እስራኤል ጥራሕ ነብሶም ክዀኑ ኣብ መንጐ ዝኣዘዘቶም ፍልስጤማውያን ዝተርኣየት ህጻን እንታይ’ዩ ገጢምዋ?

ኣብ ማእከል ደቂ ተባዕትዮ ክትሪኣ ከቢድ እዩ። እታ ንእሽቶ ህጻን ኣብቲ ስእሊ ብድሕሪት ኮፍ ኢላ ዘላ እያ።

እቶም ወተሃደራት ነቶም ሰባት ብታንቲ ጥራይ ተኸዲኖም ኮፍ ክብሉ ኣዚዞምዎም። ገለ ካብኣቶም ድማ ኣረጋውያን’ዮም። ኵላቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ስእሊ ዝስእሎም ዘሎ ሰብ ኣዒንቶም ምስተኸሉ’ዮም። እቲ ሰብ ወተሃደር እስራኤል ምዃኑ ዘጠራጥር የብሉን።

እቲ ምስሊ መጀመርያ ኣብ ሕሳብ ቴሌግራም ሓደ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ሓያል ምንጭታት ዘለዎ ጋዜጠኛ’ዩ ተዘርጊሑ።

እቶም ደቂ ተባዕትዮ ኣመና ተጎሳቝሎም፡ ኣብ ገጾም ፍርሕን ድኻምን ይንበብ። እታ ኣብ ስእሊ እትርአ ህጻን፡ ካብቲ ዝስእሎም ዘሎ ሰብ ወጻኢ ናብ ካልእ ሸነኽ እያ እትጥምት ዝነበረት።

ምናልባት ካብ ካሜራ ወጻኢ ዝዀነ ኣቓልቦኣ ስሒቡ ክኸውን ይኽእል እዩ። ወይ’ውን በቃ ነቶም ወተሃደራትን ጠበንጁኦም ክትጥምቶም ኣይደለይትን ትኸውን።

ወተሃደራት እስራኤል ነቶም ሰባት ኣብዚ ደው ክብሉ ኣዚዞምዎም። ብድሕሪኦም ብቦምባታት ዝዓነዉ ህንጻታት ይረኣዩ። እቶም ወተሃደራት እቶም ሰባት ምስ ሓማስ ዝምድና ዘለዎም ከይከውን ካብ ዕጥቂ ክሳዕ ሰነዳቶም ክፍትሽዎም ኣለዎም።

ግዳይ ስቅያት ናይዚ ኲናት መን ከምዝዀነ ኣብቲ ስእሊ ብግልጺ’ዩ ዝርአ። ህላወ ናይታ ቈልዓን ናብ ካልእ ሸነኽ ዝጠመተትሉ ኵነትን ብዙሕ ሕቶታት ክተልዕል ዝገብር’ዩ።

እታ ህጻን መን እያ? እንታይ ኣጋጢምዋ? እቲ ስእሊ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዝተሳእለ እዩ።

እቲ ሰሙን ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ዝተቐተልሉ፡ ብዙሓት ቈሲሎም፡ ኣሽሓት ድማ ካብ ገዛኦም ዝተመዛበልሉ ግዜ’ዩ ነይሩ። ህጻናት ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ዝሞቱ ዝሕክሞም በዓል ሞያ ስለዘየለ’ዩ።

ምስ መደብ ቢቢሲ ዓረብኛ ቓዛ ቱደይ ብምትሕብባር ደሃይ እታ ህጻን ከነጣልል ጀሚርና።

እስራኤል ቢቢሲ ይዅን ካልኦት ዓለምለኻውያን ማዕከናት ዜና ናብ ቓዛ ኣትዮም ብናጻ ጸብጻብ ከቕርቡ ስለዘይትፈቅድ፡ ቢቢሲ ኣብ እሙናት መርበብ ገጻት ወይ ከኣ ፍሪላንሰር ጋዜጠኛታት እዩ ዝምርኮስ።

