እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅትለት መራሒ ሓማስ ያሕያ ሲንዋርን ግብረ መልሲ ማእከላይ ምብራቕን
እስራኤል ንሓላፊ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ሓማስ ያሕያ ሲንዋር ድሕሪ ምቅታላ፡ ኣብ ማእከላይ መብራቕ ገሊኦም ‘ጅግና’ ኢሎም ክገልጽዎ እንከለዉ ገለ ከኣ 'ናይ ኢዱ ረኺቡ' ኢሎም ይገልጽዎ ኣለዉ።
የሕያ ሲንዋር ነቲ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ቀንዲ ሃንዳሲኡ ከምዝኾነ’ዩ ዝግለጽ። በዚ ኸኣ እስረኤል ካብ ቀንዲ ተደለይቲ ገይራ’ያ ክትሃድኖ ጸኒሓ።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ያሕያ ሲንዋር ኣብ ኢዱን እግሩን ተወጊኡ ኣብ ሓደ ዝፈረሰ ገዛ ኣብ ሓደ መንበር ኮፍ ኢሉ እንከሎ ብድሮን ዝተሰኣለ ስእሊ ዘርጊሑ፡ ብድሕሪ እዚ ነቲ ህንጻ ብታንኪ ብምህራም ያሕያ ሲንዋር ከኣ ኣብኡ ተቐቲሉ።
መንግስቲ እስራኤል ብሓሙስ ኣብ ሬሳ ያሕያ ሲንዋር ናይ ድኤንኤ መርመራ ድሕሪ ምክያድ፡ ያሕያ ሲንዋር ብረቡዕ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ከምዝተቐተለ ብወግዒ ሓቢሩ።
ብዓርቢ ኣባላት ሓማስ ንዝኽሪ ሓላፊኦም ያሕያ ሲንዋር ብምሕዛን ላዕለወይ ሓላፊ ሓማስ ኻሊል ኣል ሓያ ሲንዋር ምስ ሰራዊት እስራኤል እናተዋገአ እንከሎ ከምዝተቐተለ ብምሕባር “ቀንዲ መራሒ 7 ጥቅምቲ” ኢሉ ገሊጽዎ።
ኻሊል ኣል ሓያ፡ ሞት ያሕያ ሲንዋር ዝያዳ ዘትርርን ኣብ መትከልካ ዘጽንዕን ከምዝኾነ’ውን ገሊጹ።
ሞት ያሕያ ሲንዋር ምስ ተሰመዐ፡ ኣብ ካብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዝተፈላለየ ግብረ መልስታት ይውሃብ ኣሎ።
‘ኣብ ባህሪ እቲ ግጭት ዘምጽኦ ለውጢ የለን’
ኡም መሓመድ ዋዲ ተወላዲት ቓዛ ኮይና፡ ካብ ቤት ንብረታ ተፈናቂላ ኣብ ደቡብ ቓዛ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት’ያ ትነብር ዘላ።
“ቅድሚ ክልተ መዓልታት ንቴንዳና ምስ ኣቃጸሉልና ኣዚና ጕሂና፡ ሕጂ ከኣ ያሕያ ሲንዋር [ኣቡ ኢብራሂም] ከምዝተቐተለ የርድኡና ኣለዉ፡ ቅድሚ ሕጂ ሃንያህን ኣሩሪን ተቀቲሎም ብሓቂ ኣዝዩ ዘሰንብድ ነገር’ዩ” ትብል።
ካልእ ተወላዲ ቓዛ ከኣ ሞት ያሕያ ሲንዋር ኣብ ባይታ ዘምጽኦ ለውጢ ከምዘየለን ንባህሪ እቲ ኵናት ከምዘይቕይሮን ይገልጽ።
“ሲንዋር ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ንሓያለ ዓመታት ኵናት ምስ ተኻየደ’ዩ ዝቕተል ዘሎ፡ ዋላ ድኣ ብዛዕብኡ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ይሃሉ ምስ ዕጥቑን እናተዋገአን እንከሎ’ዩ ተቐቲሉ፡ እስራኤል ፍሉይ ስለያዊ ስርሒት ኣካይዳ ኣይቐተለቶን፡ ብዝኾነ ሞቱ ኣብ ባይታ ዝፈጥሮ ለውጢ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን’የ” ይብል።
ዖማር ዓብደል ለጢፍ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃል መሕተት “ንሕና ኩሉ ነገር ናብ ንቡር ተመሊሱ ህዝቢ ነናብ ቤቱ ክምለስ ኢና ንናፍቕ ዘለና፡ እዚ ዘይውዳእ ዝመስል ኵናት ኣዝዩ’ዩ ዘሻቕለና ዘሎ፡ ክሳብ ሕጂ ተኻይዱ ብዘሎ ኵናት ኣባይትና ዓንዩ ንብረትና ተሰሪቑ’ዩ ኩሉ ኣኺሉ ተሪፍና’ዩ” ይብል።
