቦን ነቲ መትሎ ብግቡእ ከጽርዮ ምስ ዘይክእልን፡ ንረኽሲ ባክተርያ ኣዝዩ ምቹእ ሃዋህው ይፈጥር። እዚ ብተደጋጋሚ እንተተኸሲቱ ድማ፡ ሕበጥ ንክፍጠር ምኽንያት ይኸውን” ይብል ዶክተር ኮርደይሮ።
መንሽሮ መትሎ ኣብ ብራዚል ጥራይ ዘይኰነ ኣብ መላእ ዓለም ብዝሒ በቲ ሕማም ዝጥቅዑ ሰባት ይውስኽ ከም ዘሎ መጽናዕቲታት የመልክቱ።
ኣብ 2022፡ መጽሔት JMIR Public Health and Surveillance ካብ 43 ሃገራት ዝተረኽበ ሓድሽ መረዳእታ ከሐትም እንከሎ፡ ካብ 2008 ክሳብ 2012 ኣብ ዩጋንዳ ኣዝዩ ልዑል ተርእዮ መንሽሮ መትሎ፡ (ካብ 100 ሽሕ 2.2)፡ ኣብ ብራዚል (ካብ 100 ሽሕ 2.1)፡ ኣብ ታይላንድ ድማ (ካብ 100 ሽሕ 1.4) ከም ዝነበረ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ዝወሓደ ኣብ ኩዌት (ካብ 100 ሽሕ 0.1) እዩ ነይሩ።
“ኣብ ምዕባይ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ክሳብ ሕጂ ዝለዓለ ተርእዮን ሞትን መንሽሮ መትሎ’ኳ እንተሃለወ፡ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ኤውሮጳ እቲ ተርእዮ እናወሰኸ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ” ክብል ብሌወን ፉን ቲያን ቲያንን ዝምራሕ ጉጅለ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ሱን ያት-ሰን ቻይና ገሊጹ ኣሎ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ መንሽሮ መትሎ ካብ 1979 ክሳብ 2009 ካብ 1.1 ናብ 1.3 ካብ 100 ሽሕ ኣብ ጀርመን ድማ ካብ 1961 ክሳብ 2012 ካብ 1.2 ናብ 1.8 ካብ 100 ሽሕ (ዳርጋ ብ50 ሚኢታዊት) ከም ዝወሰኸን ሓቢሮም።
እዚ ኣሃዛት እዚ ክውስኽ ጥራይ ምዃኑ ትንበያ ዓለምለኻዊ መንሽሮ ዝሕብር መሳርሒ የመልክት።
ኣብ 2050 ዓለምለኻዊ ተርእዮ መንሽሮ መትኖ ብልዕሊ 77 ሚኢታዊት ክውስኽ ምዃኑ ይግምት።
እዚ ለውጢ ብዓቢኡ ምስ ዕድመ ምድፋእ ክተሓሓዝ ከም ዝኽእል እቶም ክኢላታት ይገልጹ፤ እቲ ዝለዓለ ተርእዮ ኣብ 60ታት ዝዕድሚኦም ሰባት ከም ዘጋጠመ ይዛረቡ።
ዶክተር ኮርዴሮ፡ መንሽሮ መትሎ ሳሕቲ ዝረአ ሕማም'ኳ እንተዀነ፡ ክንከላኸሎ ዝኽእል እዩ ይብል።
ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ኮንዶም ምጥቃምን ፊሞሲስ ኣብ ዝህልወሉ እዋን እቲ ቈርበት ንምእላይ መጥባሕቲ ምግባርን ተቓላዕነት መንሽሮ መትሎ ንምንካይ ክሕግዝ ከም ዝኽእል መኺሩ።
ኒል ባርበር ዝተባህለ ክኢላ ስነ ሽንቲ “መንሽሮ መትሎ ኣብቶም ዝተገዝሩ ህዝቢ ዳርጋ ኣይስማዕን፤ ድኹም ጽሬትን ኣብ ቈርበት ዘጋጥም ረኽስን ከምኡ'ውን ከም ፊሞሲስ ዝኣመሰሉ ኩነታት እቲ ቈርበት ከይመላለስ ኣጸጋሚ ስለ ዝገብሩዎ፡ ጸገም ጽርየት ምስ ዝህሉ ረኽሲታት ክፍጠሩ ይኽእሉ” ኢሉ።
ስለ ዝዀነ ድማ፡ “መከላኸሊ ዘይብሉ ጾታዊ ርክብ ምግባር (ብፍላይ ድማ ኮንዶም ዘይምጥቃም) ምስ ምጉዳል ጽርየት ተደሚሩ ተኽእሎታት ተቓላዕነትሓፍ ክብል ከም ዝገብሩዎ” ኣገንዚቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







