መራሒ ሓማስ ኣብ እስራኤል ሰላማውያን ኣይቀተልናን ኢሉ

ላዕለዋይ መራሒ ሓማስ ኣብቲ ጕጅለኡ ኣብ እስራኤል ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ምልምል ወተሃደራት እምበር ሰላማውያን ዒላማ ከምዘይገበሩ ብምግላጽ ንቕትለት ሰላማውያን ኣፍልጦ ከምዘይህብ ተዛሪቡ።

ሙሳ ኣቡ ማርዙቕ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ “ደቂ ኣንስትዮ፡ ህጻናትን ሰላማውያንን ካብ ዒላማ ወጻኢ ተገይሮም” ኢሉ።

መግለጺ እቲ ላዕለዋይ በዓል መዚ፡ ምስቲ ዕጡቓት ሓማስ ንዘይተዓጠቝ ዓበይትን ህጻናትን ክቕተሉ ዘርኢ ናይ ቪድዮታት መረዳእታ ዝጻረር እዩ።

እስራኤል ኣብቲ ብ 7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝበዝሑ ሰላማውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 1400 ሰባት ከምዝተቐተሉ ገሊጻ እያ።

ምስ ግብረሽበራ ብዝተሓሓዝ ሃብቱ ከይንቀሳቐስ ኣብ ብሪጣንያ እገዳ ዝተገበረሉ ምክትል ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ ማርዙቕ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ምስ ቢቢሲ ጻንሒት ዝገበረ ዝለዓለ በዓል ስልጣን እቲ እስላማዊ ጕጅለ እዩ።

እቲ በዓል ስልጣን ሓማስ እቶም ኣብ ቓዛ ጅሆ ተታሒዞም ዝርከቡ ሰባት ብዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ እስራኤል ንቓዛ ትድብትድ ኣብ ዘላትሉ ክሰድዎም ከምዘይክእሉ ገሊጹ።

ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ስርሒት ካብ እትጅምር ንደሓር ብዝሒ ዝተቐተሉ ነበርቲ 10 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐተሉ ኣፍሊጡ።

ሙሳ ኣቡ ማርዙቕ “ክንፈትሖም ኢና፤ ግን ድማ ጐንጺ ደው ክነብል ኣለና” ኢሉ።

ንሱ ብዛዕባ ናይ እስራኤልን ሩስያን ዜግነት ዘለዎም ኣብ 7 ጥቅምቲ ብሓማስ ተጨውዮም ዝተወሰዱ ሸሞንተ ሰባት ጉዳይ ምስ ሰብመዚ ሩስያ ንምዝርራብ ናብ ሞስኮ ተጓዒዙ ነይሩ።

ሓማስ፡ ብ ዩኬን ኣመሪካን ሓዊሱ ብብዙሓት ሃገራት ግብረሽበራዊ ጕጅለ ተባሂሉ ተበይኑ እዩ።

ማርዙቕ፡ ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ኣባላቶም ብዝገበርዎ ኣለሻ ክልተ ጅሆ ዝተትሓዛ ሩስያውያን ደቂ ኣንስትዮ ከምዝረኸቡን ብሰንኪ እቲ ጐንጺ ክፈትሕወን ከምዘይከኣሉን ተዛሪቡ።

ነቶም ጅሆ ሒዞም ዝወሰዱዎም ሰባት ክፈትሕዎም ከምዝኽእሉ ዝሓበረ እቲ በዓል ስልጣን “ንቐይሕ መስቀል ክነረክቦም እንተኾይንና እስራኤላውያን ኲናት ደው ከብሉ ኣለዎም” ኢሉ።

ብዛዕባ እቲ ኣብ 7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቢቢሲ ኣጥቢቑ ዝሓተቶ ማርዞቅ፡ መራሒ ቃሲም በርጌድ መሓመድ ኢል-ዳይፍ ዕጡቓቱ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን መጥቃዕቲ ከይፍጽሙ ከምዝኣዘዞም ተዛሪቡ።