‘ዝሞተ ይሙት ንዕኡ ዝትክእ ካልእ ሰብ ኣሎ’
ኣብ ምዕራባዊ ገማግም እትርከብ ከተማ ራማላህ ዝነብር ወዲ 54 ዓመት ሙራድ ዑመር ምስ ሮይተርስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት “ቅትለት ያሕያ ሲንዋር ነቲ ዘሎ ኵነታት ዝያዳ ክሓላልኾ’ዩ፡ ንቓዛ ናብ ዝኸፈአ ጸገማት ክሸማ’ዩ እቲ ኵናት ዝያዳ ንኽነውሕ’ውን ምኽንያት ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣመሪካን እስራኤልን ቓዛ ብዘይሲንዋርን ሓማስን ሓዲሽ መዓልቲ ክትጅምር እያ ይብሉ ኣለዉ እንተኾነ እዚ ኣይኮነን እቲ ሓቂ፡ እቲ ኵናት ክቅጽል’ዩ ዝውድእ’ውን ኣይምስልን’ዩ” ይብል።
ኣብ ከተማ ሄብሮን ዝነብር ኣላ ሃሽላሙን ብወገኑ “ኣነ ከም ዝመስለኒ ዝሞተ እንተሞተ ንዕኡ ዝትክእ ካብኡ ዝኸነበ ካልእ ሰብ ኣሎ፡ ሲንዋር ኣዝኡ ነቃጽ መራሒ’ዩ ነይሩ፡ ካልእ ከምኡ ወይ ካብኡ ዝበልጽ መራሒ ይመጽኣና ይኸውን፤ እቲ ጥዑምን ተባዕን መራሒ ገዲፍና’ዩ ብሓይሊ ኣምላኽ ካልእ ካብኡ ዝበልጽ ክመጽኣና’ዩ” ኢሉ።
‘ሞት ሲንዋር ንኹልና ጽቡቕ ህያብ’ዩ’
መንግስቲ እስራኤል ያሕያ ሲንዋር ከምዝተቐተለ ብወግዒ ምስ ኣፍለጠ ኣብ ሓያለ ቦታታት እስራኤል ሓጎሶም ዝገልጹ እስራኤል ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ጸንቢለሞ።
ኣብ እዋን እቲ ጽንብል ሃገራዊ መዝሙር እስራኤል ብዓበይቲ መጉልሒ ድምጺ ተወሊዑ፡ ገለ ኣብ ጽርግያ ገለ ኣብ ገበላ ገዝኦም ኮይኖም ገለ ብእግሮም ገለ ብመኪንኦም ሓጎሶም ገሊጾም።
ምኽንያቱ ያሕያ ሲንዋር ካብ ቀንዲ ሃንደስቲ እቲ ዕጡቓት ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍናው ልዕሊ 1200 ዝቐተለሉን ኣስታት 250 ጅሆ ሒዞም ዝኸድሉን’ዩ፡ እስራኤል ከኣ ኣብ ዝርዝር ቀንዲ ተደልይቲ ሰባት ሽሙ ኣስፊራ ንምርካቡ ዘይፈንቀለቶ እምኒ ኣይነበረን።
ሓማስ ካብቶም ብ7 ጥቅምቲ 2023 ጅሆ ሒዞም ዝወሰድዎም እቶም 101 ገና ኣብ ኢዶም’ዮም ዘለዉ፥
ስድራ እዞም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሞት ያሕያ ሲንዋር’ኳ እንተኣሓጎሶም፡ ወገናቶም ንምፍታሕ መንግስቲ እስራኤል ገና ብዙሕ ከምዝተርፎም ግን ኣይሓብኡን።
ኢናቭ ዛንጉከር ወዱ ማታን ገና ምስቶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ኮይኑ፡ ንሱ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “ነቲ ብጅምላ ሰባት ዝቐተለ ወይ ክቅተሉ ዝኣዘዘ ሲንዋር ምውጋዱ ጽቡቕ ነገር’ዩ፡ እንተኾነ እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ናብ ገዛኦም ከይተመለሱ እዚ በይኑ ምሉእ ዓወት ክኸውን ኣይክእልን’ዩ” ኢሉ።
ኣብ ሰሜን እስራኤል ከተማ ቲበርያስ ኣማኢት ሓጎሶም ዝገልጹ ባንዴራ እስራኤል ዝሓዙ ሰባት ንጎደናታት እታ ከተማ ጉቡእ ኣቢለሞ።
ሓደ ካብኦም “ንሱ [ያሕያ ሲንዋር] ክፉእ ሰብ’ዩ ነይሩ ሕጂ ግን መዓልቲ ኣኺሉ፡ እዚ ኸኣ ንኹልና ከም ህያብ’ዩ ዝቁጸር፡ ፍሊስጤማውያን ይኹኑ ይሁዳውያን እዚ ከም ህያብ ክሓስብዎ ኣለዎም” ኢሉ።