መሳርሕትና ምስ ኣብ ሰሜን ቓዛ ዝርከባ ትካላት ረድኤት ተቐራሪቦም ኣብቶም ተመዛበልቲ ዝሃደሙሉ ቦታታት ስእሊ ናይታ ቈልዓ ዘርጊሖም።

ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ድማ መልእኽቲ ተረኺቡ። እቲ ብተሌፎን ዝመጸ መልእኽቲ፡ “ረኺብናያ!” ዝብል ኰይኑ ጓል ሰለስተ ዓመት ጁልያ ኣቡ ዋርዳ ብህይወት ከምዘላ ተረጋጊጹ።

ጋዜጠኛና ኣብ ከተማ ቓዛ ናብቲ እታ ህጻን እትርከበሉ ስድራቤት ምስ በጽሐት ጁልያ ምስ ኣቦኣን ኣባሓጐኣን ኣደኣን እያ ነይራ።

ንሳ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝዝምብያ ዝነበራ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ እስራኤል ዝተፈጠረ ረባሺ ድምጺ እናተቓለሰት ካርቱን ናይ ዝደርፋ ደርሁ'ያ ትርኢ ነይራ።

ጁልያ ሃንደበት ብሓደ ዘይትፈልጦ ሰብ ትዅረት ምርካባ ተገረመት።

ኣቦኣ እናስሓቐ “ንስኺ መን ዲኺ?” ኢሉ ሓተታ። ንሳ ድማ "ጁልያ" ኢላ መለሰትሉ።

መሓመድ ነቲ ብድሕሪ እቲ ስእሊ ዘሎ ታሪኽ ክነግር ጀመረ። ኣብ ዝሓለፉ 21 መዓልታት እታ ስድራ ሓሙሽተ ግዜ ተፈናቂላ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዋን ካብ መጥቃዕቲ ኣየርን ተዅሲን ይሃድሙ ነበሩ።

እታ ስእሊ ኣብ ዝተሳእሉላ መዓልቲ ሓንቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት እስራኤል ካብቲ ቦታ ክወጽኡ መጠንቀቕታ ክትፍኑ ሰሚዖም። እዚ ድማ ኣብቲ ሰራዊት እስራኤል ኣንጻር ሓማስ ዝግስግሰሉ ዝነበረ ኣውራጃ ኣል-ኻሉፋ እዩ ነይሩ።

“ብሃንደበት ዝተተኮሰ ተዅሲ ነይሩ። ካብኡ ናብ ማእከል መዓስከር ስደተኛታት ጀባልያ ገጽና፡ ናብ መፈተሺ ነቝጣ ኣምራሕና።” እዞም ስድራቤታት ክዳውንቶምን ገለ ኣብ ታኒካ ዝተዓሸገ መግብን ውሑዳት ውልቃዊ ንብረቶምን ሒዞም ይኸዱ ነበሩ።

ኣብ መጀመርታ ኵሉ ሰብ ብሓባር እዩ ነይሩ። ኣቦ ጁልያ፡ ኣደኣ ኣማል፡ ወዲ 15 ወርሒ ሓዋ ሓምዛ፡ ኣባሓጐኣ፡ ክልተ ኣኮታታን ሓደ ወዲ ሓውቦኣን ብሓንሳብ’ዮም ነይሮም።

ኣብ መንጐ እቲ ዕግርግር ግን መሓመድን ጁልያን ካብቶም ካልኦት ተፈልዮም። “ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ብዝሒ ህዝቢ ካብ ኣደኣ ተፈልያ። ንሳ ክትከይድ እንከላ ኣነ ድማ ኣብቲ ቦታ ጸኒሐ፡” ይብል መሓመድ።

ኣቦን ጓልን ኣብ መወዳእታ ምስቲ ንደገ ዝኸይድ ዝነበረ ብዙሕ ሰብ ተጓዒዞም። ኣብ መገዲ ሬሳታት ናይቶም በቲ ኲናት ዝሞቱ ሰባት ፈቘድኡ ይርአ ከምዝነበረን ጓሉ ጁልያ ሬሳ ዝሞቱ ሰባት ከይትርኢ ንምግባር ዝገበሮ ጻዕሪ ከምዘይሰመረሉ ድማ ይገልጽ።

