እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መጥቃዕቲ እስራኤል ንኢራን፡ ምስልታት ሳተላይት እንታይ ሓቅታት የቃልዑ?
ብቢቢሲ ቨሪፋይ ዝተተንተኑ ምስልታት ሳተላይት ነቲ እስራኤል ብቀዳም ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኣየር፡ኣብ ብርክት ዝበሉ ወተሃደራዊ ቦታታት ኢራን ዝወረደ ጉድኣት የርእዩ።
እቶም ቦታታት ድማ ቅድሚ ሕጂ ምስ ኒዩክለራዊ መደብ ኢራን ዝተኣሳሰር መደበር ሓዊሱ ንመፍረዪ ሚሳይላትን ምክልኻል ኣየርን ዘገልግሉ ዝነበሩ ቦታታት ከም ዘጠቓልሉ ክኢላታት ይጠቕሱ።
ድሕሪ መጥቃዕቲ እስራኤል ብሳተላይት ዝተሳእለ ሓደ ምስሊ፡ ኣብቲ ካብ ቴህራን ናብ ኣንፈት ምብራቕ ኣስታት 30 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዘሎ ፓርቺን ዝተበሃለን፡ ክኢላታት ዓቢ መሳለጥያ ምምዕባልን ምፍራይን ኣጽዋር ምዃኑ ዝገለጽዎን ዝርከቡ ህንጻታት ዝበጽሖም ዕንወት የመልክት።
እቲ ቦታ ምስ ምፍራይ ሮኬት ዝተኣሳሰር ምዃኑ ክኢላታት ዓለምለኸ ትካል ስትራተጂያዊ መጽናዕቲ ይገልጹ።
ብ9 መስከረም ዝተሳእለ ልዑል ርዝነት ዘለዎ ምስሊ ሳተላይት ምስቲ ብ27 ጥቅምቲ ዝተሰኣላ ምስሊ ብምንጽጻር፡ እንተወሓደ ኣርባዕተ መዋቕራት ብኸቢድ ከምዝተሃሰዩ ምግንዛብ ይከኣል።
ሓደ ካብዞም ህንጻታት ‘ታለጋን 2’ ብዝብል ዝፍለጥ ኰይኑ ምስ ኒዩክለራዊ መደብ ኢራን ከምዝተኣሳሰር ቅድሚ ሕጂ ብዓለማዊ ትካል ኣቶሚያዊ ጸዓት ተሓቢሩ ነይሩ።
ኣብ 2016 ዓለማዊ ትካል ኣቶሚያዊ ጸዓት፡ ኣብቲ ቦታ ንጥረ ነገራት ዩራንየም ከምዘሎ መርትዖታት ብምርካቡ፡ ዝተኸልከለ ኒዩክለራዊ ንጥፈታት ከምዝካየድ ሕቶታት ኣንቂሉ።
ካልእ ብመጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ዒላማ ዝተገብረ ዝመስል ቦታ ድማ ካብ ፓርቺን ኣስታት 20 ኪ.ሜ ንሰሜናዊ ምዕራብ ርሒቑ ዝርከብ ኮጂር እዩ።
ፋብያን ሂንዝ ካብ ዓለምለኸ ትካል ስትራተጂያዊ መጽናዕቲ “ኮጂር፡ ኣብ ውሽጢ ኢራን ምስ ባሊስቲክ ሚሳይል ዝተኣሳሰር እቲ ዝጸዓቐ ትሕተ ቅርጺ ዘለዎ ከባቢ ተባሂሉ ይፍለጥ” ይብል።
ኣብ 2020 ዓቢ ምስጢራዊ ፍንጀራ ዘጋጠመሉ ቦታ ምንባሩ’ውን ይፍለጥ።
ኣብ ምስልታት ሳተላይት ከምዝረአ ኣብቲ መሳለጥያ ዝርከቡ ብውሑዱ ክልተ ህንጻታት ኣዝዮም ዝተሃስዩ ይመስሉ።
ካብ ቴህራን ንምብራቕ ኣስታት 350 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ሻህሩድ ዘሎ ወተሃደራዊ ቦታ እውን ጉድኣት ከምዝበወረዶ ድሕሪ መጥቃዕቲ እስራኤል ዝተወስደ ምስሊ ሳተላይት የመልክት።
ኣብ ሰሜናዊ ኣውራጃ ሴምናን ዝርከብ እዚ ከባቢ’ዚ ንሚሳይላት ነዊሕ ርሕቀት ዝውዕሉ ባእታታት (ክፍለ-ኣካል) ኣብ ምፍራይ ስለዝነጥፍ ኣገዳሲ ቦታ ከምዝኾነ ፋብያን ሂንዝ ካብ ዓለምለኸ ትካል ስትራተጂያዊ መጽናዕቲ ተዛሪቡ።
ኣብ ጥቓኡ ድማ ብኮር ሓለዋ ሰውራ ቍጽጽር ዝግበረሉ ማእከል ህዋ ሻህሩድ ዝርከብ ኰይኑ፡ ኢራን ኣብ 2020 ወተሃደራዊ ሳተላይት ናብ ህዋ ዝውንጨፈትሉ ቦታ እዩ።