ኣብታ መዳውብቲ ቓዛ ዝኾነት ስደሮት’ውን ሰባት ሓጎሶም ንኽገልጹ ናብ ጎደናታት ዝወጽኡ ሰባት ነይሮም’ዮም።
‘ስጋ’ምበር ሓሳብ ኣይመውትን’ዩ’
ኣብታ ምስ እስራኤል ዝነውሐ መሬታዊ ዶብ ዘለዋ ዮርዳኖስ ኣሸሓት ሰባት ንሞት ያሕያ ሲንዋር ንምኹናን ንቓዛን ንሊባኖስን ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽን ኣብ ርእሰ ከተማ ኣማም ወጺኦም ተቃውሞኦም ኣስሚዖም።
ሓደ ካብቶም ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዝተሳተፉ ዮርዳኖሳዊ “ሲንዋርን እቲ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞን ሓሳብ’ዩ፡ ስጋ’ምበር ሓሳብ ከኣ ኣይመውትን’ዩ” ኢሉ።
ወዲ 26 ዓመት ለማስ ብውገኑ ሞት መራሒ ሓማስ ያሕያ ሲንዋር ነቲ ዘሎ ኩነታት ዝያዳ ከጋድዶ ዝኽእል ክስተት ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ ዶባት ዮርዳኖስን እስራኤልን፡ ኣብ ከባቢ ምውት ባሕሪ ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልተ ሰባት ከምዝተሃረሙ ማዕከናት ዜና እስራኤል ገሊጸን።
ሰራዊት ዮርዳኖስ እቲ መጥቃዕቲ ብእኡ ከምዘይተፈጸመ ዝሕብር መግለጺ ኣውጺኡ፡ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምስቲ ብቅትለት ያሕያ ሲንዋር ዝተኣሰሳሰር ዝነበረ ተቃውሞ ምትእስሳር ይሃልዎ ኣይሃልዎ ግን ብኽልቲኦም ወገናት ዝተውሃበ መግለጺ የለን።
‘ሳዳም ሑሴን፡ ቸ ጉቬራን ሲንዋርን’
ኣብ ኢራቕ ሞት ያሕያ ሲንዋር ምስ ተሰመዐ ዝተፈላለየ ርእይቶታት’ዩ ተሰሚዑ።
ቅድሚ ሕጂ’ውን ኢስማዒል ሃንያ ኣብ ርእሰ ከተማ ኢራን ምስ ተቐተለ ተመሳሳሊ ርእይቶታት ተሰሚዑ ነይሩ’ዩ።
ሰራዊት እስራኤል ሬሳ ያሕያ ሲንዋር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስ ዘርግሕዎ ብዙሓት ምስቲ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተቐተለ ቸ ጉቬራ ኣመሳሲለሞ።
ቸ ጉቬራ ኣብ ኣርጀንቲና ዝተወለደ ንሰውራ ኵባ ዝምርሕ ዝነበረ ኮይኑ ኣብ 1967’ዩ ኣብ ቦሊቨያ ተቐቱሉ፡ ኣብቲ እዋን ዝተዘርገሐ ስእሉ ምስ ናይ ሕጂ ያሕያ ሲንዋር ብምስሳል ዝገለጽዎ ሰባት ኸኣ ውሑዳት ኣይኮኑን።
ኢራቓዊ ጋዜጠኛ ኣሕመድ ኣል ሸኽ ማጂድ ኣብ ኤከስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ “ሲንዋር ኣብ ስነጽሑፍ ጥራይ ክትረኽቦ ትኽእል ህይወት’ዩ ከሕልፍ ጸኒሑ፡ ነቲ ዘጋጥሞ ዝነበረ ብድሆታት ከኣ ክሰግሮ ጸኒሑ’ዩ” ድሕሪ ምባል “ንሕና እቶም ኣብ ኢራቕ ዘለና ቀንዲ ጠንቂ ጸገማት ፍሊስጤም ንፈልጦ ኢና፡ ሞት ሲንዋር ከኣ ነቲ ኣብ ፍሊስጤም ዝድለ ዘሎ ዝቆጺ ኣይኮነን” ኢሉ።
ካልኦት ከኣ ሞት ያሕያ ሲንዋር ምስ ሞት ፕረዚደንት ኢራቕ ነበር ሳዳም ሑሴን ከመሳስልዎ ተራእዮም።
ሰራዊት ኣመሪካ ንሳዳም ኣብ ሓንቲ ጸባብ ጉድጓድ’ዮም ረኺቢሞ። ያሕያ ሲንዋር’ውን ኣብ ሓደ ፈራስ ገዛ ኣብ ኢዱ ብረት ሒዙ’ዩ ብድሮን ተሳኢሉ እዚኣ ኸኣ እታ ናይ መወዳእታ ህይወቱ ነይራ።
ገለ ኢራቓውያን ከኣ እቲ መራሒ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍናው ኣብ ቓዛን ኣብ ልዕሊ ህዝባን ዕንወት ንኽወርድ ቀንዲ ምኽንያት’ዩ ኢሎም ብትሪ ዝነቅፍዎ ኣለዉ።