ህጻናት ብሰንኪ እቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዘቝጸረ ኲናት ምኽንያት ምስ ዝወደቑ ሬሳታት ተላሚዶም’ዮም።

እቲ ዝውሕዝ ዝነበረ ሰብ ኣብ ሓደ ናይ እስራኤል መፈተሺ ነቑጣ በጺሑ። መሓመድ ዛንታኡ ብምቕጻል “እቶም ወተሃደራት ገሊኦም ኣብ ልዕሊ ታንኪታት ገሊኦም ከኣ ኣብ መሬት'ዮም ነይሮም። ናብቲ ህዝቢ ቀሪቦም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቶም ሰባት ክትኩሱ ምስጀመሩ ሰብ ነንባዕሉ ክዳፋእ ጀሚሩ” ኢሉ።

እቶም ሰባት ዕርቃኖም ወጺኦም ብብታንቲ ጥራይ ኮፍ ክብሉ ተኣዚዞም። ሰራዊት እስራኤል ሕቡእ ዕጥቂ ወይ ነብሰ ቅትለታዊ ቦምባ ዝፍጽሙ ሰባት ኣብ ዝደልየሉ እዋን እዚ ልሙድ ኣገባብ ፍተሻ እዩ።

መሓመድ ኣብቲ መፈተሺ ነቝጣ ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ሸውዓተ ሰዓታት ከምዝተኣሰሩ ይዛረብ። ኣብቲ ስእሊ ጁልያ ህድእቲ ኰይና ትረአ። ኣቦኣ ግን ድሕሪኡ ዝነበረ ጭንቀት ዘኪርዎ።

“ክተእዊ ጀሚራ ንኣደኣ ከም እትደሊ ነጊራትኒ።”እታ ስድራ ዳግማይ ተራኺባ። እቶም ተመዛበልቲ ኣብ ንኣሽቱ ቦታታት ኣዕቝቦም ይርከቡ።

ሽዑ መሓመድ ንጁልያ ዘጋጠማ ዓሚቝ ስንባደ ንመሳርሕትና ነጊርዋ። ኣመና እትፈትዎ ወዲ ሓውቦ ነይርዋ። ያሕያ ይበሃል ወዲ ሸውዓተ ዓመት ድማ’ዩ ነይሩ።

ኣብ ጐደና ብሓባር ይጻወቱ ነይሮም። ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ እስራኤላውያን ሰብ ኣልቦ ነፋሪት መጥቃዕቲ ኣብ ዝጀመሩሉ እዋን ያህያ ኣብ ጎደና ስለዝነበረ ተቐቲሉ።

“ቀደም ህይወት ንቡር እዩ ነይሩ። ንሳ ድማ ትጎዪን ትጻወትን ነበረት” ኢሉ። “ሕጂ ግን፡ ቶኽሲ ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን፡ ‘ነፋሪት!’ እናበለት ትብህርርን ትበክን"

ብመሰረት ጸብጻብ ዩኒሴፍ 14 ሽሕ ህጻናት በቲ ኲናት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ።ወሃቢ ቃል ዩኒሴፍ ጆናታን ክሪክስ፡ "መዓልታዊ ህጻናት ብዘይጀመርዎ ኲናት ዋጋ ይኸፍሉ ኣለዉ" ኢሉ።

ንሱ ኣስዒቡ “መብዛሕትኦም ዝረኸብክዎም ቈልዑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዘስካሕክሕ ኵነታት ዝፈትውዎም ሰባት ስኢኖም እዮም” ይብል።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዳርጋ ኵሎም ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ህጻናት ደገፍ ጥዕና ኣእምሮ ከምዘድልዮም ይግምት።

ከም ጁልያ ዝኣመሰለ ቈልዓ ዕድለኛ ክትብሎ ከቢድ እዩ። ኣብዚ እዋን ህይወት ብዘስካሕክሕ ሃንደበት ክትበቅዕ ከም እትኽእል ፈሊጣ ኣላ።