“ኤል-ደይፍ ብግልጺ ነቶም ዕጡቓት ደቂ ኣንስትዮ ከይትቐትሉ፤ ህጻናት ከይትቐትሉ፤ ዓበይቲ ሰብኡት ከይትቐትሉ ኢሉዎም እዩ።”

ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ግን “ዒላማ” ከምዝተገበሩ ብምግላጽ “ምልምላት ወይ ወተሃደራት” እዮም ተቐቲሎም ኢሉ።

ቢቢሲ ኣብ ቆቢዕ ዕጡቓት ሓማስ ካብ ዝነበሩ ካሜራታት ዝተዘርግሑ፡ ኣባላት እቲ ጕጅለ ዘይተዓጠቑ ሰላማውያን ሰባት ኣብ ውሽጢ ገዛኦምን መኪናኦምን እናተቐትሉ ዘርኢ ምስሊታት ኣመልኪቱ ንላዕለዋይ መራሒ ጕጅለ ሓማስ ዝሓተተ ኰይኑ፡ ማርዙቕ ነቶም ሕቶታት ብቐጥታ ክምልስ ኣይከኣለን።

መራሕቲ ፖለቲካዊ ክንፊ ሓማስ ብዛዕባ እቲ ወተሃደራዊ ክንፊ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ምድላው ኣብ ዘገብረሉ ይፈልጡ እንተነይሮም ዝተሓተተ እቲ ምክትል ሓላፊ፡ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ “ምስ ፖለቲካዊ መራሕቲ ክመክር ኣይግደድን፤ ኣድላዪ ኣይኰነን” ኢሉ።

ኣብ ቐጠር ዝመደበሩ ፖለቲካዊ ክንፊ ሓማስ፡ ብዙሕ ግዜ ካብቲ ኣብ ቓዛ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝረሓቐ ኰይኑ እዩ ዝቐርብ።

መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ 2021 ንፖለቲካዊ ክንፊ ሓማስ ግብረሽበራዊ ክብል ዝበየኖ ኰይኑ ሓማስ “ዝተሓላለኸ ግን ድማ ሓደ ግብረሽበራዊ ጕጅለ እዩ” ይብሎ።

መንግስቲ ኣመሪካ እውን ንሙሳ ኣቡ ማርዙቕ ኣብ ዝርዝር ዓለምለኻዊ ግብረሽበራውያን ኣስፊርዎ እዩ።

እቲ ቃለ መሕተት፡ እስራኤል ሰብኣዊ ሓገዝ ንምትሕልላፍን ነቶም ጅሆ ዝተታሓዙ 240 ሰባት ንምፍታሕን ተዅሲ ደው ክተብል ካብ ኣመሪካ ንዝቐረበ ሕቶ ኣብ ዝነጸገትሉ ዝሓለፈ ቀዳም እዩ ተኻይዱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ነታንያሁ ቅድሚ ዝዀነ ዓይነት ግዝያዊ ተዅሲ ደው ምባል እቶም ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ክፍትሑ ከምዘለዎም ብዓርቢ ምዝራቡ ዝዝከር እዩ።

ሓማስ ዝርዝር ናይቶም እቲ በዓልመዚ “ኣጋይሽ” ክብል ዝገለጾም ሰባት ከምዘይብሉን ኣብ ትሕቲ ብዙሓት ዕጡቓት ተታሒዞም ከምዘለዉን እዩ ዝገልጽ።

ምስ ሓማስ ብቕርበት ዝሰርሕ እስላማዊ ጕጅለ ፍልስጤም ዝተባህለ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጕጅለታት ኣብ ቓዛ ይንቀሳቐሱ እዮም።

ነቲ ሓበሬታ ንምእካብ ተዅሲ ደው ምባል ከምዘድሊ ዝበለ ማርዙቕ፡ እቲ ግዝኣት ኣብ ትሕቲ ደብዳባት ኣብዘለሉ ካልኦት ህጹጽ ጉዳያት ኣለዉና ኢሉ።