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝርከቡ ስርዓታት ምክልኻል ኣየር ኢራን ዕውት መጥቃዕቲ ከምዝገበረት'ኳ እንተገለጸት፡ ካብቲ ዘሎ ምስሊ ሳተላይት ግን ነዚ ምርግጋጽ ኣይተኸኣለን።
ክኢላታት መደበር ምፍራይ ራዳር ምዃኑ ኣብ ዝገለጽዎ ቦታ ጉድኣት ምብጽሑ ዘርኢ ዝመስል ምስሊ ሳተላይት’ውን ረኺብና ኣለና።
ኣብ ጥቓ ምዕራባዊት ከተማ ኢላም ኣብ እምባ ሻህ ናክጂር ዝርከብ ኰይኑ፡ ኣብ ሓደ ትካል ስለያ ምክልኻል ዝሰርሕ ተንታኒ ማእከላይ ምብራቕ ጀረሚ ቢኒ፡ እቲ ቦታ ሓድሽ ዝተመሓየሸ ስርዓተ ምክልኻል ራዳር ክኸውን ከምዝኽእል ይዛረብ።
እቲ ቦታ ንባዕሉ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተመስረተ’ኳ እንተዀነ ብክኢላታ ዝተተንተነ ኣሳእል ሳተላይት ግን ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ዓቢ ምሕዳስ ከምዝተገብረሉ የረድእ።
ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኣውራጃ ኩዘስታን ኣብ ዝርከብ መጻረዪ ነዳዲ ኣባዳን ዘሎ መኽዘን እውን ጉድኣት ከምዝወረዶ ዝመስል ኵነታት እውን ኣለሊና ኣለና።
ይዅን’ምበር ጠንቁ እንታይ ምዃኑ ኣይንፈልጥን ኢና። ኣብ ገለ ከባቢታት መላእ ኢራን ግን ብሰንኪ ፍርስራስ ወይ ብዘይግቡእ ምትኳስ ስርዓታት ምክልኻል ዘጋጥም ዕንወት ክህሉ ተኽእሎ ኣሎ።
ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ንሰበስልጣን እስራኤል ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ መጻረዪ ነዳዲ ኣባዳን፡ ብሰንበት ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ሓደ ካብቶም ዒላማ ዝተገበሩ ቦታታት ምንባሩ ይሕብር።
ሰበስልጣን ኢራን ብሰኑይ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ግዝኣት ኲዘስታን ብእስራኤል ዒላማ ከምዝዀነት ኣረጋጊጾም ኣለዉ።
መጻረዪ ነዳዲ ኣባዳን እቲ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ኣብ መዓልቲ 500 ሽሕ በርሚል ከፍሪ ከም ዝኽእል ይግለጽ።
ምስሊ ሳተላይት፡ ኵሉ ግዜ ኣብ ምልላይ ዝበጽሑ ዕንወት መዋቕራት መደምደምታ ንምሃብ ውዱእ መረዳእታ ኣይኰነን።
ንኣብነት ኣብ ጥቓ መደበር ምክልኻል ኣየር ብርጌድ ሓዝራት ኣሚር፡ ትኪ ክተክኽ ዘርኢ ዘረጋገጽናዮ ስእሊ እቲ ቦታ ግዳይ ዕውት ዒላማ ከምዝነበረ የመልክት። ብሰንበት ዝተሰኣለ ምስሊ እቲ ከባቢ ግን ኣብቲ ቦታ ዝዀነ ጉድኣት ንምርግጋጽ ዘጸግም ኣዝዩ ብዙሕ ጽላሎት የርኢ።
ኢራን ኣብ ሚያዝያ 300 ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ናብ እስራኤል ድሕሪ ምትኳሳ፡ ኣብ መጀመርታ ጥቅምቲ ‘ውን ንኻልኣይ ግዚኣ መጥቃዕቲ ሚሳይል ፈንያ።