እስራኤል ኣብ ቓዛ 'ዘይተመጣጠነ’ መጥቃዕቲ ትፍፅም ኣላ - ኣየርላንድ

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ሪፓብሊክ ኣየርላንድ፡ እስራኤል ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ “ዘይመጣጠንን” ከምኡ’ውን “ኣድላዪ ዘይኰነንን” ምዃኑ ገሊጹ።

ሚከል ማርቲን ትማሊ ቀዳም ኣብ መኽፈቲ ዓመታዊ ዋዕላ ፊያና ፌይል’ዩ ነዚ ዝገለጸ።

እቲ መራሒ: ኣብቲ ዞባ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ምኽንያታዊ ኣይኰነን ብምባል ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ክብል ጻውዒቱ ደጊሙ ኣቕሪቡ።

እንተዀነ፡ ኣብ ኣየርላንድ ዝርከብ ኣምባሳደር እስራኤል ክስጎግ እዩ ዝብል ወረ 'ህዝባዊ' ግምት ምዃኑ ገሊጹ።

ዕጡቓት ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም፡ እስራኤል ተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣብ ቓዛ ልዕሊ 9 ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም እዮም።

እቲ ሚኒስተር፡ እቲ ኣብቲ ዞባ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ምኽንያታዊ ከም ዘይኰነ ብምግላጽ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣየርላንድ ሊዮ ቫራድካር ከም ዝሰማማዕ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣየርላንድ፡ እቲ መጥቃዕቲ "ዳርጋ ሕነ ምፍዳይ" ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።

"ኣብ እስራኤል ብዙሕ ቁጥዐ ከም ዝነበረ ንጹር'ኳ እንተዀነ፡ ብናተይ ኣረኣእያ ንዓቐን ናይቲ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዝፍጸም ዘሎ ደብዳብ ምኽንያት ኣይኰነን" ኢሉ እቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን እታ ሃገር።

“እስራኤል እትገብሮ ዘላ ዘይተመጣጠነ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ፡ ኣድላዪ ኣይኰነን።”

"ስለዚ፡ ነቲ ኣድላይነትን ተመጣጣንን ዝብል ኣምርን መትከላትን ዓለምለኸ ሰብኣዊ ሕጊ ዝጻረር’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ" ክብል ወሲኹ ተዛሪቡ።

"ብዙሓት ህጻናትን ብዙሓት ንጹሃት ሲቪላትን ህይወቶም ይስእኑ ኣለዉ" ብምባል እስራኤል ንሓማስ ክተጥፍዕ’ኳ ትጽዕር እንተሃለወት፡ እዚ ግን "ብዘይ ንሕስያ" ትገብሮ ከም ዘላ ጠቒሱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኩሎም ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ክሳዕ ዝፍታሑ ምስ ሓማስ ግዝያዊ ምቁራጽ ተኹሲ ከም ዘይህሉ ገሊጹ’ዩ።

ሚከል ማርቲን፡ ኣገደስቲ ሕክምናዊ ቀረብ ዝርከቦ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ቓዛ ንኽኣቱ ንምፍቃድ ዓመጽ ብቕልጡፍ ደው ክብል ብድጋሚ ጸዊዑ።

ወሲኹ’ውን ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን፡ እቲ እስራኤል እትወስዶ ዘላ ስጉምትታት ከም ገበን ኲናት ይቑጸር ድዩ ኣይቁጸርን ክውስን ከምዝግባእ ገሊጹ።